ሃገራዊ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ብዘይ ኣዕጋቢ ምኽንያት ክናዋሕ ምውሳን ኣግባብነት ከምዘይብሉ መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቆፀራ መንግስቲ ፌደራል ሃንደበት ብዝፀውዖ ህፁፅ ኣኼባ ንዘይተወሰነ ግዜ ንክናዋሕ ምውሳኑ ኣሰራርሓ መንግስቲ ግልፅነት ይጎድሎ ምህላዉ ዘመላኽት ምዃኑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንዳስትርን ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ 17/07/2011 ዓ.ምንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን፣ በቢ ዓመቱ ንክካየድ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ከምዝድንግግ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ በቢግዚኡ ንክናዋሕ ምውሳን ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። “ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ፣ ቀሊል ዘይበሃል ወፃእታት ተገይሩ ከብቅዕ ዝተፈለየ ፀገም እንተየጋጠመ ንክናዋሕ ምውሳኑ መንግስቲ ብህዝቢ ዘለዎ ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ንክኣቱ ዝገብር እዩ” ድማ ይብሉ።

እዚ ኩነታት፣ “ዓቕሚ ምፍፃም መንግስቲ ትሑት ምዃኑ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ውሳነታት መንግስቲ ብኻልኦት ሓይልታት ዝፅለ ከምዝኾነ እውን ዘርኢ እዩ” ብምባል ገሊፆም። ስለዚ መንግስቲ ነዚ ዓብዪ ጉዳይ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘይብሉ እንትኾይኑ እውን ብግልፂ ከቐምጥ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ቆፀራ “ተናዊሑ” ክሳብ ዝበሃል ኣብ ዝተገበሩ ምድላዋት እጃም ዝነበሮም ኣካላት ምስጋና ከምዝግበኦም ተገሊፁ እዩ። ብመሰረት እዚ ቆፀርትን ተቖፃፀርትን፣ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣካላት መንግስቲ፣ ሓለፍትን ሰብሞያን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ጨንፈር መቐለን ሽረን፣ ኣካላት ሚድያ ከምኡ እውን ድልውነቱ እናርኣየ ዝመፀ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ምስጋና ይግብኦም ተባሂሉ።

ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 20 ሚያዝያ ንክካየድ መርሃ ግብሪ ወፂእሉ ኩለን ክልላት ምድላዋት እናገበራ ዝፀንሓ ኮይነን ብፍላይ ብወገን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ቆፀራ ብዕውትነት ንክካየድ ዘኽእል እኹል ምድላው ዛዚሙ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ፍልፍል፡- ጋዜጣ ወይን

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons