/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዑደት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ጣብያ ቃል ኣሚን ካብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ

እተን ንሪአን ዘለና ጐቦታት ናብ ሙሉእ ልምዓት ዘቐይር ስራሕ ዝጀመርኩም ብምዃንኩም ንዝገበርኩምዎ ስራሕ፣ ምርብራብ ሕብረትን ተወፋይነትን ዝለዓለ ምስጋና ከቕርበልኩም ይፈቱ፡፡

እዚ ቦታ እዙይ ከምዙይ ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ብምዃኑ ጣብያኹምን ናይ 2011 ስራሕትኹምን መዘከርታ ስውኣት ገይርኩምዋ ኣለኹም፡፡ ስውኣት እነልዕሎም ሱቕ ኢልና ኣይኮናን፡፡ ንሳቶም ንውልቆም ኣይኮኑን ሓሊፎም፡፡ ንሕና ክሓልፈልና፣ ካብ ድኽነት ክንወፅእ፣ ካብ ድሕረት ክንናገፍ፣ ክንለምዕን ፅቡቕ ናብራ ክህልወናን ኢሎም እዮም፡፡ ተሰዊኦም፡፡

ስለዝኾነ ኩሉ ሻዕ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ‘ውን ከም ዝበሃልሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን እንብሎ ልዕሊ ኹሉ ንዕላምኦም’ዩ፡፡ ስውኣትና ኣብ ዝኾነ ይኹን ይስውኡ ኣብ ኩሉ እዮም ተዘሪኦ ዘለዉ፡፡ ተዘሪኦም ዘለዉ ጅግንነቶም ንምርኣይ ዘይኮነስ ስርዓት ክቕየር፣ ግፍዒ ይኣክል ክበሃልን ሰናይ ምምሕዳር ክዕምብብን ኩሉ ክሓልፈሉን ኢሎም ኢዮም ፎቐድኡ ተዘሪኦም ዘለዉ፡፡

ጀጋኑ ስማእታት ትግራይ ዝወደቑለን እምባታትን ሩባታትን ክጥጥዓ፣ ብሓምለዋይ ኣግራብ ክምዕርግ ከምኡ’ውን ፈላፍል ዘይነፅፍ መፋስሳት ክኸውን ለይቲን ቀትሪን ክንሰርሕን ክንለፍዕን ኣለና። ሓደ ከም ህዝቢ መነባብሮና ክመሓየሽን ካብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ድሕረትን ክንናገፍ ዘለዉና ፀጋታትን ዓቕሚታትን ኣራቢሕና ጭቡጥ ለውጢ ክነረጋግፅ ክንግስግስ ይግባእ፤ ስንፍና ክህሉ የብሉን።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሕድሪን መፅበዓን ሰማእታት ትግራይ ብልምዓት ንምድባስ ብዝለዓለ ሕራነን ኒሕን ብምርብራብ ኩለመደያዊ ምዕባለ ዝተረጋገፀላን ኩሉ ዓይነት ጠለባት ህዝባ እተማልእን ትግራይ ንምህናፅ ብዝተዓፃፀፈ መዳይ ክንሰርሕ ይግባእ። ተበቲንና እንተይኮነስ ተሓባቢርና ዘይንሰግሮ ፀገም፣ ዘይንፈትሖ ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር፣ ዘይንፈጥሮ ዕድል ስራሕን ዘይነረጋግፆ ልምዓትን የለን።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስት ክልል ትግራይ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons