ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ አብ ኣፈፃፅማ መደብ 2011ዓ/ም ገምጊሙ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብዛዕባ ዝሓዞም ትልምታቱ ምስ ሰራሕተኛታቱ ተመያይጡ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣብ ዘበነ ስራሕ 2011 ዓ/ም ብሱል እዋናዉን ሓበሬታ ንህዝብን ናብ ሚድያታትን ንምብፃሕ ፃዕሪ እናገበረ፤ ንሰላም፣ልምዓትን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ወሰንቲ አብ ዝኾኑ ዉራያት ኣብ ምንጣፍ ግድኡ እናተፃወተ ከም ዝሓገየ ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ዘቕረብኦ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣብሪሀን ።

እቲ ቢሮ ካብ ዘሳለጦም ስራሕቲ፤ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዘበነ ፀልማት ከምዝነበረ ዝንዛሕ ፀለመ አብ ምምካት፣ እኳ ድኣስ እቶም ዝሓለፉ ዕስራን ሸዉዓተን ዓመታት ናይ ሰላም ናይ ልምዓትን ዴሞክራስን ምንባሮም ዝሕብሩ ኣጀንዳታት መዚዙ መልእኽቲ ቀሪፁ ይቃለስ ከምዝሓገየ ወ/ሮ ሊያ ወሲኸን ሓቢረን።

ካብ ደገን ወፃእን ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት አብ ትካላት ትእምትን ካልኦት ትካላት ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ፀለመ ዝምክት፤ርክብ ትግራይን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ንፁር መልእኽቲ ተቐሪፅሎም ተሰሪሖም እዮም።

ኣጀንዳ ፈሊኻ ፣መልእኽቲ ቀሪፅካ ዝተገበረ ስራሕቲ ዝሐሸ ነይሩ ዝበላ እተን ሓላፊት፤ህዝባውን መንግስታውን በዓላት ብምጥቃም ፣ ብፍላይ ኣብ መዓልቲ ዳያስፖራ ትግራይ፣ ዘተ ምሁራት ትግራይ፣ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ምትኽኻብ እቶት፣ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ነቶም መደባት አብ ምትሕብባርን ምምራሕን ዝለዓለ ግደ ከምዝነበሮ ገሊፀን።

ኣብ ንጥፈታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን፣ ብተመሳሳሊ መደብ ሒዙ ከምዝዓመመ እዩ ተገሊፁ። እቲ ቢሮ አብ ኣፈፃፅማ መደቡ ገምጊሙ ኣብ ቀፃሊ አንፈታትን ትልምታትን ምስ ሰራሕተኛታቱ እናተመያየጠ እንትኸውን ፤እቲ ቢሮ ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንልእኽትኡ ዝምጥን፣ግዚኡ ዝጠልቦን ንህልው ኩነታት ዘመዛዘነ ኣሰራርሓን ኣንፈትን ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ ‘ውን ተባሂሉ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ 25 ነሓሰ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons