ታሪኽ ክፍሊ ጠለፋ 00 ዘዘንቱ መፅሓፍ 14 መጋቢት 2011 ዓ/ም ከምዝምረቕ ተገሊፁ፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግፍዓዊ ስርዓት ደርጊ ደምሲሱ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ካብ ዘኸአልዎ ሓደ ኾይኑ ከም ማእኽል ሓበሬታ ዘገልግል ዝነበረ ክፍሊ ስለላን ማእኸል መረዳእታን ክፍሊ ጠለፋ 00 ምዃኑ ጀነራል ዶ/ር ተክለብርሃን ወልደኣረጋይ ሎሚ 10/07/2011 ዓ/ም ኣብ ትሕዝቶን ኣገዳስነትን እቲ ንምረቃ ዝተዳለወ “ሞጎድ ኣስጋሪ” ዘርእስቱ መፅሓፍ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብሪሆም፡፡

ምውናን ልዑል ሓበሬታ ፀላኢ ናብ ዓወት የሳግር ዝበሉ ጀነራል ዶ/ር ተክለብርሃን ክፍሊ ጠለፋ 00 ‘ውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ደርጊ ዝኣክል ግዙፍ ሰራዊት ንምስዓር ካብ ዝገበርዎ ብዙሓት ናይ መረዳእታ መሓውራት ሓደ ዝኾነ ናይ ጠለፋ ክፍሊ 00 ዝርከብ ዝነበረ መረዳእታ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ስነ ስርዓት ምረቃ ታሪኽ ፈላማይ መረዳእታ ጠለፋ ኢትዮጰያ ዘዝንቱ መፅሓፍ እውን ኩሉ ሰብ ንርከብ ዓዲሞም ፡፡

“ሞገድ ኣስጋሪ” ታሪኽ ጠለፋ 14 መጋቢት 2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ክምረቕ እዩ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons