ኣብ ትግራይ ልዕሊ 220 ሽሕ ሓረስቶት ዝተሳተፍሉ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ይወገን ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፣መስኖን ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ብምውዳድ ይስራሕ ምህላውን ኣብዚ እዋን 221,527 ሓረስቶት ኣብ ፓኬጃት ሃፍቲ እንስሳ፣ ልምዓት ንህቢ ደርሆ፣ ፀባን ስጋን ይሳተፉ ከምዘለው እቲ ቢሮ ዝለኣኾ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ከም መረዳእታ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 1442 ድቓላ ኣላሕም ብምእትታው 1289 ሓረስቶት ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ኩነታት ዝተፈጠረ እንትኸውን ካልኦት ምስዚ ዝዛመዱ ስራሕቲ ብምስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ብምውዳድ ብቐፃሊ ውፅእታዊ ሴክተር ንምግባር ብስፍሓት ይሰርሐሉ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ቀለብ እንስሳ ብዓይነትን ፅሬትን ንምምሕያሽ ምስ ልምዓት መፋስስን መስኖንን ብምውዳድ ፣ሰውሕታት ብምኽላልን ብምልማዕን ከምኡ’ውን ዩኔናት ኣጣይሸካ ዝተመጣጠነ ቀለብ እንስሳ ከፍርያ ብምግባር ሐረስታይ ተጠቃሚ ንክኸውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝመፁን ንቐፃሊ ተጠናኺሮም ከምዝኸዱን እቲ መረዳእታ ይሕብር፡፡

ብሓገዝ መንግስቲ፣ገበርቲ ሰናይ ትካላት ልምዓትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ክህነፁን ክጋፍሑን ብምግባርን ክብሪ ውፅኢት ሃፍቲ እንስሳ ዝውስኹ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ከም ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝተሰርሑን ሐዚ እውን ይስርሑ ከምዘለውን እቲ ቢሮ ገሊፁ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons