ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ ዘሳልጥዎ መድረኽ ቴሌቶን ትግራይ ሰምበት 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ኢዩ::

16 ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ክሳለጥ ተወጢኑ ብምኽንያት መስዋእቲ ጀጋኑ ተጋሩ ጀነራላት ተናዊሑ ዝፀንሐ ቴሌቶን ምትእኽኻብ እቶት ትግራይ 14 ሓምለ 2011 ኣብ ከተማ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ብዝልዓለ ድምቀት ክካየድ እዩ፡፡

ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ ኣብቲ ታሪኻዊ መድረኽ ተረኺቦም ነቲ ምትእኽኻብ እቶት ፍሉይ ድምቀት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡

ንፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ስዒቡ ብነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ትግራይ ተበግሶ ዝተገበረሉ 14 ሓምለ 2011 ዝካየድ መድረኽ ምትእኸካብ እቶት ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሚዲያ ትግራይ ቀጥታ ፈነወ ከምዝቐርብ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ መድረኽ ዕውት ንኽኸውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፋ ግዱሳት ተጋሩን ሚድያታት ትግራይን ካብ በሐዚኡ ኣገዳሲ ስራሕቲ ምቅላሕ ንኽሰርሑ ፃውዒት ቀርቡ ኣሎ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ፡10 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons