ወፍሪ ልምዓት ምትእኽኻብ ቴሌቶን 16 ሰነ 2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ክካየድ እዩ፡፡
ነዙይ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ኣባላት ወፍሪ ልምዓት ምትእኽኻብ ቴሌቶን ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉን ፍፁም ኣስገዶምን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዓድታት ዘለው ተወለድትን ፈተውትን ትግራይ ኣብዚ ቴሌቶን ብቐጥታ ተሳተፍቲ ንምግባር ዘኽእል ብቴሌቪዢናት ትግራይ ቀጥታ ፈነወ ከም ዝካየድ ሓቢሮም፡፡ምስዙይ ብተወሳኺ ናይ ወፃኢ ዓድታት መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ነዙይ ንምቅላሕ ክመፃ እየን ከም ሓበሬታ እዞም ወሃብቲ መግለፂ፡፡

ከም ሓበሬታ እዞም ኣባላት ኣብ መቐለ ኮነ ካብ መቐለ ወፃእ ዝነብሩ ነጋዶ ተጋሩ በቢሴክተሮም ነዚ ዕላማ ሽትኡ ንምውቃዕ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናሳለጡ ዝፀንሑ ኮይኖም ኣብዚ ዕለት ወፍሪ ምትእኽኻብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተጋሩ ነጋዶ ናብ መቐለ መፂኦም ተሳተፍቲ ክኾኑ እዮም ፡፡

ኣብዚ ዕለት ካብ መንግስቲ ሰራሕተኛን ነጋዳይን ወፃእ ’ውን ብቐጥታ እናደወሉ ንምስታፍ ዘኽእላ 10 ቁፅርታት ቴሌፎን ተዳልየን ኣለዋ፡፡

ኣብ ዕለት እዚ በዓል ዝሳተፉ ተወለድትን ፈተውትን ተጋሩ ንሓንቲ ብ200 ቅርሺ እናዓደጉ ዝኽደንወን 25 ሽሕ ከናቴራን ንሓንቲ 10 ቅርሺ እትሽየጥ 100 ሽሕ ካርድን ተዳልዩ ኣሎ፡፡

ዕላማ እዚ ወፍሪ ስጡም ሓድነት ተጋሩ ዘንፀባርቕን ሕፅረት ፋይናንስ ትግራይ ብምምላእ ስእነት ስራሕ መንእሰይ ንምቕራፍ፣ኣምቡላንስ ዘይኣተወለን ጣብያታት ትግራይ ንምምላእን ብሓፈሻ ዝተተለሙ ስራሕቲ ልምዓት ብምዝዛም ካብ ድኽነት ዝተናገፈት ትግራይ ንምፍጣር ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ንዝፍጠሩ ክፍተታት ንምዕባስን እዩ፡፡

0992844823/24/25/26/27/28/29/30/31/32 ተኸታተልቲ 10 ቁፅሪ ስልኪ ድማ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ተወላድን ፈታውን ትግራይ እናደወለ ንሓገዙ ቃል ዝኣትዉለን እዩ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons