ሰራሕተኛታት ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ካብ 10 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ንልምዓት ትግራይ ከምዘወፈዩ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ኣይተ ወልደ ኣማንኤል ገብረየሱስ ከምዝገለፅዎ መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ፃውዒት ልምዓት ሰራሕተኛ እቲ ቢሮ ብኣዎንታ ተቐቢሎም ካብ ድምር ሰራሕተኛታት ኣስታት 80 ዝኾኑ 10 ሚኢታዊ እቶም ዝተረፋ ድማ 20 ሚኢታዊ ካብ መሃየኦም ንልምዓት ትግራይ ለጊሶም።

ኣብቲ ቢሮ 220 ሰራሕተኛታት ዘለው ኮይኖም እቲ 10 ሚኢታዊ ኣብ ክልተ ወርሒ እቲ 20 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ንክኸፍልዎ ምውሳኖም  እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

ብኻሊእ ዜና ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ፃውዒት ልምዓት ብምቕባል ዛጊድ 18 ኣብያተ ዕዮ ክልል ካብ ደመወዞም ከወፈዩ ኣእሚነን ከምዘወሰና ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 

ፍልፍል:- ጋዜጣ ወይን

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons