05/07/2011 ዓ/ም
===========
ብብርኪ ሃገርን ክልልን “ሰለዝተቖፀርኩ ተጠቃሚ እየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 29 መጋቢት – ሚያዝያ 20 2011 ዓ/ም ዝሳለጥ 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኣመልኪቱ መግለፂ ተዋሂቡ፡፡

ፈፀምትን ኣፈፀምትን ኣከላት፣ ማሕበራትን ትካላት ሚድያን ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኣብ ፖለቲካዊ፣ቁጠባውን ማሕበራውን ዕብየትን ተረባሕነትን ዘለዎ ዕዙዝ ብፅሒት ብዝግባእ ተረዲኦም ንዕውትነት እቲ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ካብኦም ዝፅበ ብፅሒት ኩሉ ንኽፃወቱ ም/ር/ምምሕዳርርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዱስትሪን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ካብ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዝርከብ መረዳእታ ንዕብየትን ህልውናን ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ብምዃኑ እቲ ዝግበር ቆፀራ ብንቕሓትን ጥንቃቐን ክምራሕን ክእከብን ኣለዎ ምስበሉ፤መንግስቲ ን10 ዓመታት ዝፀንሕ ልምዓታዊ ትልምን ስትራቴጅን ንምሕንፃፅ ካብ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ዝተረኸበ መረዳእታ ከምሓደ መሰረታዊ እታወት ከም ዝጥቐም ህዝቢ ፈሊጡ ቅድምን እዋን እቲ ቆፀራን ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ፀዊዖም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons