ብሊዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር መልዐሊ ካፒታል ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ሎሚ ብዕሊ ስርሑ ዝጀመረ ኬ.ፒ. ኣር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጉጅለ መፍረይ ዓለባ ህንዲ ን700 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ማእኽል ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ብስሩዕ ተመዝግቦም ስራሕ ካብ ዝጀመሩ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ሓደ ዝኾነ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ትካል መፍረይ ዓለባ ኬ.ፒ. ኣር ማሕበር ንዕዳጋ ዓለም ዝውዕሉ ልዕሊ 50 000 ትሸርትታት ብመዓልቲ ምፍራይ ዘኽእሎ ስራሕቲ ብምውጋን ሎሚ 5 ግንበት 2011 ዓ/ም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል፣ ዳይሬክተር ማእኽል ዓለም ለኸ ንግዲ ወ/ሮ ኣራንቻ ጎንዛ ሊዝን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ፌደራን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቑ ስርሑ ጀሚሩ፡፡
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ ህዝብን መንግስቲ ክልል ትግራይ ኩለን ከተማታት ትግራይ ስሕበት ኢንቨስትመትን ዝኾናሉ ኩነታት ብምምዕርራይ ዝሐሽት ትግራይ ንምፍጣር ኣድላይ ፃዕርታት ከምዝሳለጡ ገሊፆም ፡፡
እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት ስራሕ ከም ዘቓልልን፤ ደረጀኦም ዝሓለው ናብ ዓለም ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍርያት ዓለባ ከምዘፍርን ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተገሊፁ ‘ዩ፡፡ 
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 
መቐለ: 5 ግንበት 2011ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons