ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ!!

ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠን ድኽነትን ስእነት ስራሕን ንምቕራፍን ሓደሽቲ መደባት ልምዓት ንምፍፃምን ናብ ህፁፅ ምንቕስቓስ ብምእታው ኩለመዳይ ዓቕሚ ዝወነነትን ዝተለወጠትን ትግራይ ንምህናፅ መንግስቲ ትግራይ ኮሜቴ መተኣኻኸቢ እቶት ኣጣይሹ ይንቀሳቐስ ምህላው ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓትን ውሕስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ምትእኽኻብ እቶት ዝተወደበ ተሳትፎ ህዝቢ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ከም መግለፂ ኣይተ ዳኒኤል፤ ብማእኸላይን ክልልን መንግስቲ ዝምደብ በጀት ካብቶም ልሙዳትን ስሩዕን ምንቅስቓስ ልምዓት ሓሊፉ ዓበይትን ዝተዓፃፀፉን ስራሕቲ ልምዓት ንምስላጥን ንምስፋሕን ዓቕሚ የብሎምን፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ዝነብር ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ፣ ኣብ መላእ ሃገርን ካብ ሃገር ወፃእን ዝነብሩ ትግራዎት፣ፈተውትን ደገፍቲ ልምዓት ትግራይን ነዚ ብመንግስቲ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ ” ብዝብል መሪሕ ቃል እቶት ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ፃውዒት ተቐቢሎም ኣብ ህንፀት ዓዶም እጃሞም ከበርክቱ ተላብዮም፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons