ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
—————————————
ኣብርሃ ወ/ኣፅበሃና – ሰሲናትልና

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩሎም መዋእላት፣ ብሰብ ስራሕትን ናይ ተፈጥሮ ፀገማትን ከይተሰኮነ ብጥበብን ብብልሓትን ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ፅቡቅ ባህሊ ዘኻዕበተ ህዝቢ ምዃኑ ፈታውን ፀላእን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት እውን ህዝቢ ትግራይ ደኺሙኒ ፀጊሙኒ ከይበለ ከባቢኡ ንምልዋጥ ዝገብሮ ቃልስን ርብርብን፣ ትግራይ ብሓምለዋይ ሕብሪ ክትውቅብ ገይሩ እዩ፡፡ እዚ ፅቡቕ ስራሕቱ ንካልኦት እውን መርኣያ ኮይኑ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ፣ ንዘመናት ብሰንኪ ገዛእቲ ኣብ እንግድዕዑ ዝተዳዕነንዎ ካብ ዘለዎ ሚሒር ድኽነት ሓራ ንምውፃእ፣ ሰለስተ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ማለት እውን ስራሕቲ ተፈጥሮ ሃብቲ፣ መስኖን ሃፍቲ እንስሳን ኣዋዲዱ ናይ ምፍፃም ዓቕሙ እናጎልበተ ይቕፅል ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ዕቀባ ማይን ሓመድን ዝሰርሖ ስራሕቲ፣ ተጠቃማይ መስኖ ኮይኑ ፣ ብውሑድ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ንምፍራይ ዘክእል ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ጎናጎኒ እዚ እውን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ማለት እውን፣ ልምዓት ንህቢ፣ ደርሆ፣ ድቓላን በጋይትን ኣላሕምን ብምትእትታው ምህጣር ከፍቲ፣ ምህጣር ጤለ በጊዕ፣ ከምኡ እውን ቀለብ እንስሳትን እውን ዓሊሙ ይጥቀም ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ፓኬጃት ሃፍቲ እንስሳ ጥራሕ ማለት 47‚368 ደቂ ኣነስትዮን፣ 63‚395 መናእሰይን ሓዊስካ ብድምር 221‚527 ሓረስቶት ኣብዚ ዓውደ-ስራሕ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ትግራይ እውን ተጠቃሚነት ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት ንምድንፋዕ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ካብ ምሕንፃፅ ብተወሳኺ፣ ምስ ውልቀ ሰብ ሃፍትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተኣሳሲሩ፣ ዝተፈላለዩ ሰፋሕቲ ናይ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ወጊኑ፡፡ ከም ናይ እንስሳት ሕክምና መውሃቢ ክሊኒካትን ጭጋረት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ኣርባዕተ ዘርኢ መፍረይ ማእኸላት ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ እውን ፋርማሲታት ከፊቶም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ዝተዋደደ ጥሙር ስራሕቲ ሕርሻና ዕዳጋ ተኮር ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ፡፡ ብፍላይ ውፅኢት ሃፍቲ እንስሳ ክብሪ ብምውሳኽን ተጠቃምነት ሓረስታይ ንምዕባይን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከም መቀነባበሪታት መዓር፣ ስጋ፣ ፀባ፣ ቀለብ እንስሳ፣ ዝተመሓየሸ ደርሁ መቅረቢ ማእኸላት ዝኣመሳሰሉ ናይ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ኢንዱስትሪታት ትካላት ክሰርሑ ግቡእ ኣመራርሓን ክትትልን ገይሩ እዩ፡፡ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን ናይ ዕዳጋ ምትእስሳር ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ኣግሮ-ኢኮኖሎጂ መሰረት ገይሩን፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉን፣ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪን ዘመዝግቦ ዘሎ ውፅኢትን ዘተባብዕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ትግራይና ዓርሳ ኪኢላን ብደረጃ ስድራ እውን ናይ ምግቢ ውሕስና ኣረጋጊፃ ዝተፈላለዩ ፍርያት ሕርሻ ሰደድ ንምግባር ዘኽእል ዕቑር ዓቅሚ ከም ዘለዋ ኣብ ምብራቕ ትግራይ ዘለዉ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ተፈጥሮ ሃፍቲ፣ መስኖን ሃፍቲ እንስሳን ጭቡጥ መርኣያ እዮም፡፡ እንተኾነ ንዞም ኣብ ምብራቕ ትግራይ ዝሰርሑ ዘለዎ ፅቡቃትን ብሉፃትን መርኣያታት ስራሕቲ ሓዊስካ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ትግራይ ዘለዎ ብሉፃት ተሞክሮታት ትክክለኛ ምስሊ ብዝህብ ኣገባብ ብምግዋሕ፣ ክገፍሑ፣ ክሰፍሑን ኣብ ምግባር፣ ሚድያታት ትግራይ፣ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ከምኡ እውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ግቡእ ትኹረት ሂብካ፣ ተጠሚርካን ብውልቀን ኣብ ምንቕስቓስ ሰፊሕ ሽግር ኣሎ፡፡ስለዝኾነ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓን ሚዲያን ከምኡ እውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ምስፋሕ ስትራቴጂና መሰረት ገይሮም ኣብ ሕድሕድ ስራሕ ንፁር ናይ ኮሙዩኒኬሽን /ርክብ ህዝቢ/ ስትራቴጂ ሓንፂፆም ብዘይ ውዓል ሕደር ብሉፃት ተሞክሮታት ኣብ ምግፋሕ ብዕቱብ ክረባረቡ ይግባእ፡፡

ኣብዚ እዋን እዙይ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዘሎ ትግራዋይን ኣብ ስራሕ እዩ ዘሎ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ ውሕጅ ከቲሩ፣ ጉህምታት ከይገፍሕ ገይሩ፣ ናብ ሑፃ ተለዊጡ ዝነበረ መሬት ወዘተ ልሙዕ ገይሩ፣ ብሓፂሩ ከባቢኡ ናብ ሓምለዋይ ቐይሩ ናብርኡ የመሓይሽ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ሓዱሽ ወለዶ ትማሊ ኣቦ ሓጎታቱን እኖ ሓጎታቱን፣ ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከውሒ ፈልፊሎምን እምኒ ፀሪቦም መስተንክር ቅያ ሰሪሖም ትግራይ ኣብ ዓለም ክትፍለጥ ዝገበርዎ ክብርታት፣ ወነ ሓቦን ጥበባትን ወሪሱ፣ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ሽግራት ትግራይ ዘለዋ ዘይተተንከፈ ፀጋታት ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ረብሕኡ ኣውዒሉ ተኣምር ከም ዝሰርሕ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ርብርብ የማላኽት እዩ፡፡

እንትኾነ ሕዚ ዝስራሕ ዘሎ ፅቡቅን ተስፋ ዝህብን፣ ኩለ መዳይ ዕውት ተግባራት ዘሐብን እኳ እንተኾነ፣ እኹል ኣይኮነን፡፡ ሕድሕድ ሓረስታይ ትግራዋይ እውን ክንዲ ልፍዓቱ ይርባሕ ኣሎ ዘብል ኣይኮነን፡፡ ፍርያቱ ኣደዳ ደለልትን ከይሰርሑ ዝሃጠሩ ክራይ ኣከብትን ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ይረአ ኣሎ፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ናይ ዕዳጋ ምትእስሳር ፀገም ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ወድዓውን ባዕላውን ሽግራት እውን ኣለው እዮም፡፡ ብሓፈሻ ሓረስታይ ትግራይ ብዙሕ ክጥቀም እናከኣለ፣ ብሰንኪ ናይ ኣመራርሓ ሽግር፣ ሳኣን ብቁዕ ቴክኒካዊ ድጋፍ፣ ምሃብን ካልኦት ባዕላዊ ሽግራትን በቲ ዝድለ ደረጃ ጠቃሚ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሽግር ካብ ስሩ ንምምሓው ብጊዜ የለን መንፈስ ንምፍታሕ ግቡእ ርብርብ ምግባር ይሓትት እዩ፡፡

ብሓፂሩ ከምቲ ብንእሽተይ ሞተር ዝመስል በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓና ነቲ ዓብይ ሞተር ማለት ህዝብናን ልምዓታዊ፣ በዓል ሃብትን እንተነቓኒቕዎ፣ ከምታ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ኣብ ፀምፀም በረኻ ዘላን ሎሚ ምድረ ገነት ብዝብል ትፅዋዕን ኩሉ ዓይነት ውፅኢት ሕርሻ ኣፍሪያ ዓለም ትምግብ ዘላ ሃገረ-እስራኤል፣ ትግራይና ‘ውን ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን፡፡ ኣብዚ እዋን እዙይ ሓረስታይ ትግራይ ብቀንዱ ጉልበቱ፣ ማይን መሬትን ኣዋዲዱ ቅድሚ 2 ሽሕ ዓመታት ብዝተሰርሓ ማሕረሻን ካልኦት መሳርሒታትን ትሑት ናይ ኣሰራርሓ ሜላ ቴክኖሎጂታት ተጠቒሙ ሕዚ ተስፋ ዘለዎምን ዝጭበጥን ውፅኢት እንተመዝጊቡ፣ ፅባሕ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቐሙ ምፍራይ እንትጅምር ከመይ ዝኣመሰለ ተዓፃፃፍን ውፅኢት ከም ዘመዝግብን ንዓለም መርኣያ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ብተግባር እውን፣ ኣብ ምብራቕ ትግራይና ትርከብ ቑሸት ኣብርሃ ወ/ኣፅብሃ፣ ትማሊ ብስራሕቲ ተፈጥሮ ሃፍቲ ንዓለም መርኣያ ኮይና እያ፡፡ ሎሚ ግና ንሳ ጥራሕ ኣይኮነትን ዘላትና፡፡ ኣብርሃ ወ/ኣፅብሃና ሰሲናትልና እያ፡፡ እንተኮነ ብሓፈሻ 60 ሽሕ ስዉኣት ተጋደልቲን ሓርበኛታት ተጋሩን ደሞም ዘፍሰስሉን ኣዕፅምቶም ዝተቐበሩለን፣ ጎቦታት፣ ሽንጥሮታት፣ ሓጓፋት ትግራይ ፣ ምእንታይ መሊአን ክለምዓ፣ ኩለን ቁሸታትን ጣብያታትን ትግራይና ዝተዋደደ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ፣ ስራሕቲ መስኖን፣ ሃፍቲ እንስሳን ኣዋዲድካ ንምስራሕ ዘኽእል መስርሕ ብምትእትታዉን ትልሚ ዴሞክራታይዜሽን ትራንስፎርሜሽን ክልልና ብምዕዋትን ተጋላፃይነትና ንምውጋድ፣ ሰላምና ውሕስ ንምግባር ድሕንነትናን መንነትናን ንምኽባር ሕዚ እውን መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንረባረብ፡፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ:- 04 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons