ኣባላት ማሕበር ከየንቲ ትግራይ” እጃመይ ንኸወፊ ትግራይ ትፅወዐኒ ኣላ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዋዕላ ኣካይዶም፡፡

6 ማሕበራት ኪነ-ጥበባትን ከየንትን ትግራይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝገበሮ ፃውዒት ምትእኽካብ እቶት ተቐቢሎም ብሞያን ገንዘብን እጃሞም ዝበርክትሉ ስርዓት ንምዝርጋሕ ሎሚ 29/07/2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ መአኸቢ ኣዳራሽ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ምስኣበላቶም ዘትዮም፡፡

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ተረኺበን ኣብ ዙርያ እቲ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተገበረ ፃውዒት ምትእኽኻብ እቶት ዘለዎ ክልላዊ ትርጉምን ኣድላይነት እቲ ፃዊዒትን መብርሂ ዝሃባ ሓለፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ፤ትማሊ ፣ሎምን ፅባሕን ትግራይ ብናይ ውሽጣ ህዝባዊ ቕልፅምን ሃፍትን ከምትኽበርን ሃላዋታ ከምተረጋግፅን መንግስቲ ክልል ትግራይ ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ወ/ሮ ሊያ ትማሊ ኪነ-ጥበብ ትግራይ በቢ እዋኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝእለሙ ሽርሕታትን ብዶሆታትን ንምውጋድ ኣብ ዝተገበሩ ህዝባዊ ቃልሲታት እቲ ህዝባዊ ቅልፅም ሓይሉ ንኽወፅእ ቕድሚት ኮይኑ እናመረሐ ኣብ ዕንወት ፀላኢ ዘይትካእ ታሪኽ ሰርሑ እዩ፡፡ሐዚ ‘ውን እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ፃውዒት ምርግጋፅ ህልውናን ምስላጥ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓትን ህዝባዊ ዓቕሚን ኣፍልጦን ኣብ ምፍጣር ከየንቲ ግደኦም ንኽፃወቱ ፀዊዐን፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ከየንቲ ብወገኖም እቲ ሐዚ ቐርቡ ዘሎ ፃውዒት መንግስቲ ዝገበሮ ፃወዒት ኣይኮነን ትግራይ ኢያ ፀውዓ ዘላ ፤ ትግራይ ኣብ ዝገበረቶ ፃዊዒት ኢዱ ዘይሓውስ ከያኒ ድማ ኣይህሉን ኢሎም፡፡

ዛጊድ ድማ ብፀጋይ ሓዱሽ ዝተደረሰ ግጥምን ብጋዜጠኛ ኣስቴር ታዓረን ዝተሰረሐ ፍልምን ነቲ ምትእኽኻብ ኮሚቴ ኣበርኺቶም ኣለው፡፡

በሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons