ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብብርኪ ክልል 80 ሚልዮን ፈልስታት ኣብዚ ክረምቲ ከም ዝትከሉ ተገሊፁ።

ከም ክልል ኮነ ከም ሃገር ብምኽንያት ኢሊኖ እናጋጠመ ዘሎ ተለዋዋጣይ ፀባይ ኣየርን ሕፅረት ዝናብን ንምክልኻል ኩሉ ዜጋ ፈልሲ ካብ ምትካል ጀሚሩ ናብ ኣግራብ ክሳብ ዝዓብዩ ሓብሒቡ ከዕብዮም ከም ዝግባእ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዳይሮክቶር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ሙሩፅ ገሊፆም፡፡

እዚ ተኸላ ፈልሲ ብክላስተር፣ ብማሕበር ከምኡዉን ብዉልቀን ከም ዝሳለጥ ዝሓበሩ ኣይተ ሚኪኤለ ሂወት ደቂ ሰባት ብቀጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ ተኽልታት ዝተኣሳሰረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ኩሉ ዜጋ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ከይኮነስ ንምዕባይ እውን ምክንኻን ክገብር ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከም ክልልን ሃገርን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ 22 ሓምለ 2011 ዓ.ም ዝሳለጥ እንትኸዉን ብፍላይ ኣብ ትግራይ 80 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ልዕሊ 60ሽሕ ሄክታር መሬት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከብን ዛጊድ ብዝተሳለጠ ተኸላ 20 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ኣረዲኦም፡፡

እዚይ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ክልል ካብ ዝተተኸሉ 98 ሚልዮን ፈልስታት 73 ሚኢታዊ ከም ዝፀደቐ ዝሓበሩ ኣይተ ሚኪኤለ ብኣጠቓላሊ ትግራይ ተሳልጦም ዘላ ተደጋገምቲ ማይን ሓመድን ዕቀባን ተኸላ ፈልስን ሽፋን ደኒ እቲ ክልል ካብ ዝነበሮ 3 ሚኢታዊ ናብ 18 ሚኢታዊ ክብ ከም ዝበለ ኣገንዚቦም፡፡

ብምኽንያት ኢሊኖ ዘጋጥም ዘይምዕሩይን ተለዋዋጣይን ዝናብ ንምክልካል ሓረስታይ እታ ዝነጠበት ማይ ናብ ሕርሻ ቦትኡ ብምእታዉ ጠሊ ዓቀብቲ ተግባራት ክሰርሕ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዚ ወፈሪ ተኸላ ፈልሲ ቅድም ክብል ዝተጀመረ ወፍሪ መለስ ንሓምለዋይ ልምዓት ብዝብል ዝሳለጥ ኮይኑ ኣብ መፋስሳት መለስ ሓዊሱ ንፈልሲ ተኸላ ኣብ ዝተዳለዉ ቦታታት ከም ዝሳለጥ ኣረዲኦም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 
መቐለ፡19 ሓምለ 2011 ዓ/ም

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons