ብ/ክ/መ/ትግራይ 7ይ ዓመት ዝኽሪ ዕለት መስዋእቲ በዓል ራኢ መራሒና ቐ/ሚ/ር ኢትዮጵያ ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ ኣመልኪቱ ዝወፀ መግለፂ ቅዋም 

ራእይን ክብርታትን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዋሕስ ሕዳሰና፣ ፅንዓትናን ዘይተርፍ ዓወትናን!

14 ነሓሰ 2011 ዓ/ም 7ይ ዓመት ዝኽሪ ዕለት መስዋእቲ በዓል ራኢ መራሒና ቐ/ሚ/ር ኢትዮጵያ ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ ንዝክረሉ ዕለት’ዩ። ነቲ ዕድመ ልክዑ ምእንተ ውፁዓት ዝተቓለሰ፣ ዘቃለሰን ፣ ዝመርሐን ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ እንትንዝክር ራኢ፣ ክብርታቱን ኣበርክትኡን ብምዕቃብ ዕላማታቱ ንምዕዋትን ናብ ዳርችኡ ንምብፃሕን ተወሳኺ ሓላፍነት ንሽከመሉ እዋን’ዩ።

ክብርታት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ ካብ ማዓሙቕ ንምርኣይ፣ ነቲ 17 ዓመታት ሙሉእ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን፣ ከም ተጋዳላይን መሪሕን ዝነበሮ ተራ፤ ነቲ ካብ ምስረታ ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያን ክሳብ ሕልፈት መስዋእቱ ዝነበረ ጉዕዞ ቓልሲ ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራኣየ ጉዕዞ ህዳሰን ኣገደስቲ ለውጥታትን፣ ከም ፕሬዝደንት ሃገር፣ ከም ቐዳማይ ሚኒስተርን ኣቦመንበር ህወሓት/ ኢህወደግ ዝነበሮ ተወፋይነትን ኣበርክቶን፤ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ንኹነታት ቐርኒ ኣፍሪካ፣ ኣፍሪካ ብምልእታን ኣብ ዓለም ዝነበሮ ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ምድህሳስ የድሊ።

ተጋዳላይ መለስ ነቲ መሪር ብረታዊ ቓልሲ ተጋድሎ፣ ኣጋዲሉን መሪሑን ንዓወት እንተብቅዕ ንምፅሓፉን ንምዝራቡን ዝኸብድ ግና ድማ ክውን ሓቂ፤ ሰብ ኮይኑ ልዕሊ ሰብ ኩሎም ፈተናታትን ስዒሩ ንዓወት ዝበቕዐ ብሉፅ ተጋዳላይን መራሕን ኔሩ።
ኵናት፣ ጥምየት፣ ሕማምን ድንቁርናን ኣመና ዝሃሰዮ ህዝቢ መስመርን ዕላማን ሰኒቑ፤ ኣብ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ንዘይነበሮ ሹሾ ሰራዊትን ዘመናዊ ኣፅዋር ምድርን ሰማይን ዝዓጠቐን ድልዱል ድጋፍ ወፃኢ ንዝነበሮን ሰራዊት ደርጊ ግብኣተ መሬት ብምእታዉ፤ እታ ኣብ ፍፁም ፀረ-ህዝቢ ኣገዛዝኣ ኣትያ ዝነበረት ሃገርን፣ ኣብነት ጥምየትን ምትህልላቕን ዝነበረት ኢትዮጵያ፤ ሓዱሽ ፋና ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ክውላዕን ዘይትካእ ኣበርክቶ ዝነበሮ እዩ።

ልዕሊ 17 ዝተወደቡ ዕጡቓት ሒዛ ሞትን ስደትን፤ ጥምየትን ህልቂትን፤ ድንቁርናን ኩሉ ዓይነት ወፅዓን ተሸቢባ ኣብ ኣፍ ምብትታንን ምትህልላቕን ዝነበረት ሃገር፤ ናብ ኣብ ኣፍሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቑጠባዊ ምዕባለ ማለት ንተኸታታሊ 10 ዓመታት ክልተ ኣሃዝ ቑጠባዊ ዕብየት ክተመዝግብ፤ ትሕቲ ቕርፃ /infrastructure/ ክምዕብልን ክዝምንን፤ ሕገ መንግስታውን ፌደራላዊ ስርዓት ክብልፅግ፤ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ክዕምብብ፤ ኢትዮጵያ ተምሳሌት ሰላምን ልምዓትን ክትኮንን ፤ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኢትዮጵያ ጠበቓን ወሃቢት ቃል ኣፍሪካውያን ክትኮን ዘብቀዐ መሪሕነት ዘዕረፈ ኔሩ ቐ/ሚ/ር ኢትዮጵያ ነበር ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ።

ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ተምሳሌት ወናኒ ዘይንቕነቕ ፅንዓትን ዝወነነ መራሒ ኔሩ። ንዝኣመነሉ መስመርን ዕላማን ንፃት ዘይዋገን ኣብ ፍልጠትን መርትዖን ኰይኑ ንዝኣመነሉ ኩለመዳይ መስዋእትነት ንምኽፋል ዝዳሎ መራሒ ኔሩ። መለስ ንረብሓ ውፁዕ ህዝቢ ንምርግጋፅ ለይትን ቀትርን ዝፅዕርን ዝቃለስን ብሉፅ ውግንና ህዝቢ ብተግባር ዘረጋገፀ መራሒን’ውን ኔሩ። ኣብ ልዕልነት ህዝቢ ዘይደራደርን “ንኹሉ ነገር ዳይና ህዝቢ እዩ።” ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዝተቓለሰን ዘቃለሰን መራሒ ኔሩ። ብዘይካ’ዙይ ኣብ ልዕልነት ሕገመንግስትን ኩሎም ሕግታትን ኣብ ምኽባር ኮነ ክኽበሩ ኣብ ምግባር ብፅኑዕ ዲስፕሊን ንባዕሉ ዘተግብርን ብኹሎም ሓይልታት ክትግበሩ ዘየማትእ ኣመራርሓ ዝህብ ብሉፅ መራሕ’ውን ኔሩ።

ኣብ ጉዳይ ሰላም’ውን እንተኾነ፣ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ኣብ ኣህጉርን ዓለምን ኣብነታዊ ስራሕ ዝሰርሐ ናይ ዘበና ተወዳዳሪ ኣልቦ መሪሕ ኔሩ። ንቓልሲ ፀረ ራዕዲን ግብረ ሽበራን ዝነበሮ ቕዋምን ተግባራዊ ምንቅስቓስን’ውን ኣድናቖት ዝረኸበ እዩ፡፡ ንሕገመንግስትን ንሰላምን ደሕንነትን ህዝብን ሃገርን ብፅንዓት ደው ዝበለ ሓይሊ ምክልኻል ዘጣየሸን ዝሃነፀን በሊሕ መስተውዓሊ መራሒ’ውን እዩ።

ብፍላይ ድማ ነታ ብሕሱም ጥምየትን ስደትን ትፍለጥን ኣብነት ድሕረትን ድንቁርናን ኰይና ትረአ ዝነበረት ኢትዮጵያ፤ ኣብ ሓፂር ግዘ ኣብ ኣፍሪካ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ቑጠባዊ ዓቕማ ክዓቢ፤ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክሰፍሕን ክዝምንን፣ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ፍፁም ተመፅዋታይነት ክትላቐቕ ዘይሕለል ፃዕሪ ዝገበረን ሓርበኛ ልምዓታውነቱ ብተግባር ዘመስከረን ምንባሩ ዓለም ብሓደ ድምፂ ብዓውታ ዝመስከረቶ ሓቂ እዩ።

ብዘይካ’ዙይ ንኣዝዩ ፈታኒ ፖለቲካዊን ሃገራዊን ረብሓ ተፃብኦታት በዲሁ ተሳትፎን ተጠቃምነት ህዝብ ዘረጋግፅ መስመርን ዕላማን፣ ፖሊሲን ስትራተጂን፤ ሕግን ኣሰራርሓን ክንፀርን ብተግባር ክረጋገፅን ሞጊቱ ዝረትዕ፤ ሓንፂፁ ዘተግብር፤ ኣተግቢሩ ውፅኢታዊ ዝኾን ሳይንሳዊ ወያናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝወነነን፣ ዘተግብርን ዝትግብርን ናይ ክፍለ ዘበና ብልጫ ዘለዎ መራሒ ሰላም ምንባሩ ሚስጢር ኣደባባይ እዩ።
ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ወናኒ ምጡቕ ኣእምሮን ገዚፍ ራኢ ዝነበሮን ነዚ ከምዚ ዝበለ ራኢ ክዕወት ብዘይዕረፍቲ ተቓሊሱ ዘቃለሰን መራሒ ኔሩ። ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሓይሊ ፅዓት/ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ/ ፣ መንገዲ፣ ቴሌኮሚኒኬሽን ፣ መጓዓዓዝያ፣ ሓይሊ ምክልኻል ፣ ማይ፣ ማዓድን ኮታስ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት ስሉጥ፣ ፍትሓውን ዘላቒን ዓወታት ክምዝገቡ ዘይሕለል ፃዕሪ ብምግባር ተስፋ ህዝቢን ሃገርን ናብ ዝበረኸ ከብፅሕ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ዝኸፈለ ብሉፅ መራሒ ሃገር ኔሩ።

ቐ/ሚ/ር ኢትዮጵያ ነበር ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ብልዕልነት ሕጊን ኣብ ዕላማን መስመርን ዘይዋገ ስለምንባሩ ካሊእ ናእዳ ዘጥረየሉ ክብርታት ኔሩ። ንኹሉ ነገር ብሳይንሳዊ ፍልጠት ተመሪሑ ዝሰርሕን ዝመርሕን ብቑዕ መራሒ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ፣ ብኣናእሽተይ ዓወታት ዘይዓግብን ንዐኦም ፈፂሙ ዘይኹራዕራዕን እኳ ድኣስ ብዓብይኡ ዝትልም ዝእምትን ኣብ ደቀቕቲ ስራሕቲ ግዚኡ ዘየባኽንን ዓብይ መራሒ ስለምንባሩ ኣብ ቐዳማይ ትልሚ ስግግር ዘነፀሮም ትልምታት፣ ዝጀመሮም ዘዐወቶምን ውፅኢታውነቶምን ርኢኻ ንምፍራድ ዝኸብድ ኣይኮነን። ንግድብ ኣባይ፣ ንመንገድታት ባቡር፣ ንኢንዳስትርታት ፓርክ፣ ንፋብሪካታት ሽኮር፣ ንስራሕቲ ዕደና፣ ንምስፍሕፋሕ ትምህርቲ፣ ዩንቨርስታትን ኮሌጃትን፤ ትካላት ጥዕና ፣ ንስራሕቲ ዲፕሎማሲ፤ ህንፀት ዴሞክራስያውያን ትካላት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሓዊሱ ኣብ ልምዓት ከተማን ገጠርን ዘመዝገቦም ዓወታት ህያው ምስክር ክብርታቱ’ዮም።

መለስ ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ጥቡቕ ግንዛበን ዓሙይቕ ፍልጠት ዝነበሮ፣ ወናኒ ኩለመዳይን ዝተማልአን ስብእና’ውን እዩ። መሰል ብ/ብ/ህዝብታትን ወሑስ ንምግባርን፤ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከልን ክትግበርን፤ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነት ህዝቢ ክህሉን ንክብሪ ህዝቢን ሃገርን ዝምጥን ምዕባለን ሰላምን ክረጋገፅ ለይትን ቀትርን ሰሪሑ ዘስርሐ ብሉፅ መራሒ ስለምንባሩ ኣብ ዕለተ መስዋእቱ ህዝቢ ብኣንደበቱ መስኪሩሉ እዩ። ተጋዳላይ መለስ እዛ ሃገር ካብ ዘበነ ፀላም ናብ ዘበነ ህዳስኣ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተገበረ መሪር ቃልሲ ዝነበሮ ኣበርክቶን መሪሕነትን ብወርቂ ቀለም ተፃሒፉ ብወለዶታት ስግግር ዕላማታቱ ኣብ ዳርችኡ ንምብፃሕ ከቢድ ርብርብ ከምዝሓትት ፈሊጥና ቃልና ክነሐድስን ክነሐይልን ይግባእ።

ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዴሞክራስያዊ መራሒ ኔሩ፡፡ ንዴሞክራሲ ምእንታ ኣመሉ ዝዛረበሉ፣ ካልኦት ንምሕጓስ ዝሰርሐሉ ዘይኮነስ ንልዕልነት ዴሞክራሲ ደው ዝበለን ለይትን ቀትርን ዝሰርሕን ምዃኑ ካብ በረኻ፣ ምቋም ሽግግር መንግስቲ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተግባር ኣመስኪሩ ዝሓለፈ እዩ። እዛ ሃገር ካፍቲ ኣትያቶ ዝነበረት መሃሙቕ ተዘቑይቋ ክትወፅእን፤ ብ/ብ/ህ/ ኢትዮጵያ ብማዕርነት ዝነብሩላ ፌደራላዊትን ዴሞክራስያዊትን ሃገር ክትህነፅ ዕድመ ልክዑ ሰሪሑ ዝሓለፈ ብሉፅን ወናኒ ምጡቕ ኣእምሮን ንህዝቢ ዝሰርሐን ዝተሰወአን መራሒን ተጋዳላይን እዩ። ኣብዚ 7ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቱ ኰይና፣ ኣበርክቶን ክብርታትን መለስ ብወለዶታት ቅብብል ክሳብ ዳርችኡ ንምብፃሕ ደጊምና ቃል ንኣትወሉ እዩ።

ብኣውርኡ ድማ ሐዚ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ይሪኦ ንዘሎ ኣሰካፍን ዘፍርሕን ኩነታት ንምምካት ኮነ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ሕዳሰ ናብ ሕሓሸ ብርኪ ንምስጋር ክብርታት እዚ ብሉፅ መራሒ ሒዝና ንዘይተርፍ ዓወት ከም ውልቀ፣ ከምስድራን ህዝቢን ኣብ ዕላማናን መስመርናን ረቢብና ክንቃለስ ምዃና ደጊምና ቃል ብምእታው ንዕላማን ሽቶታትን ስውኣትና ንፃት’ውን እንተይሸራረፍና ንምትግባር ኣበርክቶና ክነሐይል በዚ ኣጋጣሚ’ዙይ ብ/ክ/መ/ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።
ዘልኣለማዊ ክብሪን መጎስን ንስውኣትና !

ራእይን ክብርታትን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዋሕስ ሕዳሰና፣ ፅንዓትናን ዘይተርፍ ዓወትናን!

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons