ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
————————–————————–——–
ስርዓት ተሓታትነት ብጥቡቕ ድስፒሊን ንምትግባር ኩሉ ይረባረብ!!

ወርሒ ጉንበት ኣብ ጉዕዞ ታሪክ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ስፍራ ኣለዋ። መሃንዲስ ትንሳኤ ህዳሴና መራሒና ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝተወለደላ ወርሒ ስለዝኾነት፣ ብሽም ኩሎም ስወኣት ተጋደልትን ሃርበኛታትን ንዝክራ። ብቐንዱ ድማ ንመፃኢ ብሩህ ጉዕዞና እምነ ኹርናዕ ዘንበርናላ፣ ዕለት 20 ጉንበት፣ ብድሙቕ እንፅንብለላ ብምዃና፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ንተደማሪ ድርብ ዓወታት ዕጥቆም ኣስጢሞም ቀትርን ለይትን ዝሰርሑላ ወርሒ እያ። ወርሒ ጉንበት፡፡ 

ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ፣ ንዋርድያ ድኽነት ዝነበረ ስርዓት ፋሽሽታዊ ወታደራዊ ደርግ ኣፍሪሱ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ጉዕዞ ትንሳኤ ህዳሰ ወሊዑ፣ ሰላም ክሰፍን፣ ዲሞክራሲ ክዓሙቅ፣ ሰናይ ምምሕዳር ክነግስን፣ ኩሉ በብደረጅኡ ዝጥቀሙ ስሉጥን ተኸታታሊን ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ክረጋገፅን፣ ዓቅሙ ብዝፈቖደሉ ድማ ስርዓት ተሓታትነት ክተኣታተው ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይሩ እዩ። እንተኾነ ሕዚ እውን ካብ ድኽነት መሊኡ ኣይተናገፈን። ሰናይ ምምሕዳር እውን ከምቲ ዝድለ ኣይነገሰን። ስርዓት ተሓታትነት እውን ብግቡእ ኣይተኣታተወን። ሎሚ ሰናይ ምምሕዳር ዘይምንጋስን ስርዓት ተሓታትነት ዘይምትእትታው፣ ማለት ኣብ ክልልና ዘሎ ዒስራን ሸውዓተን ሚኢታዊ /27/ መጠን ድኽነት፣ ዕድመኡ ክነውሕ ጥጡዑ ባይታ ምምችቻው እዩ። እዙይ ድማ ንሕድሕድ ትግረዋይ ኪሳራ፣ ንፀረ ሰላምን ንፀረ ዲሞክራሲን ሓይልታት ድማ መኽሰብ እዩ፡፡ 

ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ልዕልነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ክራይ ኣካብነት ስለ ዘሎ፣ ስርዓት ተሓታትነት ከይነግስ ገይሩ እዩ። ብጭቡጥ ኣብ መሬት ዕደላን ምሕደራ ዝረአይ ሽግር ኣሎ። ንኢንቨስትመንት ተባሂሉ ዝወሃብ ሰፊሕ መሬት ከይተሰርሐሉ ተሓፂሩ ዓመታት ዘቑፅር ቀሊል ኣይኮነን፡፡ በቲ ካሊእ መዳይ ድማ እቲ ንኢንቨስትመንት ተባሂሉ ዝወሃብ መሬት ካብ ዝተትሓዘሉ ዓላማ ወፃኢ፣ ካሊእ ነገር ዝሰርሑ ኣጋጣሚታት ይረአ እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ሽግር እንትረኣይ መሬት ዘመሓድር ኣካልን መሬት ዝወሰደን ኣይሕተቱን። ናይ ማዳበሪርያ ልቓሕ ሓዊስካ ካልኦት ዓይነት ልቓሕ እውን ብእዋኑ ኣይምልሱን። ግብሪ ናይ ምጭብርባርን ብእዋኑ ዘይምክፋልን ኣጉል ልምዲ እውን ኣሎ። ካሊእ ተሪፉ ናይ ቫት ቕብሊት ዘይቆርፅ፣ ተጠቓማይ እውን፣ ቕብሊት ሃቡኒ ዘይምባል ኣረኣእያ ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ እውን ተሓታትን፣ ሓታትን የለን፡፡ እዚኦምን ካልኦት መግለፂታት ተሓታትነት ዘይምህላው፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፣ ሕድሕድ ትግራዋይ ንባዕሉ ይጎድእ ከም ዘሎን ልምዓት ትግራይና ንድሕሪት ክጉተት ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላዉን ክስመረሉ ይግባእ።

ሎሚ እውን እንተኾነ ካብተን ሸሞንተ (8) መግለፂታት ሰናይ ምምሕዳር፣ እታ ቐንዲ ዝኾነት ቕንዕና /integrity/፣ ኣብ በብደረጂኡ ዘሎ ሓላፊ ቤት ዕዮታት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ኩሉ ሲቪል ሰርባንት፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ፍትሒ ኣካላት፣ ብእምነት ተታሒዛ ናይ ተግባር መምርሒ ስለዘይኮነት፣ ቕልጡፍ ውሳነ ዝደልዩ ምምሕድዳራዊን ናይ ፍትሒ ጉዳያታትን ይጓተቱ ኣለዉ። ብሰንኪ እዙይ ህዝብና ክንገላታዕን፣ ክማረርን ይግበር ኣሎ ።

እንተኾነ ፅባሕ ዳግማይ ምህዳስ ጀሚሩ ሰላም ንምውሓስ፣ ዲሞክራሲ ንምዕሟቅ፣ ልምዓት ንምስላጥ፣ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስን ስርዓት ተሓታትነት ትካላዊ ንምግባርን ቆሪፁ ብምልዓል፣ ብተወፋይነት ንምፍፃም ይንቀሳቀስ ዘሎ ላዕለዋይ ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ “ስርዓት ተሓታትነት ብምርግጋፅ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክነስፍን ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ክቡር ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደብረፅዮን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን፣ ዞባን ከምኡ እውን ኣመራርሓ ኣካላት ፀጥታን ኣብ ዝተረኸብሉ፣ 8ይ ኮንፈረንስ ተሓታትነት ካብ ሚያዝያ 25 ክሳብ 26 2011ዓ.ም ተኻይዱ እዩ፡፡

እቲ ዋዕላ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ፣ ኣሰራርሓታት፣ ክትትልን ቁፅፅርን ኦዲት፣ ምሕደራ መሬትን ምዕባለታትን ፈቲሹ እዩ፡፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ኮንፈረንስ ማሕለኻታት ብምእላይ ምዕቡላትን ናብ ዝዓበየ ብርኪ ማእቶት ከሰጋግሩና ዝኽእሉ ኣገባባት ብምኽታል ጠለባት ሕ/ሰብ ብዝግባእ ንምምላእ ብዕቱብ ንምስራሕ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ፡፡ 

ኮይኑ ግና ሕዚ ዘለናሉ መእሰርን መጨበጥን ዝሰኣነ፣ ንኡስ መድረኽ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ዓቐበትን ቃልስን ዝሓትት ምዃኑ ብዝግባእ ምርዳእ ይግባእ፡፡ ሎሚ ልዕሌና ኣንፀላሊዉ ዘሎ፣ ውዲት ፀረ-ሰላም ፀረ-ዲሞክራሲ ሓይልታት፣ ጠላማትን በታቲኽና ፣ ውሽጣዊ ፓለቲካዊ ስምረትና ብምሕያል ስሉጥን ፍትሓውን ምዕባለ ቀላፅምና ኣጠናኺርና እንረባረበሉ እዋን እዩ፡፡ ከምኡ’ውን ዴሞክራሲያውን ትካላት ብምጥንኻርን፣ ምስ እዋኑ ዝኸይድ ብሳይንስን ጥበብን ዝምራሕ ስርዓት ተሓታትነት ምርግጋፅ እውን ዝለዓለ ትኹረት ዝወሃቦ ውራይና’ዩ፡፡

ብሓፂሩ ዘላቂ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ፣ ልምዓት ብምሕያል፣ ሰናይ ምምሕዳር ብምስፋን፣ ዲሞክራሲ ክዓሙቕ ብምግባር፣ ስርዓት ተሓታትነት ብግቡእ ኣተኣታቲኻን ትካላዊ ክኸውን ገይርካን፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ብጥቡቕ ዲስፕሊን ተግባራዊ ብምግባር እዩ። 

ስለ ዝኾነ መሪሕነት ክልልና ጀሚርዎ ዘሎ ስርዓት ተሓታትነት ናይ ምትእትታው መስርሕ ናብ ተግባር ንምሽራፍ፣ ዘዐንቕፉ ኩሎም ዓይነት ድሑራት ኣረኣእያታት፣ ኣሰራርሓታትን ዝተለመዱ ተግባራትን ንምቕያር፣ ብሓፈሻ ሕድሕድ ትግራዋይን ሓዱሽ መንእሰይ ወለዶን፣ ብዋናነት ኩሎም ናይ ልምዓት ዓቕምታት ብጊዜ የለን መንፈስ ክረባረቡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ ። 
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!

ቢሮ ርክብ ህዝብን ምንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ 2 ጉንበት 2011ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons