ሰሙናዊ መልእኸቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

“ትካላት ት.እ.ም.ት ሰረት ኢንዳስትርያላዊ ምዕባለ እየን”!!

ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ኹሉ ሰሪዐ ዝሪኦ፣ ቐንዲ ፀላእየን ምንጪ ኩሎም ፀገማተይን ድኽነት እዩ ኢሉ፣ ኩሎም ዓቕምታቱን ጠመትኡን ብኣውርኡ ኣብ መኸተ ድኽነት ጌሩ ክረባረብን ክቃለስን ፀኒሑ፡፡ ከም ውፅኢት እውን ኣብ ማሕበረ ቑጠባዊ ዓቕምታቱ ተስፋ ዋሃቢ ዓወታት እንዳመዝገበ መፂኡ እዩ፡፡ ሐዚ እውን ኣብ ኣንፃር ፀረ- ልምዓትን ሰላምን መኸተ ኮይኑ፣ ካፍቲ ቐንዲ ውራዩ ንፃት እዉን ኸይኹለፍ ብማዕበላዊ ህዝባዊ ድጋፍ ይምርሽ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዘጥረዮ ሃፍቲ፣ ካብ ኣባላት፣ካብ ወፃኢ ዝተረኸቡ ሓገዛት ዝተዋህለለ ደገፍን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣማራፂታት ዝፈጠረሉ ዕድላት ተጠቒሙ ዘጥረዮ ሃፍተ-ገነት ብመስዋእቲ፣ መጉዳእቲ፣ ፃዕርን ድኻምን ህዝቢ ትግራይ ዝፈረየ ጥሪትን ፀጋታትን ነታ ብሰንኪ ዱሑራትን ፀረ-ህዝቢ ስርዓታትን ሰንሰን ዝበለትን ፣ ንብርክት ዝበሉ መዋእላት ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ብርኪ ድኽነት ዝፀንሐት ትግራይ መትከሊ እግሪ፣ መፅለሊ ክኾና ቅድሚ 24 ዓመታት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ተጣይሹ እዩ፡፡ እዛ ትካል ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ትግራይ ክፈትሕ፣ ሰረት ቀፃላይ ምዕባለ ክኾን ብእሩይ ቁፅር ተፀኒዑ፣ ዘይምለስ ወፈያ ተባሂሉ ብሕጋዊ መንገዲ ኢንደውመንት ምግባረ ሰናይ ኮይኑ ዘመሓድሮ ድማ ፋውንዴሽን ተባሂሉ ነሓሰ 1987 ዓ/ም ብሕጋዊ መንገዲ ብናይ ኢት/ፍ/ሕጊ 1952 ዝተጣየሸ ትካል’ዩ። እዚ ታሪኻዊ ዉሳነ ብልዑል መስዋእቲ፣ መጉዳእትን ፃዕረ ድኻምን ዝተጠረየ ሃፍቲ ህዝቢ፣ ካብ ምቅርማት ዝያዳ ቀፃላይ ወለዶ ዝርበሐሉ፣ ተሪር ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጢ ክጋሃድ ተሓሲቡ ዝተወጠነ ብምንባሩ ድማ ገዚፍ ናእዳን ክብርን ዝወሃቦ ውሳነ’ዩ።ስለዚ ትግራይ ፀገማታ ክእለ፣ ክብረትን ምዕባለን ክትውንን ዘላዓለ ንጥፈታት ት.እ.ም.ት ብሓያል ብሄራዊ ስምዒት ቐፂሉ ኣሎ። ዛጊድ ብርክት ዝበሉ ሰረት ኢንዳስትሪ ተነፂፎም፣ 22,000 ወገናት ዕድል ስራሕ ረኺቦም ፣ ከምኡ ዉን ምንጪ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ኮይኑ፣ ሸርፊ ወፃኢ ፈጢሩ፣ ንኣውፈርቲ ርእሰማል ውሽጢ ዓድን ወፃእን ማእኸል ስሕበት ኮይኑ ባህሊ ኢንዳስትሪ ንኽዓቢ ሓያል መንፀፍ ኣብ ምንባር ይርከብ። 
ት.እ.ም.ት ካፍቶም ዘጣየሾም ትካላት፣ ኢንዳስትርታትን ፋብሪካታትን ብተወሳኺ ቀንዲ መጣየሺ ዕላምኡ ግብረ ሰናይ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዚ ዓውዲ’ውን ካብ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ሰፋሕቲ ዕማማት ተሳሊጡ። ንኣስታት 15 ሽሕ ስድራ ስውኣት ሓገዝ ብምሃብ ፣ ንዝተፀገሙ ተጋደልቲ እግሪ መትከሊ ፕሮጀክትታት፣ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ትሕቲ ቅርፂ፣ ሳዕቤን ሓደጋ ድርቂ ምንካይ፣ ደገፍ ማሕበራትን ውዳበታትን ከምኡ’ውን ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብምስራሕ ሓጊዙ። ብድምር ንስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ሓፈሻዊ ልዕሊ 1.7 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ጌሩ። 
ሎም ዘበን ድማ 442 ሚሊዮን ብምፅዳቕ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ትርከብ። ት.እ.ም.ት ኣብ መመስረቲ ፁሑፉ ከም ዘቐመጦ ዋንነቱ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ ቤት ምኽሪ፣ ቦርድ፣ ካልኦትን ኣብያተ ፅሕፈት ናይ ደገ ኦዲተር ሓዊሱ ዝዓምም ትካል’ዩ። ብምኻኑ ንዝበለፀ ግልፅነትን ተሓታትነትን ፣ ኣሳታፋይነትን ምዕቡል ኣሰራርሓታትን፣ ምስ እዋኑ ዝኸዱ ጠለባት ህዝቢ ንምምላስ ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክኸውን ተገይሩ ኣሎ። 
ትካላት ትእምት ሕዚ’ውን ሓፂናዊ ብርኪ ህዝቢ ትግራይ እየን። ዝሓሸ ቁጠባዊ ሓርነትን ለውጥን ክፍጠር፣ ትራንስፎርሜሽን ክረጋገፅ ዘይተሓለለ ኣበርክቶ ከምዘለወን ክፍለጥ ይግባእ። ነዘን ትካላት ጠቐር ኣብ ምኽዳን ዝርከቡ ኣካላት ድማ ትማሊ ብቓልስና ዝሰዓርናዮም፣ ፀረ- ልምዓትና ህላዌናን ሰላምናን ሓይልታት ትማሊ ይኹን ሎሚ ዝገላበጥ ታክቲክን ስትራቴጂን ሓንፂፆም ብዘይዕረፍቲ ይሰርሑ ኣለዉ። ድሌቶምን ሃንቀውትኦምን ግልፂ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲ ክልሉ ነፂሎም ክወቕዑን ከም ህዝቢ ክብተንን ሃቒኖም እንተኾነ ግና ገድላዊ ውርሻታትና ዳግምቡቑሊ ሚሊዮናት ኮይኑ፣ ነፂሩን ሓይሉን ዝግስግስ ንፍትሓውን ማዕረ ተጠቃምነት ደው ዝበለ ህዝባዊ መስመርና ሕዚ’ውን ቀፃሊ’ዩ። ሰለዝኾነ ትካላት ት.እ.ም.ት ንዝበለፀ ኢንዳስትርያላዊ ማእቶት ክሰጋገራ ስሙር ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ክነካይድ መንግስቲ ክልል ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒቱ የቅርብ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና ! 

መቐለ- ትግራይ 
መጋቢት 20/2011 ዓ/ም 
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons