ዕጫ ትግራይ ኣብ ባዕሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝምርኮዝ ምኻኑ፣ ህዝብና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ፅኑዕ እምነት ሒዙ በቢዘመኑን መዋእሉን ፣ ንፈታዊን ፀላእን ዘደምምን ፣ ዓለም ብዓለማ ታኣምር ዘበለ ንወለዶታት ዝሰጋገር ድሙቕ ታሪኽ ምብርካቱ፤ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ትግራይና ዘለው ህያው ሓድግታትና ምስክር ‘ዮም፡፡

ሎሚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ እቲ ናይ ትማሊ ድልየቱን እምነቱን ዝነበረ ዲሞክራሲያዊ ብሄርተኝነት ኣማዕቢሉ፣ ሰላሙ ውሕስ፣ ድሕንነቱን መንነቱን ኣኽቢሩ፣ ብጉልበቱ ብፍልጠቱን ገንዘቡን ምዕብልቲ ትግራይ ንምፍጣር ቐትርን ለይትን ይረባረብ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ናይ ባዕሉ ውሕሉል ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ካብ ከውሒ ጥራሕ 120 ታሪኻዊ ቤት እምነታትን ንታሪኽ ከም ኣብነት ክፅርሑ ዝኽእሉ ስራሕትን ሰርሑ ናይ ትግራይ ሚስሊ ብኣዎንታ ክረኣይን መስሕብ ቱርዝም ክትኸውን ገይሩ እዩ፡፡

ሎሚ ዘሎ ሓድሽ ወሎዶ ‘ውን፤ ኣሰር ወለዱ፣ ሕድሪ ስውኣት ተጋደልትን ሃርበኛታት ወለዱን ኣሕዋቱን ከየዕብሪ፣ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ 
ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ገነትን ፀጋታትን ተረዲኡ“ ልምዓት ዓዲ ብወዲ ዓዲ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ፣ ኣብ ኩሉ ዓውደ ስራሕቲ ይነጥፍ ኣሎ፡፡

ናይ ወፃኢ ዑደተኛታት ዝፀንሕሎም ሎጂታትን ፓርክታትን ወዘተ… ውን ይሃንፅ ኣሎ፡፡ እዚ ብ10 ቢልዮን ብር ኣብ ከተማ ውቕሮ ንኽለምዕ 3 ግንቦት 2011 ዓ/ም ከይዲ ህንፀቱ ንህዝቢ ትግራይ ዕላዊ ዝተገበረ ሳባዊ ኣሚዝመንት ሪዞልት ፖርክ ሓደ ፁፁይ መርኣያ እዩ፡፡ ነዚ ዓብዩ ፕሮጀክት ሓዊስካ ብኩሎም ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ብሰናይ ተበግሶ ንዝውገኑ ዘለው ስራሕቲ ድማ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝላዓለ ሓበንን ክብርን ይስምዖም፡፡

“ንኺድ ጥራሕ፤!! ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዘ ንህዝብን ሃገርን ዝረብሑ ስራሕቲ ብምፍፃም ኣብነት ኩሉ ዓውዲታት ክንገብራ ኢና፡፡” 
ዘላኣለማዊ ኽብሪ ንስዋኣትና!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መግስትን ክልል ትግራይ 
መቐለ፡4 ግንበት 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons