ዳግመ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ካብ ወፃኢ ሃገር ብዝተወሰደ ተሞክሮ መሰረት ብምግባር ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ይፅናዕ ከምዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ፥ እቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ መሰረት ብምግባር ምሁራት ተጋሩ መፅናዕቲ ኣብ ዘቕረብሉ መድረኽ ኢዩ።

እቲ ዝቐረበ መፅናዕቲ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ተኻይድሉ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝበልዎ፥ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እቲ መፅናዕቲ እናተኻየደ ፀኒሑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ እቲ መፅናዕቲ ካብ ወፃኢ ሃገር ተሞክሮ ብምውሳድ ንህዝቢ ዝጠቅም መፅናዕቲ ተኻይዱ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፥ ወረዳታት ትግራይ ሃፍተገነተንን በዝሒ ህዝበንን ተሓሳቢ ብምግባር ልዕሊ ተወሰኽቲ 17 ወረዳታት ክፈጥራ ዝኽእላ ከባቢታት ኣለዋ።

እቶም ምሁራት ተጋሩ ካብ ቬትናም ብዝተረኸበ ተሞክሮ ነቲ መፅናዕቲ ከምዘካየድዎ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መፅናዕትን ሽም እተን ወረዳታት ዝኾና ከባቢታትን ምስ ህዝቢ ተዘትዮሉ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ምስ ኣፅደቖ ተግባራዊ ክኸውን እዮ ድማ ኢሎም።

መቐለ፡ 18 ሓመለ፣ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons