መግለፂ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ቦዃር መግለፂ መንነትና ዓቂብና‐ ወራር ባህሊ ንመክት!!

ቅድሚ ኩሉ“ ኣሽንዳ ትግራይ፣ መርኣያ ሰላም፣ ሓድነትን፣ ልምዓትን”! ብዝብል መሪሕ ቃል ፣ብድሙቅ ናብ ዝኽበር ድሮ በዓል ኣሽንዳ 2011 ዓ/ም እንዃዕ ብሰላም ኣብፅሐኹም፣ ኣብፃሓና፣ ዝብል መልእኽቲ፣ እንተመሓላልፍ ፣ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ዝስምዖም ሓበን ዝልዓለ እዩ::

ህዝቢ ትግራይ መግሊፂ መንነቱ ዝኾኑ፣ ዝጭበጡን፣ ዘይጭበጡን፣ ባህሊታትን ሓድጊታት በዓል ዋና እዩ:: እዞም ካብ ዉልድ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመፁ፣ ዘኽርዑን ዘሕብኑን ሓድግታትናን ባህልታትና፣ ቦኽሪ ትርጉሞም፣ መግለፅታቶምን መመላኺዒታቶም ሓልዮም፣ ናብ ቐፃሊ ወለዶታት ናይ ምሕላፍ ጉዳይ ድማ ናይ ሕድሕድ ትግራዋይ ሓላፍነት እዩ:

ብምዃኑ ሓደ ህዝቢ ከም፣ ህዝቢ ዝግለፀሎም ረቋሒታት ማለት እዉን፣ ሓደ ዓይነት ቋንቋ፣ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ስነልቦና፣ መልክኣ ምድራዊ ኣቐማምጣ፣ ኢኮኖምያዊ ምትእስሳርን ዝብሉ ከም ዝኾኑ ተመራመርቲ ስነ ህዝብን ሶሶዮሎጅስትን ይገልፁ እዮም:: ብምዃኑ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለምና ዝነብርን ሕብሪ ቀለም ቆርበቱ፣ ፀሊም፣ ብጫ፣ ቀይሕ፣ ብዘየገድስ ንባህሊ ሓዊስኻ ብመንነቱ ዘይኹርዕን ዘይሕበንን የለን፡፡ብመንነቱ ምኹርዑ እዉን ግቡእን ቕቡልን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘሕብን እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ እዉን መንነቱ ንምኽባር ክብል፣ ካብ የማነ ፀጋም ዝተልዓሉ ጎበጥቲ ሓይሊታት ንምምካት ኣብ መዋእሉ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ኸፊሉ ባህሉ፣ ታሪኹ፣ ቋንቋኡን ኣኽቢሩ እዩ፡፡ንቅድሚት እዉን ብሙሉእነት ኸኽብር እዩ::

እንተኾነ ብምኽንያት ናይ መበል 21 ክ/ዘመን ጉለበላይዜሽን፣ ዝፈጠሮ ወረራ ባህሊ፣ ከምኡ ዉን፣ ኣብ ባዕልና ዓስሊ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፀገም፣ ባህልና ቦኻር መንነቱ ዝሽርሽረሉ ኩነታት ይርኣይ ኣሎ:: እዚ ሽግር ከይገወደ እንድሕር ድኣ ተቃልሲና ዘየወገድናዮ መንነት ትግራዋይ ዘጥፍእ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ::

ኣብ ትግራይና በቢዓመቱ ወርሒ ነሓሰ፣ ብድሙቕ ካብ ዝኽበሩ ህዝባዊ ባህሊታት ኣሽንዳን ዓይኒዋርን ተጠቐስቲ እዮም:: ብምዃኑ እዚኦም ናይ ባዕሎም መቦቆል፣ ቦኽሪ ትርጉም፣ መጋየፂ፣ ኣልባሳት ከምኡ ዉን ተጀሚሮም ክሳብ ዝዉድኡ፣ ናይ ባዕሎም ኣከባብራ ስነ‐ስርዓት ኣለዎም:: ኾይኑ ግና ነዞም ድሙቓትን ዉቁባት፣ ባህሊታትና ዘህስሱ ፣ ኣልባሳት ፣ መጋየፂታት፣ ሕልፍ ሓሊፉ ምስሊ ዋዕሮታት ጎራዙን ትግራዎት ዘበላሽዉ ፣ ኣርተፊሻል ፀጉሪ፣ ዘይድልን ዘይግቡእ መፀባበቒ ብምጥቃም፣ ቦኻር መንነትን ትርጉምን ኣሽንዳን ዓይኒ ዋርን ይብረዝ ኣሎ:: እዚ ኻዓ ንመንነትና ዝፃባእ ጥራሕ ኮይኾነስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣሽንዳ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪታት ዘተዓናቅፍ ፀያፍ ተግባር ብምዃኑ ኽኹነን ይግባእ::

ብሓፂሩ በዓል ኣሽንዳ፣ ይኹን ዓይኒዋሪ፣ ንምድማቕ ባንዴራ ትግራይ ሓዊስኻ ዝኾነ ዓይነት ምስሊ ዘለዎም ሽፈን ከይኮነስ ፣ ኢደ‐ጥባባዉያን ሽማነታት ትግራይና ተጣቢቦም ዝስርሕዎ ዓለባ ዓዲ፣ ኮስሞቲክስን ኣርተፍሻል ፀጉሪ ከይኮነስ፣ ንኩሕሊ ሓዊስኻ ካብ ወለድና ዝወረስናዮም ኩሎም ዓይነት መጋየፅታት ምጉያፅ እዩ፣ መግለፂ መንነትና ኢለን ኩለን ቆልዑ ኣሸንዳን ዓይኒዋርን፣ ከምኡ ዉን፣ ኩሉ ትግራዋይን ዝምልክቶ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ኣካል ብእምነትን ብጥቡቕ ድስፕሊንን ክስርሕ ይግባእ::

ኣብ ባዓል ኣሽንዳን ዓይኒዋርን፣ ብኢደ‐ጥበባዉያን ዝስርሓ ዓለባ ዓዲ ምጥቓም፣ ባህልና ምኽባር፣ መንነትና ምሕላዉን ጥራሕ ዘይኾነስ፣ ትግራይና ብኹሉ መዳይ ንምዕባይ ዝኽኣል፣ መትከል ዓርስኻ ምኽኣል ዓትዒትና ሒዝና “ምህርትን ኣገልግሎትን ደቂ ዓዲ‐ ብወዲ ዓዲ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ተግባራዊ ምግባር እዩ:: ዝምዓበላ ሃገራት እዉን ኣብዚ ሕዚ በፂሐንኦ ዘለዋ ጠረዚ ምዕባለ ዝበፅሓ፣ ናይ ባዕለን ምህርቲ ብምጥቃም እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ቆልዑ ኣሽንዳን ዓይኒ ዋርን ሓዊስኻ ሕድሕድ ወዲ ትግራይ፣ መረጋፊ ሽቐጥ ወፃኢ ኣይንኸዉንን ብምባል፣ ሰብ ሃፍትና፣ ትካላት ዳኣንት፣ ኢደ‐ጥባብዉያን ትግራይ ወ.ዘ.ተ ዘፍረይዎም ምህርትታት ብምጥቓም ህልዉናን መንነትናን ኣኽቢርና፣ ኣብ ዝልዓለ ጫፍ ምዕባለ ንምብፃሕ እንረባረበሉ እዋን ሐዚ ምዃኑ ብተግባር ነርእይ::
በዚ ኣጋጣሚ ዘይረብሕ መኽሰብን ሃፍትን ንምጥራይ ጥራሕ ክብሉ፣ ባህልና ዝብርዙ ሸቐጣ መቐጥ ካብ ወፃኢ ይኹን ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣምፂኦም ኣብ ትግራይና ዝራግፉ ነጋዶ ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ንምዕድ፡፡ህዝብና እውን ክቃለሶም ንፅውዕ፡፡

በዓል ኣሸንዳን ዓይኒዋርን ንምኽባር ኣብ እንረባረበሉ እዋን ካሊእ ዝልዓለ ጥንቃቐን ቃልስን ዘድልዮም ጉዳያት ኣለዉ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልልና ኤች ኣይቪ ኤድስ ናብ ደረጃ ለበዳ በፂሑ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት መንእስይ ወለዶ እንድሕር ብሕማም ተጠቒዑ ቐፃልነት ህልዉና ትግራይና ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ቆልዑ ኣሽንዳን ዓይኒዋርን ካብ ዘይድሊ ተግባራት ክቑጠባ፣ ሕድ ሕድ ሰብ ብፍላይ መንእስይ ድማ ካብ ፀያፍ ነገራት ተዓቂቡ፣ በዓል ኣሽንዳን ዓይኒዋርን ብድሙቑን ምዕሩጉን ኣግባብ ብምፍፃም፣ ባህልና ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ክረባረብ ይግባእ:: ብድምር ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዘለናሉ ዝተሓላለኸ ንኡስ መድረኽ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደጋ፣ በዲሁ ከምወትሮ ብዓወት መሰሰ ክብል ዝኽእል ብኣካል፣ ብስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን እተተዓጢቑ ጥራሕ እዩ፡፡ ሰለዝኾነ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ መንእሰይና ካብ ዝኾነ መዐወኒ ተግባራት ሪሒቑ ባህልን ክብርታትን ወለዱ ወሪሱ በዓል ኣሽንዳን ዓይኒ ዋርን ብድሙቕ ኣብ ምኽባር እጃሙ ከምዘወፍይ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን::

ብሓፈሻ ናይ 2011 ዓ/ም በዓል ኣሽንዳን ዓይኒዋርን፣ ብድሙቕ እንትነኽብር ዝኽሪ መበል 7 ይ ዓመት መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ጎና ጉኒ ከም እንዝኽሮ ፍሉጥ እዩ:: ብምዃኑ ’’ራእይን ክብርታትን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ዋሕስ ህዳሴና‐ፅንዓትናን-ዘይተርፍ ዓወትናን’’ ብዝብል መሪሕ ቃል እንትንዝክር፣ ህልዉና ትግራይና ኣረጋጊፅና፣ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ፣ ዲሞክራሲ ንምዕማቕን ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብን ዝኻኣል ፣ ዓሰርተ ሰለሰተ(13) ዓበይቲ መግለፂ፣ ክብሪታት መራሒና ተጋዳላይ መለሰ ዜናዊን ኩሎም ስዉኣትናን ብእምነት ጨቢጥና ከምእንረባረብ ዘጠራጥር ኣይኮነን::

ኣብ መወዳእታ ኣሽንደ ኣብ ዩኖስኮ ንምምዝጋብ፣ ’’ቦኽሪ ትሕዝትኡ ዓቂብና-ወረራ ባህሊ ንመክት’’ በዓልና ብስላም ንክዛዘም ድማ ኩላትና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንረባረብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፃዉዒቱ እንተቅርብ፣ ህዝብና ከም ወትሮ፣ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ዓሲሉ ከምዝትግብሮ ብምትእምምን እዩ::

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ኣሸንዳ ትግራይ፣ መርኣያ ሰላም፣ ሓድነትናን፣ ልምዓትናን!
ራእይን ክብርታትን መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዋሕስ ህዳሴና‐ 
ፅንዕትናን ‐ ዘይተርፍ ዓወትናን!

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons