ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ምሁራን ተጋሩ ንምዕባለ ትግራይ ይገብሩዎ ዘለዉ ኩለመደያዊ ምንቅስቓስ ንኢዶም፡፡

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ምስ ፍሉይ ሕታም መፅሄት ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ፤ብሳይንሳዊ መፅናዕትን ምርምርን ምሁራን ዝተሰነየ ቃልሲ፣ ልምዓትን ሓፈሻዊ ጉዕዞ ህዳሰን እንተሃልዩ፤ ካብ ድኽነት እንወፀሉ እዋን ነዊሕ ኣይኸውንን ኢሎም፡፡

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ምሁር ትግራዋይ ክውደብ ምግባር ናይ ባዕሎም ኣመራርሓን ቦርድን መሪፆም ብናይ ባዕሎም ኣካይዳታት ብቐፃልነት እናተራከቡ ኣብ ትግራይ ዝበለፀ እንታይ ተሓገዝና ይሓይሽ ብምባል ነቲ ንሕና ክፅናዕ ኣለዎ ኢልና ዝሓተትናዮን ብናይ ባዕሎም ተበግሶነን መፅናዕትታት እናካየዱ መፍትሒ ፀገምን ሓደሽትን ሓሳባት ኣብ ምምፃእ ዝነኣድ ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ከም መብርሂ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፤ ኣብዚ ዓመት ንሕና ዝሓተትናዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሳቶም እውን እቲ ድሌት ስለዝተረድኦም ይጠቕሙ እዮም ዝበልዎም ሓሳባት ብምምፃእ ስራሕቲ መፅናዕቲ ብዝተጠናኸረ መልክዑ እናቀፀለ እዩ ካብቲ ጀሚሮምዎ ዝነበሩ ንላዕሊ መፅናዕትታት ኣለዉ፡፡ ኣብዚ መድረኽ ትፅቢት እንገብሮ እውን ንሱ እዩ፡፡ ክሳብ ሐዚ ዘፅንዑዎ እንታይ እዩ? ብፈላይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ዘፅንዕዎ ናብ ተግባር ዝኣተዉ ኣለዉ ሐዚ ግን ብሓባር ኮይኖም ይሰርሑ ስለዘለዉ ናብ ተግባር ዝመርሕ፣ ፈታሒ ፀገም፣ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንቕድሚት ዘሰጉም ስነ ሓሳብ መፅናዕትን ቴክኖሎጂን ከከም ዓውዶም ነቲ ክንሰርሖ ንደሊ ዝሕግዝ ሓሳባት ማለት እዩ፡፡

ኣጀንድኦም ብሙሉኡ ንትግራይ ዝብል በቢ ዘለውዎ ተኣኻኺቦም ንትግራይ እንታይ ንስራሕ ብምባል ዓብዪ ለውጢ ዘርኣየ ምንቅስቓስ ምጅማሮምን እቶም ዝሰርሑዎም መፅናዕታዊ ስራሕቲ እውን ቀፃልነት ዘለዎምን እዮም ዝበሉ እቶም ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ፤ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለዉ ምሁራን ተጋሩብመንግስቲ ተቐባልነት ዘለዎ፣ ብህዝቢ ዝበሃግን ካብ ፀገም ዘውፅኡ ሓደሽቲ ሓሳባት ብምምፃእ ዓበይቲ ደገፋት የካይዱ ስለ ዘለዉ ብሓፈሻ ትግራይ ተስፋ ዝህብ ዓቕሚ ረኺባ ኣላ ክንብል ንኽእል ኢሎም ፡፡

ንቕድሚት ክሰጉመና ፀገማት ዝፈትሑ ሓሳባት ዘፈልፍል ማሕበረሰብ እንተሃልዩ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ክትምዕብል ከም እትኽል እዩ ዘርኢ ምስ በሉ ድማ ብሳይንሳዊ መፅናዕቲ ምሁራት ብዝተሰነየ ቃልሲ፣ ልምዓትን ሓፈሻዊ ጉዕዞ ህዳሰን እንተሃልዩ፣ ካብ ድኽነት እንወፀሉ እዋን ነዊሕ ከም ዘይኸውን ኣረዲኦም ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡8 ሓምለ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons