ኣግባብነት ዘለዎም ሕቶታት መናእሰይ ንዘጋጠሙ ክፍተታት መነፅር ኮይኖም ዘርእዩ፣ ትግራይ ንምልዋጥ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ሓገዝቲ እታወታት ብምዃን ዘገልግሉን ፀገማት ሕብረተሰብ ብኣግኡ ንኽፍትሑ ዘኽእሉን ንምሰላጥ ልምዓት ኣገደስቲ ምዃኖም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም::

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል ምስ ኣመራርሓ ዞባ መቐለ፣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ፣ ኣመሓደርቲ ምስ እንደርታ ዝዋሰና 6 ክፍለ ከተማታት መቐለን ተወከልቲ መናእሰይ እንደርታን መቐለን 21 ሚያዝያ 2011ዓ/ም ተመያይጦም::

ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ በቢ ብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ምስ መናእሰይ ተደማሚፅካን እሂን ምሂን ኢልካን ኣብ ምኻድ ዘሎ ክፍተት ሰፊሕ ምዃኑ ዝተልዓለ እንትኽውን ኣወሃህባ መጠሻ መሬት መናእሰይ ዝምልከት መፍትሒ ዘድልዮም ሕቶታት እዮም ተባሂሎም::

ኣብ ኣከፋፍላ ካሕሳ መሬት ዘሎ ምንኣስ ክፍሊትን ምሕፃር እዋንን ፣ንኢንቨስትመንት ተባሂሎም ካብ ገባር ዝተወሰዱ ቦታታት ናብ ጭቡጥ ልምዓት ብዘይምእታዎም ዝተፈጠሩ ፀገማትን ብ2003 ዓ/ም ካብ ወረዳ እንደርታ ናብ ከተማ ዝኣተዋ ከባቢታት ገጠር LDP ትልሚ ምልማዕ መሬት ከይተሰረሐለን ብምፅንሑ ኣብ ዝርግሐ መሰረተ ልምዓት ዘይተኻተታ ምዃነን እውን ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ ::

ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝምልከቶም ኣካላት ዝርዝር መብርሂ ዝተውሃቦም እንትኸውን፤ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ሓታታይ ሕ/ሰብ ክፍጠር ምኽኣሉ ዝነኣድን ንኣሳልጦ ስራሕ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም::

ብ2003 ዓ/ም ናብ መቐለ ዝኣተዋ ከባብታት ነባር ትሕዝቶ፤ መጠሻን ካሕሳ መሬትን ዝምልከት መረዳእታት ማእኸል ብምግባር ሓፂር ትልሚ ተዳልዩ ብህፁፅ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ዘተሓሳሰቡ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ LDP ዘይተሰርሐለን ከባብታት ትልሚ ምልማዕ መሬት ብእዋኑ ተሰሪሑለን ብፍላይ እተን ከቢድ ፀገም መሰረተ ልምዓት ዘለወን ድማ ቀዳምነት ሰሪዕኻ ክስረሐለን እዩ ኢሎም:: 

ንኢንቨስትመንት ዝተዓደሉ ቦታታት ብኣግባቡ ዘይተሰረሐሎምን ዝተሓፀሩን እንተሃልዮም ተፀኒዑ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ናብ ውሳነ ከም ዝብፃሕ ዝሓበሩ ደ/ር ደብረፅዮን ገባር እናፈናቐልካ ዝስራሕ ከተማ ከም ዘይህሉን ሕርሻ ከመይ ትራንስፎርም ከም ዝግበርን ዕቤት ከተማ ከመይ ከም ዝሳለጥን ጎናጎኒ ክስረሐሉ እዩ ኢሎም::

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ወሲኾም ከም ዝበሉዎ፤ ጉዳይ ካሕሳ ብፍላይ ብብርኪ ፌደራል ዝስራሕ ኮይኑ ከም ክልል ተፀኒዑ ብቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን ኣቢሉ ናብ ፌደራል መንግስቲ ቀሪቡ ኣሎ::

እዚ ከምዚ እናሃለወ ሐዚ ይለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ብዙሕ እዋን ዝወሰዱን ተደራረብቲ ፀገማትን ብምዃኖም ብሓደ ግዜ ዘይኮነስ ግዜን ጉልበትን ሂብካ በቢ ብርኩ ዝፍትሑ ብምዃኖም መናእሰይ ኣብዚ ተኣናፋይን ፈታንን እዋን ኮይንና ትግራይ ንኽትልወጥ ንሰርሕ ምህላውና ክርድኡን እጃሞም ከበርክቱ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል ፃውዒት ኣቕሪቦም::

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ወሲኾም፤ መንእሰይ ኣብ ሰፊሕ መድረኽ ምስ ኣመራርሓ እናተዛተየ ንሕቶታቱ መልሲ ክረክብ ዝወሃቦ መብርሂ ክርዳእን ከም ዝግባእ ብምሕባር ካብ ሕግን መምርሕን ወፃኢ ዝመፅእ ጠለብን ሕቶን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብዘይ ኣግባብ ዘጭበርብሩ ኣካላት እንተሃልዮም እውን ተፃርዩ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ መናእሰይ ትግራይ ፤ ሓድነትና ኣብ ዝሽርሽሩን ቃልስና ዘጉትሙን ዛዕባታት ግዚኦም ከባኽኑ ከም ዘይብሎም ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ተረዳዲእና ብምስራሕ እዛ ክልል ሓቢርና ክንልውጣ ፣ ህዝብና ካብ ድኽነት ክወፅእ፣መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕን ወነንቲ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዓቕምን ንምግባር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons