ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ እዋን ተመዛቢሎም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ህዝቢ ጌድኦ 5 ሚልዮን ብር ሓገዝን ኣብቲ ከባቢ ከይዶም ህፁፅ ሞያዊ ሓገዝ ዝገብሩ 15 ዶካትርን 10 ነርስታትን ብሓፈሻ 25 ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓዘ ጉጅለ ብምልኣኽ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጌድኦ ጠጠው ከም ዝብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ሎሚ ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ፤ መንግስቲ ትግራይ ዋላኳ ብዘጋጠምዎ ህፁፅ ሓገዝ ዝደልዩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተመዛበሉ ወገናትን ግዜ ዘይህብ ፃዊዒት ሓገዝ ክልላዊ ልምዓትን ኣብ ዝተፃበበ ኩነታት እንተሃለወ ከም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዘለዎም መትከልን ዝሓዝዎ ህዝባዊ ውግንናን ኣብ ጎኒ እቶም ዝተጎድኡ ወገናት ምዃኖም ንምርኣይ ዝተገበረ ሓገዝ ምዃኑ ኣረዲአን፡፡

እዚ ህፁፅ ሓገዝ ኣካል እቲ ህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ጌድኦ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምሕጋዝ ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ምዃኑ ዝገለፃ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብቐፃልነት ዓቕሚ እቲ ክልል ብዝፈቕዶ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጌድኦ ጠጠው ከምዝብል ኣረጋጊፀን፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons