ኣብ ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ነዳዲ ከምዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል ገሊፆም::ዶ/ር ደብረፅዮን ሎሚ 5 ግንበት 2011 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ኢንዳስትሪ ፖርክ መቐለ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር መልዐሊ ካፒታል ስራሕ ዝጀመረ ኬ.ፒ. ኣር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጉጅለ መፍረይ ዓለባ ህንዲ ብዕሊ መሪቆም እንትኸፍቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፤ ኣብ ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ካብ ውሽጢ እምኒን ኣኻውሕን ፍንጭልኻ ብምምኻኽ ዝርከብ ነዳዲ ከምዘሎን ብፅንዓት ከምዝተረጋገፀን ኣብሪሆም።

እዚ ኣብ ጎቦታት እምባ ኣላጀ ፣ ነበለትን ጎቦታት ዓዲግራትን ብፅንዓት ተነፂሩ ዘሎ ዑቑር ሃፍቲ ነዳዲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ግዙፍ ኢንቨስትመት ስለዝሓት ዓቕሚ ዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሃፍትን ብቐፃሊ ብምስታፍ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ ፃዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ: 5 ግንበት 2011ዓ/ም

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons