መግለፂ ቅዋም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ብሄራዊ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ንተቐባላይ ጋሻ ጭዋ ህዝቢ ትግራይን ንነበርቲ ከተማ መቐለን፣ ብፍላይ ንኣፍቀርቲ ስፖርት እንኳዕ ንሳልሳይ መላእ ሃገር ለኸ ፀዋታታት ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰላም ኣብፀሐኩም እንትብል ዝለዓለ ክብርን ሐበንን ይስመዖ፡፡ መዳለውቲ ኣካላት፣ ድማ ትግራይ እዚ ዓብይ ውራይ ናይ ምድላው ዓቕምን ተኽእሎን ኣለዋ፣ ኢሎም እምነት ብምሕዳሮም ዝተውሃበና ህዝባዊን ሃገራዊን ሓላፍነት ድማ ህዝብና ሒዝና ከም እነዐውቶ ኣይንጠራጠርን፡፡

ሳልሳይ መላእ ሃገር ለኸ ፀዋታታ ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ብሄር፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ብዘይምንም ስክፋት ቀሲኖም ዝነበሩላን፣ መስሕብ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ኣብ ዝኾነት ናይ ትግራይና ርእሰ ከተማ መቐለና ካብ 14-29 መጋቢት 2011 ዓ.ም ክካየድ እዩ፡፡ ኣብዞም ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት “ኣብ ውድድር ስፖርት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሰላማዊን ማሕበራዊን፣ ርክብ ተምሃሮ ብምሕያል፣ ባህሊ ሓቢርካ ምንባር ምምዕባል” ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ብ20 ዓይነት ስፖርታዊ ፀዋታታት ዝካየድ፣ መደብ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ፣ ናይ ምምሕድዳራት ኣ/ኣበባን ድሬዳዋን ሓዊስካ ካብ ኩለን ክልላት ዝተወከሉ ብድምር 3314 ተፃዋቲ ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዮም፡፡ ትግራይ ድማ 575 ስፖርተኛታት ክተሳትፍ እያ፡፡

ትግራይና ሳልሳይ መላእ ሃገር ለኸ ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ክተተኣናግድ ዝተሓረየትሉ ምኽንያት፣ ብቀንዱ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ሰላምና ውሕስ ብምግባሮም እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ብሄራዊ ማንነቶም፣ መድሓንቶም ካብ ዝተቀበረሉ መረበቶም፣ ብፀረ-ሰላምን ፀረ-ልምዓትን ሓይልታት ብሚልዮን ዝቑፀሩ ወገናት ተፈናቒሎም እዮም፡፡ ካብ ትግራይና ግን ብምኽንያት ብሄርን፣ ብሄረሰባዊ ማንነትን፣ ዋላ ሓደ ሰብ ክፈናቐል ኣይተገበረን፡፡ እዙይ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ህዝብን መንግስቲ ትግራይን ” ብሄራዊ ማንነት ብዘየገድስ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ክኽበር ኣሎዎ” ዝብል ፅኑዕ እምነትን ክብርታትን ስለ ዘሎዎምን፣ ካብ ዝኽተልዎ ዴሞክራሲያዊን ህዝባዊ መስመርን ፈተኽ እንተይበሉ፣ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ግቡእ ክብሪ ሂቦም፣ ሰላሞም ውሕስ ገይሮም፣ ኣንፃር ቀንዲ ፀላኢኦም ድኽነት እናተረባረቡ ሰላሞም ውሕስ ስለዝገበሩ፣ ትግራይ ብዘይምንም ሽግር ፣ሳልሳይ መላእ ፀዋታታት ስፖርት ተምሃሮ፣ ብዕውት ኣገባብ ከምዝዛዘም ስለ ዝተኣማመን እዩ፡፡

ስለ ዝኾነ ትማሊ ይኹን ሎሚ፣ ህዝቢ ትግራይ ምስ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ቅርሕንትን ባእስን የብሉን፡፡ ኣብዞም ብዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ነዚ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዘሳውርዎ፣ ካብ ውሽጥን ደገን ዝተኣከቡ ፀረ-ሰላምን ፀረ- ልምዓት ሓይልታት እዮም፡፡ እዞም ሓይልታት ብዝፈጠርዎ ሽግር፣ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓሳረ መከረኦም ይበልዑ ኣለው፡፡

እዞም ፀረ- ሰላምን ፀረ- ልምዓትን ሓይልታት፣ ሃገርና ካብ ትንሳኤ ለውጢ ጉዕዞና ኮሊፎም፣ ኢትዮጵያ ናብ ቀልቀል ገደል ኣብፂሖምዋ ኣሎዎ፡፡ እንተኾነ ጠቕሊሎም ከይበታትንዋ፣ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ዋሕሶም ዝኾነ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትና ክድሕን ምእንታን ብሓባር ክንቃለሱ በዚ ኣጋጣሚ መልእኽትና ነሕልፍ፡፡
ኣብ መወዳእታ ወከልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣ ዝኾኑ ስፖርተኛታት ተምሃሮ፣ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ህዝባዊ ፍቕሪ ብምርኣይ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፀረ- ሰላምን ብፀረ-ልምዓትን ሓይልታት ዝተውሃቦም፣ ሽማ ሽም ዘይእንታዮምን ዘይግበኦምን ምዃኑ ብተግባር ንርኢ፡፡ ብሓፈሻ ሕድሕድ ትግራዋይን ነባሪ ከተማ መቐለን፣ ብፍላይ ኩሉ መንእሰይና፣ ማሕበር መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኩሎም ናይ ስፖርት መሓውራት፣ መፍቀርቲ ስፖርት፣ ስፖርተኛታት ትግራይ፣ ኩሎም ናይ ፀጥታ ኣካላት፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ሆቴላት፣ ሰብ ባጃጅ ሓዊስካ ኩሉኹም ኣብ ትራንስፖርት ዝተዋፈርኩም ኣካላት፣ ሳልሳይ መላእ ሃገር ለኸ ፃውታታት ስፖርት ተምሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ከምቲ ኣቀባብልኡ ድሙቕ ገይርኩም፣ ኣካይድኡ ሰላማዊን ሰናይ ስፖርታዊ ጨዋነት ዝዓሰሎ፣ መወዳእትኡ ድማ ምዕሩግን ስነ-ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ምእንታን ክዛዘም፣ ንኣጋይሽና ግቡእ ክብርን ኣድላይ ክንክንን ብምግባር፣ ህዝቢ ትግራይ ጭዋ ህዝቢ ምኻኑ ብጭቡጥ ብምርኣይ፣ ተሳተፍቲ ሳልሳይ ፃወታታት ብመስተንግዶና ክዓግቡ ብምግባር ሕዚ ዘሎ ኣወንታዊ ምስሊ ትግራይና ንካልኦት መርኣያ ኣብነት ኮይኑ ንክቕፅል፣ ሕድሕድና ኣምባሳደር ህዝብ ትግራይና ኮይንና ክንቀሳቀስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብኽብሪ ይፅውዕ፡፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ
መጋቢት 13/2011 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons