ንልዕሊ 96 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ሃገራዊ ስታስቲክስ ኤጀንሲ/CSA/ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ፤ ኣብ ትግራይ 1.8 ሚልዮን መናእሰይ ከም ዘለዉ ይሕብር፡፡ ካብ ዚኦም በብዓመቱ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መናእሰይ ዝፅናዕ እንትኸዉን ኣብ 2009 ዓ/ም ቁፅሪ ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ትግራይ 367ሽሕ ከም ዝነበረ የመላኽት፡፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ ቁፅሪ ስራሕ ኣልቦ መንእሰይ 286,500 ከም ዝኾነ ም/ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኪሮስ ንጉስ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ዓመት ናብ ስራሕ ክተኣሳሰሩ ብትልሚ ካብ ዝተትሓዙ 186,136 መናእሰይ ዛጊድ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዉሽጢ 96,317 መናእሰይ ግዝያዉን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ከም ተፈጠረሎም ተሓቢሩ፡፡ እዞም መናእሰይ ኣብ ኮብልስቶን፣ ዩራፕ፡ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ከተማ ሕርሻ፣ ምርባሕ ንህብን ምርባሕን ምህጣርን እንስሳ ወዘተ ከም ዝተዋፈሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡

ኣብ 2009 ዓ/ም ፈደራል መንግስቲ ንመናእሰይ ካብ ዝፈቐዶ ተዘዋዋሪ ልቓሕ 527 ሚልዮን ብር በጀት በብእዋኑ እናተፈቐደን ንመናእሰይ እናተኸፋፈለን ከም ዝመፀ ዘመላኸታ እተን ሓላፊት ፣ሎሚ ዓመት ’ዉን 2 ሚልዮን ብር መፂኡ ንመናእሰይ ከም ተኸፋፈለ ኣረዲአን፡፡ ጠቕላላ ንመንእሰይ ትግራይ ካብ ዝተፈቐደ 527 ሚልዮን ብር ተዘዋዋሪ በጀት ዛጊድ ኣስታት 445 ሚልዮን ብር ን7000 መናእሰይን 1110 ማሕበራት ከም እተኸፋፈለን 85 ሚኢታዊ ከም እተፈፀመን ገሊፀን፡፡

ንመናእሰይ ካብ ዝተኸፋፈለ ተዘዋዋሪ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ክምለስ ተታሒዙ ካብ ዝነበረ 60 ሚልዮን ብር ዛጊድ እቲ 42 ሚልዮን ብር ምምላስ ከም ዝተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኣብ መንእሰይ ዘሎ ናይ ልቓሕን መስርሕን መሸጥን ቦታን ካልኦት ፀገማትን ንምቅላል ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ እናሰርሐ ከም ዘሎን፣ ኣብ ልቓሕ ምዉፃእ ዝነበረ ነዊሕ ሰንሰለት ንምሕፃር ጣብያ ልቓሕ ኮሚቴ ምስ ኣፅደቖ ወረዳ ኮሚቴ ከይራኣዮ ብቀጥታ ናብ ደደቢት ክኸይድ ተገይሩ ኣሎ፡፡
እዙይ ከምዙይ እንተሎ እቲ መንእሰይ ንእሽቶን ልቓሕ ወሲድካ ሰሪሕካ ክትልወጥ ዘይምድላይ፣ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ተዋፊርካ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ዘይምዕቛር፣ ካብ ሓደ ብርኪ ናብቲ ዝፅቕፅል ብርኪ ክትስጋገር ዘይምድላይን መደበኛ ልቓሕ ሓዊሱ ተዘዋዋሪ ልቓሕ ኣብ ምምላስ ክንድቲ ዝድለ ዘይምዃን ይርአ ስለ ዘሎ እዙይ ንቐፃሊ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ከም ዝግባእ ወ/ሮ ኪሮስ ኣገንዚበን፡፡

ፍልፍል ሓበሬታ ፡ ኣብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን 
ጉጅለ ሚድያን ርክብ ህዝብን 
መቐለ፡8 ጉንበት 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons