ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለት ትግራይ ንምርኣይ ፈላማይ ዕማም ምሁር ሓይሊ ምፍጣር ዝብል ራእይ ማልት ጋህዲ ንምግባር እቲ ጀሚሮምዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ ማልት ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ኣብ እትነጥፎም ንዘላ ስራሕቲ ዝተዓዘቡ ተሳተፍቲ ዑደት ዲያስፖራ ትግራይ ገሊፆም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ካብ ባሕቲ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ይሳለጥ ዘሎ ዑደት፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ዳያስፖራ ትግራይ፣ዓለም ለኻዊ ትካላት ተራድኦን ህዝብን መንግስትን ትግራይን ሃኒፃ ንግልጋሎት ዘብቅዐቶም 673 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርትን 44 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ዑደት ተዓዚቦምም ፡፡

ብተመሳሳሊ 37 ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሊጅን ንክትሃንፅ ዓሊማ ኣብ እትገብሮ ዘላ ንጥፈት 6 ህንፀተን ወዲአን ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመራ እንትኾና እተን ዝተረፋ 31 ድማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ይርከባ፡፡ሓሙሽተ 1ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝህልዋሉ ከባቢ ሓደ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንክህሉ መምርሒ ስታንዳርድ ትምህርቲ እዩ፡፡ኣብ ትግራይ እዙይ ንምትግባር 400 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተርፍ እውን ተገሊፁ፡፡

ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለት ትግራይ ንምርኣይ ፈላማይ ዕማም ምሁር ሓይሊ ምፍጣር ዝብል ራኢ ማልት ጋህዲ ንምግባር እቲ ጀሚሮምዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ ተሳተፍቲ ዑደት ዲያስፖራ ትግራይ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡3 ነሓሰ 2011 ዓም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons