አብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ወረዳ አፅቢ ወንበርታ ብቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዝተሰናድአ ዑደት ልውውጥ ተመክሮ ዝተዋደዱ ልምዓት መስኖ፣ ዝራእትን ሃፍቲ እንስሳን ተሳሊጡ፡፡

አብቲ ዑደት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ፣ ሓለፍትን ክኢላታትን ሕርሻ፣ መተሓባበርቲ ከይዲ ስራሕ ሕርሻ፣ ኣማኸርቲ ዞባ ኢኮኖሚ፣ ናይ ኩለን ፕሮጀክታት መተሓባበርቲ፣ ሰብ ሞያን ዳይሬክተራትን ቢሮ ሕርሻን ተሳቲፎም።

ዑደተኛታት አብ ቁሸት እንዳማይኖ ስራሕቲ ልምዓት መስኖን ንህብን ብምርኣይ፤አብ ሓይቂ መሳሓል(ምሕዋይ ጉህሚ ን ስራሕቲ መኖን)፣ ጣብያ ሚኪኤል እምባ (ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ደንን ንህብን)፣ ጣብያ ቃልአሚን (ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን)፣ ጣብያ ሓበስ (ካብ ሰዲ ጋህፂ ዝተናገፈ ከባብን አተሓሕዛ ቀለብ ሃፍቲ እንስሳን ናይዚ ዕለት መዛዘሚ ዑደቶም ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ ዑደት ብሉፅ ተሞክሮኦም ዘሕለፉ ሓረስቶት ጣብያ ሓየሎም፤ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሓመድን ማይን ዕቀባን ብምስርሖም ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ዝራእትን ሃፍቲ እንስሳን ርኡይ ለውጢ የምፅኡ ምህላዎም ብምግላፅ ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋን ስእነት መሰረተ ልምዓት መንገድን ዘጋጠሙዎም ፀገማት ግና ንኺሳራ የሳጥሑዎም ብምህላዎም ህፁፅ ፍታሕ ንኽግበረሎም ሓቲቶም።

 

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

01/08/2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons