መግለፂ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ዋሕስ ትግራይና ህዝብና!!

አርሒቁ ዝእምትን ካብ ብጕሓቱ ፀላእትና ብብረት’ምበር ብኣተሐሳስባ ገና ዘይሰዓርናዮም ምኳንናን ኣስተውዒልና ክንቃለስ ከም ዘለናን፣ ክቡር መራሒና ተጋዳለይ መለሰ ዜናዊ “ሕዚ ’ውን ደርጊ ኣሎ” ኢሉ ነይሩ፡፡

ኣባሃህላ ክቡር መራሒና ተጋዳላይ መለሰ ዜናዊ፣ ዘመላኽቶ ነገር እንተሃለወ፣ ቃልሲ ኣንፃር ኩሉ ዓይነት ድሕረት ከም ዘይተወደአ፣ የግዳስ “ቓልስና ነዊሕን መሪርን ’ዩ፡፡ ዓወትና ናይ ግድን ’ዩ”። ዝብል መሪሕ ቃል፣ ዳግማይ ወያነ፣ ሎሚ ይኹን ኣብ ቀፃሊ ዓመታት’ውን ብዝግባእ ጨቢጥና ክንጎዓዝ ከም ዘለና ዝሕብር’ዩ ።

ብሓፈሻ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝተኣኻኸቡ ፀረ-ሰላምን ፀረ-ልምዓትን ሓይልታት፣ ምስ ናይ ወፃኢ መሻርኽቶም ግንባር ፊጢሮም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሰፊሕ ዘመተ ኣካይዶም። ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ህዝብና ’ውን ክበሳበስን ክፈናቐልን ገይሮም። እዞም ፀረ-ህዝቢ ሓይልታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኸተልዎ ስልቲ “ካብ ደገ ንውሸጢ” ዝብል’ዩ። ማለት ’ውን ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተፈላለየ ናይ ፀለመ ሽማሽም ሂብካ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ክደናገሩ ብምግባር፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ነፂልካ ምውቃዕ ዝብል ነይሩ።

ይኩን ድኣምበር፣ ምሰጋና ንተባዕን ከም ሓፂን ዝጠንከረ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ንወናም መንእሰይ ትግራይ፣ ከምኡ ’ውን ካብ ህዝባዊ መስመሩ ነቅ-ዘይብል መሪሕነት ክልልና ኩሉ ሽርሒታት ፀረ-ሰላምን ፀረ-ልምዓትን ሓይልታት ተቃሊሱ ኣፈሺልዎ ’ዩ፡፡

እንተኾነ እዞም ፀረ-ሰላምን ፀረ-ልምዓትን ሓይልታት ሎሚ እውን ኣይደቀሱን፡፡ ኣብዚ እዋን እዙይ፣ ካሊእ ሜላ ተንኮልን ስልትን ፍሒሶም ምንቅስቃሶም ቐፂሎም ኣለዉ። ሕዚ ተከቲሎዎም ዘለዉ ስልትታት ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ዝብል እዩ፡፡ 
እቲ ስልቲ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ዕሱባት ብቅርሺ ዓሲብካ፣ ኣብ ትግራይ ተዓኹሊሎም ዝፀንሑን ዘይፈታሕናዮም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሽግራትን፣ ሰእነት ሰራሕን ወዘተ ዝኣመሰሉ ጉዳያት እናለዓዓልካ፣ ከምኡ እውን ብስፖርት ተጎልቢብካ፣ ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ፣ ንትግራይና ዝደቐሳን ሓይላ ዝዳኸመን ስልቲ ”ከፋፊልካ ግዛእ“ ሒዞም፣ ብድሑር ከባቢያዊ ስምዒት፣ ህዝቢ ትግራይ ንኽከፋፈል፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሕድሕዱ ንምድማይ ሕርግድ ይብሉ ኣለዉ።

እዞም ፀረ-ሰላም ሓይልታት ሎሚ ዝተፈለየ ጉልባብ ተጎልቢቦም፣ ዝፈጥርዎ ዘለዉ ምስምስ ፣ ዝተወሰነ ሰብ ኣደናጊርካ ናብ ዘየድሊ ስጉምቲ ንምእታውን ዕግርግር ፈጢርካ ናይ ትግራይ ሰላም ንምዝራግን ህዝቢ ቀሲኑ ስርሑ ከይሰርሕ ንምትዕንቓፍ እዩ፡፡

እንተኮነ መሰተውዓላይን ንቑሕን ህዝብና ብሓፊሻ ፣ ብፍላይ ድሕንነትን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ከይትንከፍ ዋርድያን ሓበንን ዝኾነ ተተካኢ ሓዱሽ ትውልዲ፣ ሽርሒ ፀረ-ሰላምን ፀረ-ህዝቢ ሓይልታት ካብ ቢጕሓቱ ቆቋሕ ኮይኑ ብምክትታል የፈሽሎ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ህዝብን መንግሰትን ክልል ትግራይ ኣገንዕ ብምባል ምሰጋናኦም የቕርቡ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ሎሚ እውን ከም ትማሊ ቀንዲ ውራይ ካብ ዝኾነ ፀረ-ድኽነት ቃልሲ ንቅንቅ ከይበሉ ቀትርን ለይትን ይሰርሑ አለዉ። ንኣብነት ኣብዚ ናይ ሎሚዘበን ሓጋይ ጥራሕ ኣብ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ዝተሳተፈ ልዕሊ 1.1ሚልዮን ሓረስታይ ትግራይ፣ ናይ ትልሙ ሰብዓን ሓሙሸተን ሚኢታዊ (75%) ወጊኑ ኣሎ። ሕዚ’ውን ብዕቱብ ይቅፅል ኣሎ ። መንግሰቲ ትግራይ ዘመቻቸዎ ዕድል ኢንቨስትመንት ብምጥቃም ልምዓታውያን ሰብ ሃብቲን ነጋዶ ተጋሩን ግብረይ እናኸፈልኩ መሰለይ ከኽብር እየ” ብዝብል መንፈስ ኒሕን ሓቦን ሰኒቆም ናብ ልምዓት ይጓየዩ ኣለዉ ። ደኣንት’ውን ዓቕሞም ብዝፈቐደሎም ይረባረቡ ኣለዉ። ኣብ ኩለን ከተማታት ዘሎ ህዝብና ’ውን ሰላሙ ከይዝረግ ከባቢኡ እናሓለወ፣ ኣብ ዝተዋፊሮ ዓውደ ስራሕት ይነጥፉ ኣሎ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርናን ወፃኢ ዓዲ ዘለዉ ተጋሩ ’ውን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኮይኖም ዝዓቅሞም የወፍዩ ኣለዉ። ብፍላይ ምሁራን ተጋሩ ኣብ 2010ዓ.ም ተሃድሶ ዝጀመርዎ ውዑይ ምንቅስቃስ ኣበርቲዖም ይቕፅልሉ ኣለው፡፡ ብድምር ኣብ ክልልና ዘሎ ሲቪል ሰርቫንት ሓዊስካ ኩሉ ትግረዋይ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል መንግስቲ ትግራይ ዝፀወዖ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ንምዕዋት ይረባረብ ኣሎ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ’ውን ዘለቒ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ልምዓት ብምስላጥ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ዲሞክራሲን ክነግስ ብምግብርን፣ ነዚ ዘዐንቅፍ ሓደጋታት ብፅንዓትን ሓድነትን ብምምካት እዩ፣ ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ፣ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ችግር ንምፍታሕ እውን ኣብ ሕድሕድ ጣቢያ ቐወምቲ ኣርባዕተ ምሁራት መናእሰይ መዲብካ ንምስራሕ ዘኽእል መስርሕ ዘርጊሑ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ስእነት ስራሕ ንምንካይ ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንግ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ናይ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ክውገኑ ግቡእ ትኹረት ሂቡ ይመርሕ ኣሎ።ሐዚ ዉን እንተኾነ መፍትሒ ዘድልዮም ሰፈሕቲ ማሕበረ-ኢኮነሚያዊ ፀገማት ኣለዉ እዩም:: እዞም ሽግራት እዚኦም መንግስቲ ትግራይ ህዝቡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፍ ደረጃ ብደረጃ ከም ዝፍትሖም ፈታውን ፀላእን ክፈልጥ ኣለዎ፡፡

ኮይኑ ግና በብመድረኹ ህዝባዊ ማዕበል ዝገለፎም ውሑዳት ዕሱባት ሎሚ ኾነ ፅባሕ ምህላዎም ኣይተርፍን። ሰለዚ ዋሕስ ትግራይና ዝኾነ ህዝብና ፣ ከምቀደሙ ቀላፅሙ ጠሚሩ “ዓለቕቲ ኣሎ ገና” ዝብል ረዚንን ዓሚቕን ደርፊ ጉጅለ ኪነት ትግራይ እናዘከረን “ትግራይ ዓድና ከይኣትዋ ጓና” ኢሉ፣ ነዞም ሰላምና ክዝርጉ የማን ፀጋም ዝብሉ ዘለዉ ፀረ-ሰላም ሓይልታት ኣበደን!! ክብሎም ይግባእ፡፡

ክብርን ሞገስን ንስውኣት!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ 
መቐለ
27 መጋቢት 2011 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons