ኣብ መቐለ ልዕሊ 9 ሽሕን 800 መናኣሰይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሕን ፈረቐን መጠሻ መሬት ክወሃቡ ‘ዮም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንልዕሊ 9ሽሕን 800ን መናኣሰይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሕን ፈረቃን መጠሻ መሬት ከም ዝህብ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር ነዚ ዝበለ ትማሊ ራብዓይ ዘመን መበል 24 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ እንትሳለጥ እዮ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ከምዝበልዎ፥ ጉዳይ መጠሻ መሬት ክሳብ 30 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ክዛዘም ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ።

ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተደናጉዮ እዮ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ልዕሊ 136 ሄክታር መሬት ንመናኣሰይ ኣብ ቀረባ እዋን ክወሃብ እዮ ኢሎም እቶም ምክትል ከንቲባ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ንልዕሊ 9 ሽሕን 800ን መናኣሰይ መጠሻ መሬት ክወሃቦም ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ነዚ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ቕልጡፍ ምላሽ ከምዝወሃብ ሓቢሮም።

መቐለ፡ 12 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም
(FBC Tigrigna)

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons