መግለፂ ቅዋም ተሳተፍቲ ካልኣይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ዲያስፓራ ትግራይ

ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስትን ውድብን፣ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ሰብ ዋና ናይዚ ፌስቲቫል ዝኾንኩም ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ፣ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽን 
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ካብ 24-30 ሓምለ 2011 ዓ/ም ካልኣይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ዲያስፓራ ትግራይ ብዓወት ብምዝዛም እንሆ ንቐፃሊ ዕማማትናን ዓወታትናን ተዳሊና ንርከብ፡፡

“ሓድነት ዲያስፓራ ትግራይ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣዝዩ ኣብነታውን ዘኹርዕን ፌስቲቫል ምሕላፍና እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና፡፡ ኣብ 2006 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ቐዳማይ ፌስቲቫልና እዚ ከምዚ ዝበለ ፌስቲቫል በቢ ኣርባዕተ ዓመቱ ክነሳልጥ ብዝኣተናዮ ቃል ብወድዓዊ ምኽንያት ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ ነፀምብል እኳ እንተሃለና ፤ ፌስቲቫልና ኣፍቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋጥርን ሃለዋቱን ደሕንነቱን ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ጊዜኣብ ዝኣተወሉ ኣለናልኪ ትግራይ ! ኣለና ህዝቢ ትግራይ! ክንብል’ውን ዕድል ዝፈጠረ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ፡፡

ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርንዓት ዓለም ከም ውልቀን ስድራን ማሕበረሰብን ብኣዝዩ ፍናንን ሓቦን ዝፈጥረልካ ኣገባብ ምትእኽኻብና፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብዝሃለወ ይሃሉ ኣብ ቁርፂ እዋን ዝያዳ ሕብረት ከምእንፈጥርን ንዝኾነ ጐበጣን ወፅዓን ንምምካትን ንምብዳህን፣ ኣብ ደገን ውሽጢን ዘሎ ህዝቢ ሓድነቱ ኣስጢሙ ትግራይ ትጠልቦ ኹሉ ዓይነት መስዋእትነት እወንታዊ ግብረ መልሲ ንምሃብ ድልው ምዃኑ ዘመላኽት ፌስቲቫል እዩ’ሞ ደጊምና እንኳዕ ኣሓጐሰና ንብል፡፡

ዲያስፓራ ትግራይ ኩሉ ነገር ድሕሪ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን እዩ ብምባል፤ ኣብ ድሕንነትን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተፋሕሰ ውዲት ንምምካት ኣብ ጐኒ ህዝብናን መንግስትናን ብምስላፍ ፤ ሓድነትና ኣስጢምና ምቅላስን ምምካትን ግዘ ዘይዋሃቦ ውራይና ጌርና ወሲድናዮ ኣለና፡፡ ካልኦት ዝላዓሉ ሕቶታት እንተሃልዮም’’ውን ድሕሪ’ዙይ ዝስርዑ ምዃኖም ካብ ልቢ ተረዳዲእናን ተቐቢልናን ኣለና፡፡ ሰላምና ውሑሱን ዘላቒን ክኸውን፣ ቑጠባና ክድንፍዕን ብመሰረቱ ክልወጥን ፤ ካብቲ ቐንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ድኽነት ሓራ ንምውፃእ ኩልና ዲያስፓራ ትግራይ ንህዝብናን ንዓድናን ኣበርክቶና ንሕይለሉ ጊዜ ምብፃሕና ንርዳእ፡፡ ምእንታ’ዙይ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ልምዓት ፣ ሰላምን ዴሞክራስን ተሳትፎና ከምነሓይል ደጋጊምና ዝኣተናዮ ቃል ብምዃኑ ንሕበን፡፡ ቃልና ብተግባር ንምርግጋፅ ድማ ንቕድሚት ንምርሽ፡፡

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ካልኣይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዲያስፓራ ትግራይ ፤ ኣብዚ ዝቐነናሉ ሰሙን፣ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ክልልናን ኣመልኪቱ ዘቲናን ተረዳዲእናን፡፡ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክሳለጥ ዝፀንሐ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ዓሻራና አዕሪፍና፡፡ ልምዓታዊ ትካላት ተዓዚብናን በቢ ውዳበና ዘቲናን ኢና፡፡ ትውልዲ ከተኣሳስሩ ዝኽእሉ መድረኻት ደቂ ኣንስትዮ ፣ መናእሰይን ህፃናትን’ውን ኣሳሊጥና፡፡ መበል 45 ዓመት ምስረታ ማ.ተ.ሰ.ኣ. እውን ምስ ህዝብና ኮይና ኣፀምቢልና፣ ብዘይካ’ዙይ መበል 30 ዓመት ምስረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣመልኪትና’ውን ሰፊሕ ዘተን ቐፃሊ ኣንፈትን ኣንቢርና ኢና፡፡ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዕድላትን ፀጋታትን ኢንቨስትመንት ትግራይን ብቐፃሊ ኣብ ፓሊሲ ዲያስፓራን ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጅን ምዕባለ ሓይሊ ሰብን ዝህልወና ኣስተዋፅኦ’ውን ብዕምቆት ፈትሽና፣ዘቲናን ውሳነታት ኣዕሪፍናን፡፡ ኣብ ድሮ ፌስቲቫል ካልኣይ ዓለምለኸ ዲያስፖራ ትግራይ፣ ዋዕላ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራን ትግራይ ብዓወት ተዛዚሙ እዩ፡፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ውድብን’ውን ልዑል ክብሪን ኣቓልቦን ዝገበርናሉ ዘተ ብዓወት ብምኽምባቱ እንሆ ናብዛ ዕለት’ዚኣ በፂሕና፡፡

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፓራ ትግራይ፡፡ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን ውድብ፣ ሰብ ዋና ተሳተፍቲን ዕዱማት ኣጋይሽን፡፡ 
ካብ 24-30 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቴማ “ሓድነት ዲያስፓራ ትግራይ ንሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ” ኣመልኪትና ናይ ዘሳለጥናዮ ካልኣይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ትግራይ ዝተዳለወ መጠቓለሊ 11 መሰረታዊያን ነጥብታት ዝሓዘ ቅዋም መግለፂ ከምዝስዕብ ነቕርብ፡፡

1/ ንሕና ዲያስፖራ ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ጉዳይ ዘገድሰና ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ብምዃኑ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወፅዓ፣ ሽርሒን ክፉእ ተግባራትን ንፃት’ውን ዘይንደራደርን ምእንታ ህልውናን ድሕንነትን ህዝብናን ዓድናን ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዋት ምዃና ብፅኑዕ እንዳገለፅና ምእንታዙይ’ውን ሰላምና፣ ልምዓትናን ዴሞክራሲናን ውሑስን ስሉጡን ንምግባር ፣ ኣንፃር ድኽነት ኣብ ዝግበር ኩለመደያዊ ርብርብ ኣበርክቶና ንምሕያል ከምንረባረብ ቃል ንኣቱ።

2/ ኣልፋን ኦሜጋን ዋና ፀላኢና ድኽነት ብምድዓኽ፤ ኣብ ህልዊን ጭቡጥን ዓቕምታት ዝምልከት ርክብና ብምጥንኻር፤ ብመስርሕ ሕጊን ኣሰራርሓን ንኽተሎ ፖሊሲ፣ ስትራተጂን ትልምታትናን፤ ዕድላትን ፀጋታትናን ኣለሊና፤ ፀረ ድኽነት ኣብ ዝግበር ቃልሲን ምርግጋፅ ሕዳሰ ክልልናን ክውን ንምግባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩለመዳይ ስራሕቲ ዝከኣለና ኩሉ ንምስራሕ ቃል ንኣቱ።

3/ ኣብ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን፤ ኣብ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ቱሪዝምን ካልኦት ዕድላትን ክንሳተፍን፤ ብመጠን ተሳትፎና ረብሓታትና ንምርግጋፅን፤ እወንታዊ ምስሊ ህዝብናን ክልልናን ንምህናፅ፣ ኮታስ ኩሉ ዘጥረናዮ ሞያ፣ ክእለትን ካፒታልን ስለ እቲ ሓብሒቡ ኣብዚ ዘብፀሐና ህርኩትን ወናኒ ዘኹርዕ ታሪኽን ህዝቢናን ንባዕልትናን ኣብ ግብሪ ክነውዕል ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓፂናዊ ፖለቲካዊ ሓድነትና ኣስጢምና ከምንረባረብ ቃል ንኣቱ።

4/ ባህሊና፣ ቋንቋና፣ ታሪኽናን ያታናን ክዕቀብን ዝያዳ ክብ ክብል ኣብ ዘኽእሉ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ብምስታፍ፤ ብፍላይ ኣብ መንጐናን ትውልዲ ዓድናን ህዝቢናን ዘሎ ምትእስሳር ንምብራኽ ፍሉይ ጠመተን ተገዳስነትን ሂብና ከምንሰርሕን ግዱሳት ኣምባሳደራት ህዝብናን ክልልናን ኮይና ከምንነጥፍ ቃል ንኣቱ።

5/ ንሕና ተሳተፍቲ 2ይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ትግራይ ኩሉ ነገር ድሕሪ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ’ዩ። መበገሲናን መዕለቢናን እዚ’ዩ። ካሊእ ነገር ድሕሪ’ዙይዝስራዕ ምዃኑ ተኣማሚና ንወፍር ኣለና። እዚ ክሰምር ግና ሕጊን ስርዓትን ክኽበር፣ ሰላም ክሰፍን፣ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ክሕለውን ክኽበሩን እንዳተረባረብና፤ ነዚ ንምዕንቃፍ ዝወፍር፣ ዘተሓባብርን ዝተሓባበርን ሓይሊ ብጥሙር ሓድነትናን ቃልስናን ብዘየዳግም ንምምካት፤ ኣብ ጐኒ ህዝብናን መንግስትናን ከምንስለፍ እንዳፍለጥና፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነውራም፣ ዘይፍትሓውን ዓማፂን ተግባር ንዝተዋፈሩ ኹሎም ኣደብ ክገብሩን፤ እዛ ሃገር ካብ ፍፁም ምብትታንን ህልቂትን ሓራ ክትወፅእ፤ ህልውናን ረብሓን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክኽበሩ፤ ፌደራላዊ ስርዓትናን ክሕሎ፤ ልዕሊ ኹሉ ድማ ሉኣላውነት ህዝቢ፣ ክልልን ሕገ መንግስትን ኣብ ዝፃባእ ተግባራት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንዝዋፈሩ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ኣብ ጐኒ ህዝብና፣ መንግስትናን ረቢብና ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ብምኽፋል ከምንቃለሶምን ከም ንምክቶምን ብኣፅንኦት ንገልፅን ቃል ንኣቱን።

6/ ንሕና ዲያስፖራ ትግራይ ማለት እውን ማሕበራት ማሕበረሰብ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ/ማ.ተ.ሰ.ኣ. /፣ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ/ማ.ተ.ኣ./ ኣወዳድባና ብምሕያል፣ ኣባልና ክበዝሕን ኣብ መትከልና ፀኒዕና ከምንቃለስን ፣ በቲ ካልኣይ መዳይ ድማ ብዝተፈላለየ ወድዓውን ባዕላውን ምኽንያት ኣወዳድባን ማሕበርን ዝነበረን ግን ድማ ኣብ ገሊኡ ክንድትዝድለ ዘይሰጎመ፣ ኣብ ገሊኡ ስሩዕ መልክዕ ዘይሓዘ ከም ማሕበር ተጋሩ ኣወስትራልያ ፣ማሕበር ተጋሩ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ማሕበር ተጋሩ ኣፍሪካን ካልኦት መሰል ኣወዳድባታት ብምሕያልን ኣብ ገሊኡ ድማ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ብምምስራትን ብምጥንኻርን ኾነ ዘዝጥዕመና ካልኦት ኣወዳድባታት ብምፍጣር ቃልስናን ኣበርክቶናን ክሕይል፤ ስሩዕ ፣ ዝተናበበን ዝተዋዳደን ርክብን ሓበሬታናን ንምፍጣር ከምንረባረብ ቃል ንኣቱ።

7/ ሓፂናዊ ፖለቲካዊ ሓድነት ብምፍጣርን ኩሉ ዓይነት ድሕረታት ብምምካትን ነቲ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ማእኸል ጌሩ ንሃለዋትን ደሕንነትን ህዝብና ኣብ ሕቶ ዘውደቐ ኩሉ ዓይነት ፈተናታት ንምምካት ድልውነትና እንዳገለፅና፤ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለው ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ፣ ሎሚ ምችው ግዘን ኩነታትን ረኺብና ኢሎም ዝገብርዎ ዘለው ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ካብ ልቢ እንዳኾነና፤ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ልዕልነት ሕጊን ሕገ መንግስትን ከኽብሩን ክኽበር ክረባረቡን እንዳፀዋዕና፤ እዚ ከምዚ ዝበለ ዘይፍትሓውን ፀረ- ህዝቢ ተግባራት ደው ክሳብ ዝብል ኣብ ኣርባዕቲኡ ጫፍ ዓለም ድምፅና ከምነስምዕን ብፅኑዕ ከምንቃለስን ቃል ንኣቱ።

8/ ዲያስፖራ ትግራይ ኮነ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ፤ ምስ ኩሎም ውፁዓት ብ/ብ/ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብሓደ ብምስማር ቅድም ክብል ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነትን ኩሉ ዓይነት ተወፋይነትን ፣ ሐዚ’ውን እንተኾነ ምስ ኩሎም ውፅዓትን ህዳሰና ንምርግጋፅን ሃገርና ካብ ምብትታንን ምትህልላቕን ሓራ ንምውፃእ፣ ኣብ ደገን ውሽጢን ምስ ዝርከብ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንቃለስን ቅሩባት ምዃና ቃል ንኣቱ።

9/ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዝርከቡ ምሁራን ትግራይ ፣ ሰፊሕ ራኢን ኣንፈት ትግበራን ዘካተተ፤ ኣብ ግቡእ መፅናዕትን ምኽክርን መሰረት ጌሩ ኣብ ዝዳሎ ፍኖተ ካርታ (Grand roadmap) ኮነ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን መሰረት ጌሩ ኣብ ትግራይ ክህነፅ ዝሕሰብ ግዙፍን ምዕቡልን ቑጠባን ሕ/ሰብን ዕውት ክኸውን ንዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ እንዳናኣድና ፣ ንሕና ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ጎኖም ብምዃን ዝካኣለና ኣበርክቶ ከምነወፊ ቃል ንኣቱ።

10/ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣዝዮም ዘሕብኑን ዘኹርዑን ስራሕቲ ዓሚማ እያ፡፡ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ዝሰርሐቶ ስራሕ ኣዝዩ ዘኹርዕን ዘተባብዕን እዩ፡፡መቐፀልታ እዙይ ድማ ቐፀልቲ ስትራተጂያዊ ትልምታታ ዕላዊ ጌራ ፣ኣብ ከቢድ ምርብራብ ከምዘላ ተረዲኢና ኣለና፡፡ብመሰረት እዙይ ኩሉ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ንማሕበርና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብኹሉ ዓቕምና ክንድግፋ ቃል ንኣቱ፡፡

11/ ንሕና ሰገናት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዳያስፖራ ትግራይ፤ ዛጊድ ኣብ ትግራይ ዝተሰርሑ ኩለመዳይ ንጥፈታትን ዘጓነፉ ፈተናታትን ብድሆታትን ተረዲኢና ኣለና።ስለዝኾነ እውን ንኣወዳድባታትና ልዑል ጠመተ ብምሃብ ኣብዘለወን ብምጥንኻር ኣብዘይብለን ብምጥያሽ ክንንቀሳቐስ ወሲና ኣለና፡፡ ካብዚ ዝብገስ’ውን ምትእስሳራትናን ደገፋትናን ብምሕያልን ብምጥንኻርን ተሓባቢርና ክንሰርሕ ቃል እንዳኣተና ቃል ስውኣትናን ታሪኽ ኣያታትናን ብምሕላውን ብምትግባርን፤ ናይ ባዕልና ታሪኽን ኣበርክቶን ከምነሐይልን ኣካል ኩሉ ዓይነት ቃልሲን ቃልሲ ዲጂታል ወያነ ኰይና ከምንቃለስን፣ ኣምባደራት ህዝብና ኰይና ከምንወፍርን ደጊምና ቃል እንዳኣተና፣ ብፍላይ መናእሰይ ትግራይ ዘርእይዎ ዘለው መትከላዊ ሓድነትን መኸተን፣ ፅንዓትን ተወፋይነትን ካብ ልቢ ብምንኣድ፣ ንሕና መናእሰይ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ጎኖም ኮይና ከምንቃለስን ርክብናን ሓድነትናን ካብቲ ዝነበሮ የመና ክሕይልን ክጠናኸርን ዝካኣለና ኩሉ ከምንገብር ቃል ንኣቱ።

ሓድነት ዲያስፖራ ትግራይ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ሞጐስን ንሰማእታትና !
ተሳተፍቲ ካልኣይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ትግራይ
መቐለ 30 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons