2ይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ኣብ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ ።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ፤ኣብቲ 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኩሉ ሕብረተሰብ ንክሳተፍ ዕድል ስለዘይረኸበን ክነወፍይ ኢና ዝብል ድፍኢት ካብ ኩለን ወረዳታን ዞባታትን ክልልና ብምምፅኡ መቐፀልታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ መድረኽ ምትእክካብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይኣብ ዝቕፅል ሰንበት 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣክሱም ንኽካየድ ከም ዝተወሰነ ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዝተገበረ ወፈያ ብሕፅረት ግዜ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ ንኩሉ ሕብረተሰብ ሰለዘይተነገረ ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ከምዝኾን እውን ወ/ሮ ሊያ ኣብሪሀን።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 18 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons