ሓፂር ሓበሬታ ኢንቨስትመንት ንማሕበረሰብ ዲያስፖራ

ክልል ትግራይ ንዲያስፖራ /ተጋሩ/ ኣብዚ ክልል መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ እናተባብዐ መፂኡ እዩ፡፡ እዚ ድማ ገንዘብን ፍልጠትን ብምትሕልላፍ ዕብየትን ገንዘባዊ ዓቕሚ እዚ ክልል ክብ ክብልን ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ፡፡ ፖሊሲ ናይዛ ሃገር ኣብ ክልልናን ኣብ ኢትዮጵያን ስራሕቲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዲያስፖራ ንክውስኽ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፡፡

ዝኾነ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ኣባል ዲያስፖራ ብቀጥታ ባዕሉ ይኹን ምስ ካልኦት ኢንቨስተራት ውሽጢ ዓዲ ብምትሕብባር /ሽርክና/ ብዕሊ ኣብ ዝተመረፁ ወሰንቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ክሳተፍ ምልዕዓል ይግበረሉ እዩ

  • ኣብያተ ፅሕፈት ኢንቨስትመንት ፌደራልን ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ኩለ መዳያዊ ግልጋሎት ኣብ ሓደ ቦታ ክህቡ፣ ኣባላት ዲያስፖራ ዘምፅእዎም ፕሮፖዛላት ክድግፍዎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዝደልይዎ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ይተባብዑ
  • ናይ ልቓሕን መትሓጃን ግልጋሎት ካብ ዝነብሩሎም ሃገራት ክረኽቡ ዝኽእሉን ኣብ ውሽጢ ዓዶም ኣብ ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ዝደልዩን ኣባላት ዲያስፖራ ብመሰረት ሕጊ ናይዛ ሃገር ኣድላይ ደገፍ ካብ መንግስቲ ይግበረሎም
  • መዋፅኣይነቶም ዝተረጋገፀን ዘተኣማምኑን ፕሮጀክትታት ብምሕራይ መንግስቲ ክቀላጠፉን ክተባብዑን ይገብር፡፡ እዚ ድማ ዲያስፖራ ኣባላት ብውልቀ ይኹን ምስ ካልኦት ብሽርክና ክሳተፉን ኣብ ዝመረፅዎ ዘፈርን ቀዳምነት ዝወሃቦምን መዋእለ ንዋዮም ከዋፍሩን ስራሕቶም ክቀላጠፍን ይገብር
  • ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣባላት ዲያስፖራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ወፍሪ መዋእለ ንዋይ ሕጋዊ ዝኾነሉን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲታት /ምሸን/ ዝምዝገበሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ፡፡
  1. ብሉፃት ዕድላት ትግራይ
  • ፖለቲካውን ማሕበራውን ምርግጋእ፣ ንኢንቨስትመንት ሰላማዊ ከባቢ ምዃኑ ኣመራርሓ ንኢንቨስትመንት ቁርፀኝነትን ቀሊል ኣካይዳ /ከይዲ/ ምህላው
  • ህርኩትን ብቐሊሉ ክስልጥንን ስነ-ምግባሩ ዝሓለወ ህዝቢ ምህላው
  • ንማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዝኸውን መሬት ቅሩብ ምዃኑ
  • ሰሓባይን ዘተባብዕን ዋጋ ሊዝ መሬት ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዞን ምህላው
  • ንዲያስፖራ ኣባላት ዘለዎ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ
  • ናብ ወደብ ዘሎ ቅርበት

ወደብ

መብፅሒ ቦታ

ዘለዎ ርሕቐት ብኪሎ ሜትሮ

ታጁራ

መቐለ – ሰርዶ – ኣፍዴራ – ሽከት

 507 ኪሎ ሜትሮ

መቐለ – ኮምቦልቻ – ወልድያ

 940 ኪሎ ሜትሮ

ጅቡቲ

መቐለ – ሚለ -ጭፍራ – ኣልውሃ

837 ኪሎ ሜትሮ

መቐለ- ሰመራ -ያሎ – መኾኒ

708 ኪሎ ሜትሮ

መቐለ – ሰርዶ – ኣፍዴራ – ሽኸት

680 ኪሎ ሜትሮ

ሱዳን

መቐለ -ከሰላ – ገዳሪፍ – ሑመራ

1579 ኪሎ ሜትሮ

መቐለ – ከሰላ – ሑመራ- ሽረ

1339 ኪሎ ሜትሮ

ምፅዋዕ

መቐለ – ኣስመራ – ዓዲግራት

391 ኪሎ ሜትሮ

ዓሰብ

መቐለ – ኤሊዳር – ኮምቦልቻ

899 ኪሎ ሜትሮ

በርበራ

መቐለ – ኣዲስ ኣበባ

1736 ኪሎ ሜትሮ

 

ኣቕርቦት ፓርክታት ኢንዱስትሪ

ኣብቲ ክልል ናይ መንግስትን ውልቀን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘለዋ ኾይነን ናይ መንግስቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ስርሑ ዝጀመረ እንትኾን ባዕኸር /ሑመራ/ ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ኣብ ከይዲ ህንፀት ይርከብ፤ ኢራባ / ራያ/ ዝተዋደደ ፓርክ ኢንዱስትሪ ድማ ኣብ ከይዲ መፅናዕቲ ይርከብ ፡፡ እዞም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብቐዳምነት ኣብ ጨርቃ -ጨርቂ ፣ ምስፋይ ዓለባን ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ካልኦትን ዝነጥፉ እዮም፡፡ ናይ ውልቀ ፓርክታት ድማ ቬሎሲቲ ኣፓሪልን ደ.ቢ.ኤል ኢንዱስትሪ ፓርክን ይበሃሉ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ከባብታት /ዞባታት/ ኢንዱስትሪታት እውን ኣድለይቲ መሰረተ ልምዓት ዝተማልአሎም ተኸሊሎም ይርከቡ፡፡

  1. ምምላእ መሰረተ ልምዓት

ሽፋን መንገዲ ፡- ናይቲ ክልል ህንፀት መንገድታት ዕብየት ኣብ ዋና /ኣውራ/ መንገድታት ኣስፋልትን ፀፀርን ዝተተሓሓዘ እዩ፡፡

መጓዓዝያ ኣየር፡- ኣርባዕተ መዕርፎ ነፈርቲ ዘለዉ እንትኾኑ እዚኣቶም ድማ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ሽረን ሑመራን እዮም፡፡ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ መዝሓሊ ክፍሊ ዘለዎ ኾይኑ ንወፃኢ ዕዳጋ ሰደድ ዝግበሩ ብቐሊሉ ክበላሸዉ ዝኽእሉ ናይ ፅዕነት ኣቑሑት ዝፀንሐሉ እዩ

ደረቕ ወደብ፡- ግልጋሎት ደረቕ ወደብ ኣብ መቐለ ዩኒ -ሞዳልን ማልቲ- ሞዳልን ግልጋሎት እናተዋህበ ፀኒሑ እዩ፡፡ ግልጋሎት ክፍሊት ቀረፅ እውን ጎና ጎኒ ኣብ ጨንፈር መቐለ እናተዋህበ እዩ፡፡

መጓዓዝያ ባቡር፡- መቐለ -ኣዋሽ መንገዲ ባቡርን ኣብ ከይዲ ህንፀት ይርከብ፡፡ ነቲ ክልል ምስ ጅቡትን ኣዲስ ኣበባን መንገዲ ባቡር ዘራኽብ እዩ፡፡

ቴሌኮሚኒኬሽን፡- ግልጋሎት ስልኪ ኣብ መብዛሕተአን ክፋላት እቲ ክልል ዘባፅሕ እዩ ሙሉእ ዘይጉዱል እዩ ፡፡ /ዝተማልአ እዩ/ ፤ ቀጥታ መስመር ፋክስ ፣ ኢንተርኔት፣ ሞባይልን ሓዊሱ

ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡- መብዛሕተአን ማእኸል ከተማታት ኮላይ ኣናእሽተይ /ዕሸል/ ከተማታት ግልጋሎት መብራህቲ 24 ሰዓታት ይረኽባ እየን፡፡ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘን ኣሸጎዳን እውን ኣብቲ ክልል እዮም ዝርከቡ፡፡

ቀረብ ማይ፡- ቀንዲ ፍልፍል ፅሩይ መስተ ማይ ናይቲ ክልል ብዋናነት ኣብ ከርሰ ምድርን ልዕሊ ምድርን ዘለዉ ኮይኑ ካብ ዝተኳዕቱ ጎዳጉዲታትን ክሳብ 60 ሜትሮ ዝበፅሑ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲን ምድንፋዕ ፍልፍል ማያትን ብፍላይ ንከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ግና ካብ ዝተኳዕቱ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ እዩ፡፡ ንዓበይቲ ከተማታት ግና ካብ ግድባት እዩ፡፡

ገንዘባዊ ትካላት፡- ልዕሊ 400 ዝኾኑ ጨናፍር መንግስታውን ዘይመንግስታውን ባንክታት፣ ኣናእሽተይ ትካላት ፋይናንስን 7 ዝኾኑ ኢንሹራንስ ኩባንያታትን ኣብ ክልል ይርከቡ፡፡

ግልጋሎት ትምህርቲ፡- በመሰረት 2008 ዓ/ም ዝተኻየደ ቆፀራ ኣብ ትግራይ ክልል ከባቢ 2389 መንግስታውን ናይ ውልቀን ትካላት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ይርከቡ፡፡

ግልጋሎት ጥዕና፡- 38 መንግስታዊ ሆስፒታላት ካብዚኦም 1 ሪፈራል ፣ 15 ጠቕላላ ሆስፒታል 22 ቀዳማይ ደረጃ /መባእታዊ/ ሆስፒታላት ዘለዉ ኮይኖም 712 ኬላታት ጥዕናን 5 ናይ ውልቀ ጠቕላላ ሆስፒታላት፣ 57 ፍሉይ ትካል ሕክምናን 100 ዝኾኑ ድማ ማእኸላይ ክሊኒካት /ጣብያ ጥዕናታት/ ይርከቡ፡፡

  1. ብዲያስፖራ ኣባላት ዝግበር ከይዲ ኢንቨስትመንት
  • ፍቓድ ኢንቨስትመንት ብብርኪ ፌደራልን ክልልን እዩ ዝወሃብ

ብፌደራል ደረጃ ዝወሃብ ፍቓድ ኢንቨስትመንት 

  • ካብ ወፃኢ ብቐጥታ ዝመፅእ ኢንቨስትመንት
  • ምስ ናይ ወፃኢ ብሓባር ብምዃን ዝግበር ኢንቨስትመንት
  • ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኢንቨስተር ዝግበር ኢንቨስትመንት ካብ ፌደራል ናይ ንግዲ ፍቓድ ዝረኸበ

ብደረጃ ክልል ዝወሃብ ፍቓድ ኢንቨስትመንት

  • ኩሎም ኢንቨስተራት ብዘይካ ኣብ ፌደራል ዝተመዝገቡ ካብ ክልል ፍቓድ ኢንቨስትመንት ምውሳድ ይኽእሉ እዮም፤ እዚ ድማ ካብቲ ወረዳ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ወይ ድማ ካብቲ ዋና ከተማ ምርካብ ይካኣል፡፡

ካልኦት ከይዲ ስራሕቲ ንግዲ

  • ከይዲ ምዝገባ ቁፅሪ ቲን /TIN/
  • መመስረቲ ፅሑፍን ሕገ ደንቢ ማሕበራትን /ንሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀን ሽርክናን/
  • ከይድታት ምዝገባ ንግዲ፣ ስራሕቲ ንግድን፣ ፍቓድ ንግድን
  • ከይዲ ምዝገባ ተወሳኺ እሴት ታክስ / VAT/

 

  1. ሓሳባት ፕሮጀክት
  • ኣብ ክልልና ቀዳምነት ዝተዋህቦም ዘፈራት ኢንቨስትመንት ኣብ ታሕቲ ኣለዉ

       ቀለልቲ ማኑፋክቸሪንግ ኢንቨስትመንት

  1. ጨርቀመርቅን ስፌት ክዳውንትን

ጨርቀ መርቂ ምፍራይን፣ ስራሕቲ ስፌት፣ ብጣቓን ምስኡ ዝኸዱን

  1. ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን

ውፅኢት ቆርበት ዝኾኑ ከም ሳእኒ /ጫማ/ ፣ ጃኬት፣ ቦርሳ፣ ቀበቶን ኩዕሶን ምስ ውፅኢት ቆርበት ዝኸዱ ካልኦት ኣቑሑ ምፍራይ

  1. ናይ ምግብን መስተን ኢንዱስትሪ
  • ስጋን ውፅኢት ስጋን ምፍራይ
  • ኣሕምልትን ፍረ ምረን ምፍራይ
  • ፀባን ውፅኢት ፀባን ምፍራይ
  • መዓርን ውፅኢት መዓርን / ስምዕን/
  • ምፍራይ ዘይቲ ብልዒ
  • ምፍራይ ሽኮር
  • ምፍራይ ፓስታ ፣ ማኮሮኒን ተመሳሰልትን
  • ምፍራይ ልስሉስ መስተታት፣ ኣልኮላትን ወይንን
  1. ናይ እንፀይትን ወረቐትን ኢንዱስትሪ
  • ውፅኢት እንፀይትን ጣውላን ምፍራይ
  • ወረቐትን ውፅኢት ወረቐትን መአሽግን ከረጢት ምፍራይ
  1. ስራሕቲ ማእድን
  • ስራሕቲ ሓፂነ መፂን
  • ንኢንዱስትሪ ዝኾኑ ማእድናት ምፍራይ
  • ስራሕቲ እምነበረድን
  • ስራሕቲ ጅምስቶን /ጀሶን ካልኦትን/፣ ዝኸበሩ ማእድናት መልከዐኛ እምኒ ንገይፀ መይፂ ዝኸውን
  1. ሕርሻ
  • ዓመታዊ፣ ማእኸላይን ቀልጢፎም ዝባፅሑ ዘራእቲ ምዝራእ
  • ሃፍቲ እንስሳ ምፍራይን ስራሕቲ ክንክን ንህብን
  • ውሁድ ሕርሻ / ሃፍቲ እንስሳን ምህርቲ እኽልን/ ምፍራይ
  • ስራሕቲ ልምዓት ደኒ /ገረብ ምግራብን ክንክንን/
  1. ስራሕቲ ቱሪዝምን ማሕበራዊ ግልጋሎታትን
  • ደረጀኦም ዝሓለዉ ሆቴላት / መዕረፊ ኣጋይሽ/ ፣ መዘናግዕን ፣ ሬስቶራንትን
  • ትምህርትን ስልጠናን
  • ግልጋሎት ጥዕና ዝህባ ትካላት ምስራሕ
  1. ካልኦት መፍረይቲ /ማኑፋክቸሪንግ/ ፕሮጀክታት
  • መሰረታዊ ናይ ኣፋውስ ውፅኢታት
  • ምፍራይ እታዎታት መድሓኒትን ምድላው ኣፋውስን
  • ምፍራይ ኣፋውስን ስራሕቲ ቅመማን /ምቅማምን/

  ውፅኢታት ሸራን ፕላስቲክን ዘፍሪ ኢንዱስትሪ

  • ምፍራይ ሸራ፣ ፕላስቲክን ውፅኢት ፕላስቲክን

 ኢንዱስትሪ ሓፂን

  • ምፍራይ ሓፂነ መፂን ብረትን
  • ኣሉሚኒየም ፕሮፋይልን ምፍራይ ሓፂነ መፂን ዝኸውን ዝርጉሕ ላሜራ ሓፂን
  • ምፍራይ መኻይንን ምግጥጣምን
  • ንስራሕቲ ሕርሻ ዝኾኑ መሳርሕታት ህንፃን ማሽነሪታትን ምግጥጣምን
  • ንጨርቃ ጨርቅን ስፌትን ዝኾኑ ማሽነሪታት ምፍራይን ምግጥጣምን

   ኬሚካል ኢንዱስትሪ / ንቴክስታይል ዝኾኑ ኬሚካላት/

  • ምፍራይ ጥቕሉል ጨርቂ ቅድሚ ትሪትመንት /ምቕባእ/ ፣ ሕብሪ ምልካይን መሐተሚ /ንሕትመት ዝኾኑ ኬሚካላት ምፍራይን/

    ካልኦት ኬሚካላት

  • ምፍራይ ማዳበርያ / ናይ ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን/
  • ምፍራይ ቀለማት ፣ ቫርኒሽ ፣ ሳሙናን ናውቲ ፅርየትን /ዲተርጀንትስ/

   ኤሌክትሪክን ኤሌክትሮኒክስን ኢንዱስትሪ

  • ሶላር / ብፀሓይ ዝሰርሑ/ ፓነላት ምፍራይ
  • ምፍራይን ምግጥጣምን ሞባይላት፣ ኮምፒዩተራት፣ ፎቶ ኮፒ ማሽናት፣ ፍሪጅ፣ ቴሌቪዥን ፣ ስታብላይዘር
  • ምፍራይ ላዕለዋይን ታሕተዋይ ቮልቴጅ / ሓይሊ ተሸካሚ/ ኬብል /ገመዳት/ ሽቦታት ኦፕቲካል ኬብልን
  • ምፍራይ ናውቲ ኮሚኒኬሽን
  • ምፍራይ ጀነሬተራትን ትራንስፎርመራትን

     ብረት ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲ

  • ምፍራይ መስትያትን ውፅኢት መስትያትን
  • ምፍራይ ሴራሚክስን
  • ምቑራፅ፣ ቅርፂ ምውፃእን እምነበረድን ግራናይትን
  1. ፓኬጃት መተባብዒ ኢንቨስትመንት
  • ብመሰረት ሕግን ደንብታትን ኢንቨስትመንት ፓኬጃት መተባብዒ ኢንቨስትመንት ኣብ ኣቑሑት ካፒታል፣ ናውቲ ህንፃ፣ መኻይንን ናይ ግብሪ ምሕረትን /እፎይታን ተባሂሎም ይምደቡ፡፡

        ካብ ቀረፅ ናፃ

    ናይ ካፒታል ኣቑሑት

  • ኣብ መተባብዒ ኢንቨስትመንት ሕጊ ቁፅሪ 270 /2012 ዝተዘርዘሩ ዓይነታት ኢንቨስትመንት ፕሮጀክታት ዝተዋፈሩ ካብ ወፃኢ ንዘእትውዎም ኣቑሑት ቀረፅ ኣይኸፍሉን፡፡ እዚኦም ድማ
  • ማሽነሪን ካፒታልን መሳርሕታትን / ናውትን/
  • መፍረይቲ ማሽንን ግልጋሎት ዝህቡ ናውትን መለዋወጢ ኣቑሑትን
  • ናይ ላቦራቶሪ ኣቑሑትን ዎርክሾፕን መሳርሕታትን
  • ናይ ካፒታል ኣቑሑት ማሽነሪ ክራይ ብዘይ መኪና /ናይ ሕርሻን ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ክራይ/ ከምኡ እውን መለዋወጢ ኣቑሑትን

 ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል /ናውቲ ህንፃ/

  • ኣብ ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ዝተዘርዘሩ ውሽጢ ዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ንዘእትውዎም መሳርሕታት ህንፃ ካብ ቀረፅ ናፃ እዮም በቲ ዝቐርብ ዝርዝር ዋጋ መሰረት እንትፍቀድ

      መካይን

  • እዚኦም ከም ፒክኣፕ፣ ኣውቶቡስ፣ ሞተር ሳይክል፣ መከፋፈሊ መኪና፣ ናይ ፅዕነት ናይ እግሪ መኪና፣ ፍሉያት መካይን ፣ ናይ ደረቕን ፈሳስን መእለይ መካይን ወዘተ

      ካብ ኣታዊ ግበሪ ናፃ ምዃን

  • ኣብ ትሕቲ መተባብዒ ኢንቨስትመንት ዝግበረሎም ዘፈራት ኢንቨስትመንት ዝተዘርዘሩ ውሽጢ ዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ብመሰረት ሕጊ ቁፅሪ 270/ 2012 ካብ ኣታዊ ግብሪ ክፍሊት ካብ 2- 7 ዓመታት ኣይኸፍሉን፡፡

      ንኢንዱስትሪ ፓርክታት ዝግበሩ መተባብዕታት

      ፓርክ ኢንዱስትሪ ንዝሃንፁ

  • ውዕሊ ሊዝ መሬት ካብ 60 ክሳብ 80 ዓመታት ብመሰረት እቲ ከባቢ ናይቲ መሬት ናይ ምጥቃም መሰል
  • ፓርክ ኢንዱስትሪ ዝሃንፁ መሳርሕታት ህንፃን ናውትን ካብ ወፃኢ ንሰርሖም ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውትን መሳርሕታትን ፍሉይ ስምምዕነት ብምግባር ከእትዉ ይኽእሉ፡፡

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣትዮም ክሰርሑ ንዝደልዩ

  • ኣብቲ ውሽጢ ፓርክ ሸዳት ክካረዩ፣ ክገዝኡ ወይድማ ብዘሎ እዋናዊ ዋጋ ኩንትራት ወሲዶም ናይ ባዕሎም መፍረዪ ቦታ ክሃንፁ ይኽእሉ፡፡

ካብ ኣታዊ ግብሪ ናፃ ምዃን

  • ናይ ባዕሎም ፓርክ ንዝሃንፁ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ኣይኸፍሉን
  • ኣብ ዝተሰርሐ ፓርክ ንዝኣትዉ ክሳብ 10 ዓመት ኣይኸፍሉን
  • እንተነኣሰ 80 ሚኢታዊ ፍርያቶም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ሰደድ ንዝገብሩ ካብ 2 ክሳብ

   4 ዓመታት ብፍሉይ ካብ ኣታዊ ግብሪ ክፍሊት ናፃ ይኾኑ

  • ብዘይካ ሓውሲ ዝተወድኡ ውፅኢት ቆርበት ናብ ወፃኢ ሰደድ ዝግበሩ ውፅኢት ቆርበት ካብ ቀረፅ ናፃ እዮም፡፡ ካብቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ መተባብዕታት ብተወሳኺ ፍርያቶም 100% ናብ ወፃኢ ንዝሰዱ ኢንቨስተራት ካብ ወፃኢ ንዘእትውዎም መለዋወጥታን እታወታት ኣቑሑትን ካብ ቀረፅ 100% ናፃ እዮም፡፡
  • ክሳብ 85 ሚኢታዊ ናይቲ ፕሮጀክት ካፒታል ብልቓሕ ባንኪ
  • ናይ ኢንቨስትመንት ውሕስናን ከለላን ይግበረሎም
  • ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናይ ምውናን መሰል ይህልዎም
  • ካብ ወፃኢ ናብ ዓዶም ዝልእኽዎ ገንዘብ ውሕስና ይህልዎም
  • ብናይ ወፃኢ ሸርፊ ቁፅሪ ሒሳብ ክኸፍቱን ከንቀሳቕሱን መሰል ይህልዎም
  • ምምሕዳራውን ቴክኒካውን ደገፍን ምኽርን ይረኽቡ

    ናብ ወፃኢ ሰደድ ንዝገብሩ ዝወሃብ መተባብዒ

  • መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፍሉይ ታሪፍ ንፅዕነት ግልጋሎት ይገብረሎም
  • ካብ ቫት / VAT/ ግብሪ ናፃ እዮም
  • 60 ሚኢታዊ ፍርያቶም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንዝልእኹ ተወሳኺ 2 ዓመት ካብ ኣታዊ ግብሪ ክፍሊት ናፃ ይኾኑ
  • 100% ካብ ወፃኢ ንዘእትውዎም ጥረ ኣቑሑት ካብ ቀረፅ ናፃ እዮም
  1. ካልኦት መተባብዒ ፓኬጃት
  • ንዲያስፖራ ኣባላት ዝተገበረ ናይ ፍራንኮ -ቫሉታ ሓለፋ ዕድል
  • ብመሰረት ደንቢ ቁፅሪ 88/2003 ዓ/ም ፍራንኮ-ቫሉታ ብዋናነት ፍቓድ ምእታው ኣቑሑት ካብ ወፃኢ ዝገብር እንትኾን እዚ ድማ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምልውዋጥ ከይተገበረሎም ብመሰረት ጥቡቕ ኣካይዳ ክፍሊት ባንክታትን ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ተቆፃፃርነት ዝካየድ እዩ፡፡ ብካሊእ ኣገላልፃ ካብ ወፃኢ ዘእቱ ነጋዳይ ኤል ሲ ናይ ክረዲት ደብዳበ ከይከፈተ ብጥረ ገንዘብ ምስ መረዳእታ ወይ ቴሌክስ ትራንስፈር ብምጥቃም ኣቑሑት ከእቱ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ደንቢ እዚ ብኢትዮጵያውያን ኢንቨስተራት ንዝኣትዉ ወይ ድማ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ናይ ካሊእ ሃገር ዜግነት ዘለዎም ንኢንቨስትመንት ስራሕቲ ኢሎም ዘእትውዎም ኣቑሑት ካፒታልን ጥረ ኣቑሑትን ይሓውስ፡፡ ብመሰረት መምርሒ ምእታው ኣቑሑት ፍራንኮ-ቫሉታ በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ቀረፅን ጉምሩኽን ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣቑሑት ናብ ውሽጢ ዓዲ ከእትዉ ይፈቅድ እዩ፡፡
  • ነዚ ዕድል እዚ ንምጥቃም /ንምርካብ/ እቲ ዲያስፖራ ካብቲ ዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኤጀንሲ ዲያስፖራ ፌዴራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ደገፍ ደብዳበ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

               ዋንነት /ምውናን/ ዘይንቀሳቐሱ ንብረታት

  • ብመሰረት ሕጊ ፍትሃ ብሄር ዓንቀፅ 390 ክሳብ 393 ሓደ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተር ወይ ድማ ናይ ወፃኢ ዜጋ ከም ናይ ውሽጢ ዓዲ ኢንቨስተር ዝቑፀር ኢንቨስተር መንበሪ ገዛን ንኢንቨስትመንቱ ዘድልይዎ ካልኦት ዘይንቀሳቐሱ ንብረታት ናይ ምውናን መሰል ኣለዎ፡፡

                ውሕስና ኢንቨስትመንትን ከለላን

  • ሕገ- መንግስትን ሕጊ ኢንቨስትመንትን ሓለዋ ውልቀ ንብረት ይገብሩ እዮም፡፡
  • ዝኾነ ኢንቨስትመንት ዝውሰድ ወይ ዝህገር ንረብሓ ህዝቢ እንተዘይኮይኑ ኣይውሰድን /ኣይህገርን/ እዚ ድማ ሕጊ ብዝፈቕዶን ዝእዝዞን መሰረት እዩ፡፡
  • ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ዝውሰድ ወይ ዝህገር ኢንቨስትመንት እንተሃልዩ ድማ እኹል ዝኾነን ነቲ እዋናዊ ዕዳጋ ዝመጣጠንን ካሕሳ /መከሓሓሲ/ ኣቐዲምካ ብምኽፋል ይፍፀም፡፡
  • ኢትዮጵያ ከም ኣባል ኤጀንሲ ኩለ-መዳያዊ ውሕስና ኢንቨስትመንት ባንኪ ዓለም፣ ትካል ኣእምራዊ ንብረት፣ ዓለምለኸ ስምምዕነት ምፍታሕ ጎንፂ ኢንቨስትመንት ኣብ መንጎ ሃገራትን መንግስትን ክልቴኣዊ ስምምዕ ኢንቨስትመንት ፕሮሞሽንን ከለላን ምስ ሃገረ እንግሊዝ ስለዝተገበረ ኢንቨስተራት ኣብዛ ሃገር ንዝገብርዎ ኢንቨስትመንት ጥንኩር ዝኾነ ውሕስና ይወሃቦም እዩ፡፡

               ካብ ወፃኢ ንዝለኣኽ ገንዘብ /ፈንድ/

  • ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘቕምጥዎ ገንዘብ ብናይቲ እዋኑ ዘሎ ሸርፊ ወፃኢ ዝመጣጠን ገንዘብ ናይ ምርካብ /ምውሳድ/ መስል ኣለዎም፡፡ እዚ ድማ ትርፊ ክፍፍል፣ መኽሰብ፣ ዓይኒ ዋንኡን ወለዱን ናይ ወፃኢ ልቓሕ፣ ንቴክኖሎጂ ምትሕልላፍ ስምምዕነት፣ እቲ ትካል እንትፈርስ /እንትሽየጥ/ ፣ ዕጫታት /ብፅሒት ኣክስዮን/ እንትመሓላለፍ፣ ወይ ድማ ብኽፋል ዋንነት ናይ ሓደ ውሽጢ ዓዲ ኢንቨስተር ኢንተርፕራይዝ እንትውሰድ፣ ብናይ ወፃኢ ሸርፊ ዝኽፈሎም፡፡ ደቂ ወፃኢ ሰራሕተኛታት ገንዘብ ክልእኹ ይኽእሉ

           ምኽፋል ግብሪ

  • ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 979/2008 ዓንቀፅ 6 ግብሪ ዝኽፈሎም ኣታውት ካብ ዝተቖፀሩ ሰራሕተኛታት፣ ካብ ስራሕቲ ንግዲ፣ ውልቀ ምንቅስቓሳት፣ ምስ ፈጠራ ስራሕ ዝተሓሓዙ ምንቅስቓሳት ብደቂ ወፃኢ፣ ዝንቀሳቐስ ንብረት፣ ዘይንቀሳቐሱ ንብረታት፣ ትርፊ ክፍፍል ትካላት ውሽጢ ዓዲ እንትፍፀም፣ ትርፊ ክፍፍል ዝተመዝገቡ ኣባላት ሼር / ኣክስዮን/ ብመንግስታት ብሄራውን ክልላውን ዝኽፈሉ ወለዳትን ንፍቓድ ንግዲ ዝኽፈሉ ኩሎም ግብሪ ይእከበሎም እዩ፡፡
  • ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ማለት ብመሰረት ሕጊ፣ ደንብን ኣዋጅን ኩሎም ወፃኢታትን ተቐነስትን ምስተነከዩ ዝተርፍ መጠን ኣታዊ ማለት እዩ፡፡ ክልተ ዓይነት ግብርታት ኣለዉ ፡፡ ቀጥታን ተዘዋዋርን ተባሂሎም ይፍለጡ፡፡
  • ቀጥታ ግብሪ ዝባሃሉ ኣብ 5 ክፍልታት ይምደቡ፤ ውልቀ ኣታዊ ግብሪ፣ ካብ ክራይ ዝርከብ ግብሪ፣ ትርፊ ንግዲ ግብሪ፣ ዊዝ ሆልዲንግ ግብርን ካልኦትን፡፡
  • እቶም ቀንዲ ተዘዋዋሪ ግብሪ ዝበሃሉ ድማ ቫት /ተወሳኺ እሴት ታክስ/፣ ቀረፅ ግብሪ ድማ ኣብ ሰለስተ ይምደቡ ብመሰረት ውዳበኦምን ዓመታዊ ኣታዊኦምን፡፡ እዚኦም ድማ ደረጃ ሀ፣ ደረጃ ለን ደረጃ ሐን ይበሃሉ፡፡
  • ደረጃ ሀ ከፈልቲ ግብሪ ብሕብረት ሽርክናን ውልቀ ንግድን ዝተዋፈሩ ኮይኖም ዓመታዊ ኣታዊኦም ሓደ ሚልዮንን ልዕሊኡን ዝኾኑ እዮም፡፡
  • ደረጃ ለ ከፈልቲ ግብሪ ድማ ዓመታዊ ኣታዊኦም ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕን ልዕሊኡን ኮይኑ ትሕቲ ሓደ ሚልየን ዝኾኑ እዮም፡፡
  • ደረጃ ሐ ከፈልቲ ግብሪ ዝበሃሉ ዓመታዊ ኣቲዊኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኾነ እዮም፡፡ ኣከፋፍላ ግብሪ በብወርሑ፣ ኣብ ክልተ ወርሕን ኣብ ኣርባዕተ ወርሕን ብደረጃ ቅደም ሰዓብ ኣብ መወዳእታ በጀት ዓመት ይኸውን፡፡

              ብውልቀ ዝኽፈል ኣታዊ ግብሪ

                   ወርሓዊ ክፍሊት

ተ.ቁ

ካብ ብር

ክሳብ ብር

መጠን ግብሪ ብሚኢታዊ

ተቐናሲ ግብሪ

1

0

585

ኣይቑረፆን

የለን

2

586

1,650

10

58.5

3

1,651

3,145

15

141

4

3,146

5,195

20

298.25

5

5,196

7,758

25

558

6

7,759

10,833

30

945.9

7

ልዕሊ 10,833

 

35

1487.55

 

ካብ ንግዲ ዝርከብ ኣታዊ ግብሪ

ካብ ስራሕቲ ንግዲ ዝርከብ ኣታዊ ዝኽፈሎ ግብሪ መጠን 30 ሚኢታዊ እዩ፡፡ ካልኦት ናይ ውልቀ ንግዲ ከፈልቲ ግብሪ ዓመታዊ ኣታዊኦም ልዕሊ 7,200 ብር ዝኾነ ካብ 10 ሚኢታዊ ክሳብ 35 ሚኢታዊ እንትኾን ከምዝስዕብ ይግለፅ፡፡

                       ወርሓዊ ክፍሊት

ተ.ቁ

ካብ ብር

ክሳብ ብር

መጠን ግብሪ ብሚኢታዊ

ተቐናሲ ብብር

1

0

7,200

0 %

የለን

2

7,201

19,800

10 %

702

3

19,801

38,400

15 %

1,692

4

38,401

63,000

20 %

3,579

5

63,001

93,600

25 %

6,696

6

93,601

130,800

30 %

11,350.8

7

ልዕሊ 130,800

 

35 %

17,850.6

 

 

             ዊዝሆልዲንግ ታክስ /ግብሪ/

       ኣብ እዋን ክፍሊት ምፍፃም ዝቑረፅ ግብሪ ዊዝሆልዲንግ

  1. ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ትካላት፣ ኤጀንሲታት፣ ውልቀ ትካላት ንትርፊ ዘይተጣየሹ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝፍፅምዎም ክፍሊታት ዊዝሆልዲንግ ግብሪ ቆሪፆም ከትርፉ ግቡእ ኣለዎም
  2. እቲ ዝቑረፅ መጠን 2% / ክልተ ሚኢታዊ/ ናይቲ ጠቕላላ ክፍሊት ይኸውን
  3. እቲ ተቖሪፁ ዝተረፈ መጠን ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ናይቲ ዝተቖረፀሉ ወርሒ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም፡፡

ኣብ እዋን ምኽፋል ወርሓዊ መሃያ ካብ ሰራሕተኛታት ዝቑረፅ ኣታዊ ግብሪ

  1. ዝኾነ ቆፃሪ ቤት ዕዮ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝኸፍሎ ወርሓዊ መሃያ ግብሪ ቆሪፁ ከትርፍ ኣለዎ ክኸፍል ዘይግበኦ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ
  2. ናይቲ ቆፃሪ ቤት ዕዮ ግዴታ ካብ ካልኦት ግዴታታት ብቐዳምነት ካብቲ ሰራሕተኛ ግብሪ ቆሪፁ ከትርፍ ዘለዎ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ
  3. እቲ ቆፃሪ ቤት ዕዮ /ትካል/ እቲ ዝተቖረፀ ግብሪ ንበዓል መዚ እቶት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናይቲ ዝተቖረፀሉ ወርሒ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

              ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/

እዚ ዓይነት ግብሪ ንደረጃ ሀ ከፈልቲ ግብሪ ዝተወሰነ እዩ፡፡ ካልኦት ስራሕቲ ንግዲ ዘካይዱ እውን ብቐጥታ ቫት ተመዝገብቲ ክኾኑን ኣኪቦም ንመንግስቲ ኣታዊ ክገብሩን ይግበኦም ዓመታዊ ናይ መሸጣ ኣታዊኦም ብዘየገድስ፡፡ ካልኦት ነጋዶ ካብ ቫት ግብሪ ወፃኢ ዝኾኑ እውን ኣለዉ፤ ዓመታዊ ናይ መሸጣ ኣታዊኦም ሓደ ሚልዮንን ልዕሊኡን እንተኾነ ግብሪ ቫት 15 ሚኢታዊ ኮይኑ እቲ ዝተኣከበ መጠን ገንዘብ ናብ መንግስቲ እዩ ኣታዊ ዝኸውን ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ቀፃሊ ወርሒ ማለት እዩ፡፡

              ተርን ኦቨር ታክስ /ግብሪ/

ዓመታዊ መሸጣ ኣታዊኦም ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕን ልዕሊኡን ዝኾኑ ነጋዶ ኮይኑ ግና ካብ ሓደ ሚልዮን ብር ዝነኣሰ እንተኾይኑ ንተርን ኦቨር ታክስ /ግብሪ/ ክምዝገቡን ክኸፍሉን ግዴታ ኣለዎም፡፡ ካብ ቫት ወፃኢ ዝኾኑ ንግዲ ትካላት ካብ ተርን ኦቨር ታክስ እውን ይወፁ፡፡ መጠን ግብሪ ተርን ኦቨር ታክስ 2% / ክልተ ሚኢታዊ/ ኮይኑ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ዝግበር ናይቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብቲ ዝቕፅል ወርሒ ይኸውን ፡፡

                  ኤክሳይዝ ግብሪ

ኤክሳይዝ ግብሪ ኣብ ዝተወሰኑ ካብ ወፃኢ ንዝኣትዉ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝፈረዩ ኣቑሑት ብግዴታ ዝግበር ግብሪ እዩ፡፡ እዚ ግብሪ እዚ ኣብ ልዕሊ ንቅንጠት /ማቻ/ ዝፈርዩ ኣቑሑቱን ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ጉድኣት ዘብፅሑ ኣቑሑትን ማሕበራዊ ፀገም ከብፅሑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ኣቑሑት እዩ፡፡

መጠን ግብሪ ናይዞም ኣቑሑት ካብ 10 ሚኢታዊ ክሳብ 100 ሚኢታዊ ክበፅሕ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝኣትውሉ ቀረፅ ዝኽፈል ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈርዩ እንተዳኣኾይኖም ድማ ካብ ዝፈረዩሉ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ዘሎ ግዘ ይኽፈል፡፡

መተባብዒ ፓኬጃት ዝግበረሎም ንካፒታል ኣቑሑት፣ መሳርሕታት ህንፃ፣ መካይንን ካብ ግብሪ ናፃ ምግባርን ኮይኖም እዚ ድማ ብመሰረት ደንብን መምርሕን ኢንቨስትመንት ዝትግበር ይኸውን፡፡

ፍሰት ኢንቨስትመንት ዲያስፖራ ብዓመት /ካብ 1985 ክሳብ 2010 ዓ/ም ናይ 6 ኣዋርሕ 2011 ዓ/ም ሓዊሱ/

ዓመት ብኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ

 ቁፅሪ ፕሮጀክት

 

ዝተመዝገበ ካፒታል

     ስራሕ ዕድል

 

ብቀዋምነት

ብግዝያውነት

1985-1990 ዓ/ም

1

4,670,092

25

 

1991-1995 ዓ/ም

31

33,495,838

131

 

1996-2000 ዓ/ም

18

343,050,766

831

614

2001-2005 ዓ/ም

107

1,379,642,458

2,793

3,218

2006-2010 ዓ/ም

175

4,177,275,341

5,595

5,948

ቀዳማይ 6 ኣዋርሕ 2011 ዓ/ም

17

609,797,009

688

503

ድምር

321

6,547,931,504

10,063

10,283

           

 

ፍሰት ኢንቨስትመንት ዲያስፖራ ብሴክተራት /ካብ 1985 ዓ/ም ክሳብ 2011 ዓ/ም ቀዳማይ 6 ኣዋርሕ

 

ሴክተር

 

ቁፅሪ ፕሮጀክት

 

ዝተመዝገበ ካፒታል

ዕድል ስራሕ

ቁፅሪ ኣብ ስራሕ ዝኣትዉ

ብቀዋምነት

ብግዝያውነት

ሕርሻ

65

2,552,061,934

2,730

4,245

38

ማኑፋክቸሪንግ

78

1,783,915,813

3,519

2,717

8

ኮንስትራክሽን

67

478,168,569

440

384

12

ሆቴልን ቱሪዝምን

87

1,519,958,912

2,864

2,370

22

ማሕበራዊ ግልጋሎት

17

140,418,304

392

180

5

ማዕድን

7

73,407,972

118

387

5

ጠቕላላ ድምር

321

6,547,931,504

10,063

10,283

90

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons