ማህፀን ትግራይ ብልምዓት ንምድባስ ንተኸታተሊ ክልተ ሰንበት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ዝፀነሐ #ትግራይ ንደቃ ደቃ ንትግራይ ; መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ልዕሊ 665 ሚልዮን ብር ንምእካብ ቃል ብምእታው ትማሊ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣኽሱም ብዓወት ተኸቢቱ

ሰብሳቢ ምድላው ኮሚቴ ምትእኽኻብ እቶት ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ ኣብቲ መዕፀዊ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ #ህዝቢ ትግራይ ንሕሉፋት ሓያሎ ዓመታት ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ነቲ ሎሚ በፂሕናዮ ዘለና ጥንኩር ሓድነት ኣረጋጊፁ መፃኢ ብርህትን ተሰፋ ዝዓሰላን ትግራይ ንኽት ፈጠር ልዑል ባህጊ ሰለዝነበሮ እዩ ‘ሞ ክትሕበን ይግባእ መስዋእቲ ደቅኻ ‘ውን ኮንቱ ኣይተረፈን ሐዚ ‘ውን ከም ትማሊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ማይን ፀባን ኾይና ኢድ ንኢድ ተታሕዝና ትግራይና ኣብነት ሰላም ጥራሕ እንተይኮነትስ ተምሳሌት ልምዓትን ምዕባለን ክንገብራ ከምኣያታትና ቆርፂና ተላዒልና ኢና ብምበል መርገፂ መልእኽቲ እቲ መዳለዊ ኮሚቴ ኣሕልፎም፡፡

ኣይተ ኣሸናፊ ንመንእሰይ ትግራይ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ ኣታ ዕርዲ ሰላምን ማእገር ህዝቢ ትግራይ ዝኾንካ መንእሰይ ትግራይ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሕድሪ ኣያታትካ ከየዕበርካ ኣሰሮም ብምኽታል መፃኢት ብልፅግቲ፣ ተባሂጊትን ልምዕትን ትግራይና ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ዘሎ ግጥም ካብዚን ካፍተይን ዝውንጨፉ ዘለው ሽርሕታት ኣብ ምኽሻፊ ከም ቖቓሕ ነቕሕኹም ፀረ ድኽነት ኣብ ምሕያል እንገብሮም ወፍሪታት ኣብ ጎኒና ኮይንኩም እትገብርዎም ዘለኹም ሓዝ ኽሕዝ ግጥማት ክብርን ምስጋናን ይግበአኩም እዩ እሞ ክበሩ፣ ንበሩ፣ ሕበሩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ትግራይ እቲ ቃል ተኣትዩ ዘሎ ልዕሊ 665 ሚልዮን ብር መሰረት ዝገበረ ሰእነት ስራሕ መንእሰይና ብቐፃሊ ዝቐርፉ ዓበይቲ ፕሮጀክት ብምቕራፅን ናብ ተግባር ዝሽረፈሉ ስርዓትን ክትትልን ንምግባር ሙሉእ ሓላፍነት ሰለ ዝሃበና እዚ ሓለፍነት ናብ መሬት ንምውረድ ኣገዳሲ መስዋእቲ ከምዝገብሩ እውን ኣይተ ኣሸናፊ ብሽም እቲ መዳለዊ ኮሚቴ ቃል ኣትዮም፡፡

ኣይተ ኣሽናፊ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት፣ ሃገራት፣ ክፍለ ሃገራትን ክፋለት ሕብረተሰብን ብውልቀን ትካልን ንዕብየት ትግራይና ኣበርክቶ ገይሮም ብሰንኺ ሕፅረት ግዘ ብመስኮት ማዕኸናት ቴሌቭዥን ሽሞም ንዘይተፀርሑ ግዱስት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ይቕርታ ብምሕታት ዝርዝር እዚ ትሕዝቶን ሙሉእ ሽም እቶም ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣካላት ኣብ ድሕረ ገፃትን ኦን ላይን ሚድያን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ከም ዝዝርጋሕ ሓቢሮም ኣለው፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ቃል ተኣትዩ ዘሎ መጠን ገንዘብ ተጠርንፉ ብእዋኑ ኣብ መዓልኡ ንኽውዕ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብዚን ተነፂረን ዘለዋ ባንክታትን ሕሳብ ቑፅሪን ብምኽድ ኩሉ ብውልቀ ይኹን ብትካል ዝተኣተወ ገንዘብ ኣታዊ ብምግበር ሕጋዊ መረጋገፂ ደረሰኝ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ንኽወስዱ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ መዕፀዊ መድረኽ ብብርኪ ም/ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብራሃም ተኸስተን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዝነትን ተረኺቦም እዮም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡22 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons