“ዕድመ ድኽነት ብምንዋሕ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝህቅንን ዕንቕፋት ዝፈጥርን ሓይሊ ንድኽነት ካብ ዝሃብናዮ ሽም ዝተፈለየ ትርጉም ክንህቦ ኣይንኽእልን ተባሂሉ።”

2ይ ዙር ዓልም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተመዝቡ ብሉፃት ዓወታትን ካብዚ ንላዕሊ ብዝበለፀ ከይስጉ ሓሊኾም ዝሓዝዎ ብድሆታትን ከም መንቀሊ መላዘቢ ሓሳብ ወሲዱ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ክልልናን ካልኦት ውሽጣዊ ዓቕሚ ክልልና ዘጉልብቱ ዛዕባታ ክላዘብ ከምዝወዓለ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ሎሚ ኣማስየን ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፀን።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ውዕሎ ተሳተፍቲ ካልኣይ ዙር ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣመልኪተን ኣማስየን ንሚድያታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ ትማሊ ብመርኢት ዓውደ ሪኢን ካልኦት ነቲ በዓል ዘድምቑ ንጥፈታት ብምስላጥ ዕላዊ ዝኾነ ካልኣይ ዙር ዓልም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ሎሚ እውን ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ክልልና፣ ዕድላት ምስፋሕ ኢንቨስትመንት ኣብ ትግራይ ፣መበገሲ ሓሳብ ስትራቴጂ ዲያስፖራ ትግራይ፣ ግደ ዲያስፖራ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጅ፣ ህንፀት ዓቕሚን ኩለመዳይ ዕብየትን ካልኦት ውሽጣዊ ዛዕባታትን ትግራይን ትኹረት ዝገበሩ መበገሲ ፅንዓታዊ ፁሕፋት ቐርቦም ተሳተፍቲ ኣብቶም ዝተነፀሩ ዛዕባትት መብሪሂ ዘድልዮምን ቐፃሊ ክግበር ዝግበኦም ገዛ ዕዮን ብምንፃር ፤ ሕቶን ርኢቶን ኣልዒሎም ብምልዛብ ኣብቶም ዝተልዓሉ ዋኒናት ድማ ርትዓዊ መብርሂን ኣንፈትን ብምንባር ትግራይ ንቅድሚት ኣብ ዝወስዱ ናይ ሓሳብ ሃድዳት ምርድዳእ ብምፃሕ እቲ ዋዕላ ሲምፖዝየም ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፀን።

ወ/ሮ ሊያ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ክሳብ ሕዚ ካብ ፋሽሽታዊ ደርጊ ቀፂሉ ብዕሊ ዝተነፀረ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ድኽነት እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተዳዕንኑዎ ዘሎ ድኽነት ከም መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ሚሕውካ ንምቕባር ኣብ እንሸባሸበሉ እዋን ዕድመ ድኽነት ብምንዋሕ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዕንቅፋት ዝፈጥርን ዝህቅንን ሓይሊ ግና ንድኽነት ካብ ዝሃብናዮ ሽም ዝተፈለየ ትርጉም ክንህቦ ኣይንኽእልን ኢለን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሓፂር እዋን ንደሓር ዘጋጥም ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ንህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ክፀልዎ ከምዝኽእ ብስፍሓ ተዘሪብሉን መፍትሒ ኣንፈት እውን ተነብርሉ እዩ ኢለን ወ/ሮ ሊያ ።
ሐዚ እውን ይብላ ወ/ሮ ሊያ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ሓድነቱ ክዋገ ከምዘይብሉ ልዕሊ ኹሉ ድማ ካብ ድኽነት ንኽናገፍ ተወዲቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑሉ እዩ ኢለን ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 25 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons