ኣካቢት መዳለዊት ዓብዩ ኮሚቴ 2ይ ዙር ዓለም ለኸ ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይን ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ሓፈሻዊ ፅንብል፣ ዕላማ፣ ስነ ስርዓት፣ምዝገባን ኣቀባቢላን ተሳተፍቲ 2ይ ዙር ፌስትቫል ዲያስፖራ ትግራይ ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን፡፡
ብመሰረት እዚ ካብ 23-24 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኩሎም ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ዝመፁ ዲያስፖራ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ኣብዘን ተነፂረን ዘለዋ ቦታታት ብምኻድ ንኽምዝገቡ ሓቢረንተ፡፡ ዝተሓረዩ መመዝገቢ ቦታታት
1. መቐለ ኣሉላ ዓለም ለኸ ኤር ፖርት
2. ሆቴል ፕላኔት
3. ሆቴል ኣኽሱም
4. ሆቴል ደስታ
5. ሆቴል ኖብል ሃውስ
6. ሆቴል ዘማርያስ
7. ሆቴል ሃፀይ ዮሃንስ
ንምዝገባ ዘድልዩ ነገራት ፖስፖርትን ናይ ዝነብሩ ሃገር መለለይ መታወቂያን ሒዞም ብምኻድ በዝሕ ስድራን ካበይ ሃገር ከምዝመፁ ብዕሊ ክምዝገቡ ከምዘለዎም ተገሊፁ 
ንህዝብን ምምሕዳር ከተማ መቐለ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ብርክት ዝበሉ ዋዕላታት ይሳለጡ ከምዘለው ብምሕባር ነዞም ዋዕላታትን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ኣከላትን ድሕንነት ብምሕላው ዝተለመደ ኣባሳደር ህዝቢ ትግራይ ኮይንካ ናይ ምስራሕ ልምዲ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅልሉ ወ/ሮ ሊያ ፃዊዒት ኣቕርበን፡፡
በሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡23 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons