ኣብ ትግራይ ብልምዓት መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ንኢንቨስትመንት ፉሉይ ጠመተ ተዋሂቡዎ ይስራሕ ምህላዉ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 23 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢንቨስትመንት ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ብምሁራን ዝተገበሩ መፅናዕትታት ብመንግስቲ’ውን ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ዝተትሓዙ መደባትን ንምስላጥ መደባት ተታሒዞም ዓበይቲ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ብምኽንያት ሰፊኑ ዘሎ ሰላማዊ ሃዋህው ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበለ ፍሰት ኢንቨስትመንት ከም ዘሎ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ ካብ ልሙድ ኣሰራርሓ መፃኢኻ ደረጅኡ ዝሓለወ ብምግባር ከጠናኽር ይግባእ ኢሎም፡፡

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ንኢንቨስትመንት ተዋሂቦም ምልማዕ ዘይጀመሩ ቦታታት ከም ዘለዉ፣ እዚኦም ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ንምሕጋዝ ቀንዲ ትኹረት ገይርካ ዝግበሩ ፃዕርታት ምህላዎምን ተሓጊዞም ክንቀሳቐሱ ኣብ ዘይክእሉ ናይ ምትሕልላፍ ስጉምቲ  ዝውሰድ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡

 

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ፡ 24 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons