ብብርኪ ክልል ትግራይ ልዕሊ 234 ሽሕ ተምሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ከምዝወስዱ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2011 ዓ.ም. ንዝወሃብ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዛጊድ ብደረጃ ክልል ከይዲ ምድላው ፈተና፣ ምልመላ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ፣ ምዝገባ ተፈተንቲ ተምሃሮን ካልኦት ምድላዋትን ከምዝተወገኑን ልዕሊ 234 ሽሕ ተምሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ከምዝወስዱን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ንፈተና ካብ ዝቐርቡ 123,807 ተምሃሮ ሻምናይ ክፍሊ፣ 89,922 ተምሃሮ ዓስራይ ክፍሊ እንትዀኑ 21,180 ተምሃሮ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ከምዝዀኑ ብምሕባር ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2011ዓ.ም ንፈተና ዝተዳለዉ ቁፅሪ ተፈተንቲ ተምሃሮ ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ኣብ ሻምናይ ክፍልን ዓሰርተ ክልተ ክፍልን ወሰኽ ዘለዎ እንትኸውን ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ግን ከምዝቐነሰ ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ክንፈ ፍስሃ ኣረዲኦም፡፡

ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዝወሃበሉ ጊዜ ዓስራይ ክፍሊ ካብ ጉንበት 21-23፣ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ካብ ጉንበት 26 -30 እንትኸውን ሻምናይ ክፍሊ ድማ ካብ ሰነ 5-7 ከምዝኾነ ዳይሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ኣይተ ክንፈ ፍስሃ ገሊፆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 
መቐለ፡ 3 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons