ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዓል ዋናነትን ኣፈፃፅማ ስራሕን ትእምት በቢ ብርኩ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ዋዕላታትን ሕቶታት እናተልዓሉ ከም ዝመፁ ብምሕባር ብፍላይ ድሕረ ብዕምቆት ምሕዳስ በቢብርኩ ዘሎ ቦርድ ይኹን ቤት ምኽሪ ትእምት ኢሉ’ውን ካብኡ ወፃኢ ዘሎ ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ መፅናዕትታት እናተገበሩ ፀኒሖም ኢለን፡፡

 

ከም ሓደ ፍታሕ ድማ ኣፈ ጉባኤታት ወረዳ፣ ከተማ፣ ክ/ከተማን ኢሉ’ውን ዞባ መቐለን ክልልን ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት እንትኾን ትእምት ናይ ህዝቢ ትካል ብምዃኑ ድማ ብወኪሉ ዝኾነ ቤ ትምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቢሉ ሓፈሻዊ ፀብፃቡ እናተርኣየን እናተገምገመን ከም ዝኸይድ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons