ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
ፅምብል ምሁራን ትግራይና – ዋሕስ ምዕባለና!!

“ትግራይና ናበይ ? – ኣብ ትግራይና፣ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ኢኮኖሚን ማሕበረ ሰብን ምህናፅ” (“Quo vadiS Tigray፡ building , knowledge-based economy and society in tigray” ) ብዝብል መሪሕ ቃል፣ 2ይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ፣ ካብ ሓምለ 21/11/2011 ዓ/ም ክሳብ 1 ነሓሰ 2011 ዓ.ም፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ፣ ብገዚፍ ስምረት ብሄራዊ ፅምብል ተሰንዩ ክቃናዕዩ። ኣብዚ ዓብይ መድረኽ፣ ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ዘለው፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ላዕለዎት ምሁራን፣ ተመራመርትን ሊቃውንትን ትግራይ ከምዝሳተፉ ዝለዓለ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለዎ ልዕሊ 2 ሽሕ ምሁራን ትግራይ፣ ብናይ ባዕሎም ድሌትን ተበግሶን ተወዲቦም ዝመርሖም ቦርድ መሪፆም፣ ብዝተተለመ ኣገባብን ሙሉእ ሙያዊ ናፅነትን ብዝወነነ ኣገባብ፣ ብቐፃልነት እናተራኸቡ ንትግራይና እንታይ እንተሓገዝና ይሓይሽ? ብምባል ኣብ ትግራይና ዘሎ ሓጓፋት ንምዕባስ ዓቢዪ ህዝባዊ ሓላፍነት ወሲዶም ብርክት ዝበሉ ምሁራዊ መፅናዕቲ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ። ምሁራንና፣ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ ዝዓበየ ማሕበራውን ቁጠባውን ብራኸ ክትሰጋገር ዝሕግዙ፣ ብመፅናዕትን ምርምር ዝተደገፉ ሓደሽቲ ሓሳባት ከምፅኡ ኣብ ዝኽእሉ 13 ዘፈራት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ልምዓት ትኹረት ብምግባር ዝናኣድ ምንቅስቓስ ዓሚሞም ኣለው።

ምሁራን ትግራይ፣ ናይ ህዝብናን መንግስትናን ናይ ፋይናንስ ፀገማት፣ ናትና ፀገም እዩ ኢሎም ፍልጠቶም ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣፍሲሶም፣ ዛጊድ ካብ ዘፅንዕዎም መፅናዕቲታት ሓደ፣ ኣወዳድባ ምሕደራ ወረዳታት ትግራይ ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፡ እዚ መፅናዕቲ በብረጅኡ ዘሎ ማሓውርን ህዝብን ምስተመያየጠሉ ናብ ተግባር እንትሽረፍ፣ ህዝብና ንዓመታት ዘልዕሎ ዝነበረ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሕቶ ምላሽ ከም ዝህብ ኣየጠራጥርን፡፡

ኣብዚ ዘለናሉ ዝተሓላለኸን፣ ኣዝዩ ፈታኒ መድረኽ’ውን፣ ፅፁይ ሳይንሳውን ስትራቴጂካዊን፣ ብዝኾነ ኣገባብ ዝምራሕ ከይዲ ለውጢን ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅእን፣ ትልሚ ዴሞክራታይዘሽንን ትራንስፎርሜሽን ክልልና ዝሓዞም መደባት ሽቶኦም ክወቕዑ ዘኽእል፣ ከምኡ እውን ኣብ 2012 ዓ.ም ዝዛዘም 2ይ፣ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ክልልና ብምግምጋም፣ ትግራይና ኣብ 2017 ዓ.ም ብድሕሪኡን ኣበይ ከምትበፅሑ ዘምልከት፣ ፍነተ ካርታ (ሮድማፕ) ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ ኣደጊፉ፣ ዓርሞሸሽ ሳይንሳዊ ውዳበ ምሁራን ትግራይ ከምዘቕርብ ኣየጠራጥርን፡፡

ምሁራን ትግራይ፣ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ብቀንዱ ድማ ድሕሪ ብዕምቀት ምህዳስ 2010 ዓ.ም፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለምና ኣምባሳደራት ትግራይና ኮይንኹም፣ ብሓደ ኢድኩም ዘላቂ ፍታሕ ዘምፅኡ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ብምክያድን ንህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ናይ ናውትን ገንዘብን ሓገዝ ብምግባርን ፤በቲ ሓደ ኢድኩም ድማ ሓይልታት ትምክሕቲ ዝመርሑዎን፣ ዘሳወርዎን፣ ፀረ ህዝቢ ሽርሕታትን መናውራታትን መኪትኩም ኢኹም፣ በዚ ኸዓ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣገንዕ እንትብል ዝለዓለ ፍናንን ሓበንን ይስመዖም፡፡

ሎሚ ይኹን ፅባሕ መንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ፣ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ክሕሎ፣ ሰናይ ምምሕዳርን፣ ክነግስ፣ ስሉጥ ምዕባለ ክምዝገብ፣ እንተድኣ ኮይኑ፣ ሓድነትና ኣሐይልና፣ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ብእነካይዶ ምሕረት ዘይብሉ ቃልሲ’ጥራሕ እዩ። ፍልፍል ኩሎም ፀገማት፣ ስግኣትናን ተቓላዕነትና፣ ሓይልታት ትምክሕቲ ንዘመናት ኣብ ዕንግዳዓና ክዕንድር ዝገበርዎ፣ ድኽነት ከምዝኾነ ብምእማን፣ እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ቦርቒቓ ንምድርባይ ዝከኣል ድማ ካብ ህዝባዊ መስመርን ነቕ ከይበለ ኣብ ኩሎም ስራሕቲ ዝነጥፍ ዘሎን፣ ብዘይዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ዝመርሕ ምስ ዘሎ መንግስትና ጎኒ ተሰለፉ ዝዓቕሙ ዝገብር ዘሎ ህዝብና፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትና፣ ሕጋዊ ነጋዶናን ምሁራንና ጥሙር ቃልሲ ጥራሕ እዩ፡፡ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ስምብራት ዘዕርፍ ውቅዒት ብምዕራፍ፣ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ካብ ደገን ውሽጢ ዓድን ዝኣኻኸቦም ፀረ-ህዝብን ፀረ ልምዓትን ሓይልታት ብህዝባዊ መስመርና የሻል ኣቢልና ናብ ዝዓበየ ለውጥን ምዕባለን ከምእንሰጋገር፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት’ውን ኣይጠራጠርን። ስለዚ ብዝኾነ መዐቀኒ ዘይትመን ግዘኹም፣ ፍልጠትኩምን ሙሉእ ዓOምኹምን፣ ለይትን ቀትርን፣ ንትግራይ ኣብ ምውፋይ ትርከቡ ምሁራት ትግራይ ዓቢዪ ክብርን ሞሳን ይግበኣኩ’ዩ። ከም ኣሓትኩምን፣ ኣሕዋትኩምን፣ ወለድኹምን፣ ትግራይና ሓርነታ ሓሊዩ፣ ጥንታዊ ክብርታቱ፣ ዓቂቡ ዘውረሰና ወረጃ ህዝቢ ብኩሉ መዳይ ዉፍይነትኩም ከምእተሕብንዎ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብሙሉእነት ይተኣማማኑ እዮም፡፡

ከም ዝፍለጥ ዋርድያ ድኽነት ዝነበረ ስርዓት ደርግ ብዳግማይ ወያነ ትግራይ ሓመደ ድበ ዝተኻደነን፣ እቲ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ንህዝቢ ብዝወገነ ወያናይ ምሁር ትግራይ ስለ ዝተመርሐን እዩ፡፡ ብምዃኑ ተወዲቡ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ምሁር ትግራይ እውን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ፣ ብፍላይ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ፅንዓት፣ ምርምርን መሪሕ ተርኡ ብምፅዋት ድኽነት ንምውጋድ ክረባረብ ይግበእ፡፡

ብሓፂሩ ምሁራን ትግራይ፣ ጀሚርክምዎ ዘለኹም ቓልሲ ኣብ መወዳእታ ክበፅሕ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክዕምብብ፣ ማዕርነት ፍትሓውን ተጠቃምነት ህዝቢ ክረጋገፅ፣ ብስነ ፍልጠት ዝተቓነየ፣ ብምኽንያት ዝተሃነፀ ትውልዲ ብምህናፅ ኣብ ከይዲ ምዕባለ ዝለዓለ ዝላ ሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምእንተ ክከኣልን፣ ከምቲ 14 ሓምለ 2011 ዓ.ም ፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ሕጋዊ ነጋዶ ትግራይና፣ ፀላእን ፈታዊን ዘስደመመ፣ ተኣምር ዝሰርሕዎ፣ ንስካትኩም እውን ብምሁራዊ ዓቕምኩም ከም እትደግምዎ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይጠራጠሩን፡፡ 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ዝጅመር፣ 2ይ ዋዕላ ዲያስፖራ ትግራይ ድማ፣ መበል 3ይ መስተንክራዊ ብስራት ክንሰምዕ፣ እጃምኩም፣ ከምእተወፍዩ ትፅቢት ይገብር፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ሰለስቲኦም ሓይልታት ልምዓትና ማለት መንግስትና፣ ህዝብና፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትናን ሕጋዊ ነጋዶናን ዝፈጥርዎ ጥሙር ዓቕሚ፣ 2ይ ዓለም ለኸ ፅምብል ምሁራን ትግራይና ተደማሪ ዋሕስ ልምዓት ኮይኑ፣ ዕርዲ ድኽነት ኣብ ዝሕፀረ እዋን ደዃዕዃዕ ኢሉ ከምዝፈርስ ንተኣማመን። እቲ ኮንፈረንስ ዕውት ክኸውን ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ሰናይ ትምኒቱ እናገለፀ፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ኩሎም መንግስታዊን፣ ዘይመንግስታዊን ኣካላትን ናይ ስቪክ ማሕበራትን፣ እቲ ዋዕላ ብዓወት ንክዛዘም እጃሙ ከወፊ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒቱ ብክብሪ የቕርብ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ :19 ሓምለ 2011 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons