ብፅንዓት ኣብ ዝተነፀሩ ክፍተታት መሰረት ዝገበረ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናተሳለጠ ይርከብ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ኣብያተ ዕዮ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ብፅንዓት ዘነፀሮም ሕፅረታት መሰረት ገይሩ ኣብ ሞያ ኮምዩኒኬሽ፣ ርክብ ህዝብን ጋዜጤኝነትን እኹል ፍልጠት ብዘለዎም ሰብ ሞያ ንሓለፍት ኣብያተ ዕዮ ክልል፣ ንክእላታት ፕረስን ርክብ ህዝብን ዞባታትን ወረዳታትን ሞያዊ ስልጠና እናሃበ ይርከብ፡፡

እቲ ስልጠና ኣብ ስርዓት ኣጠቓቅማ ውፅኢታዊ ኮሙኒዩኬሽ፣ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ፣ ቀረፃን ስርፀት መልእኽትን ትኹረት ዝገበረእዩ፡፡

ዕላማ እቲ ስልጠና ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ ካብቲ ስልጠና ዝርኸውዎ ፍልጠት ማእኸል ገይሮም ኣብ ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ዘድህቡ ዓበይቲ ስራሕቲ ኮምኒዩኬሽንን ርክብ ህዝብን ንኽውግኑ ዘኽእል ዓቕሚ ምፍጠር እዩ፡፡

እቲ ኣብ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ እዚ ክልል ብምግምጋም ዝተጀመረ ሞያዊ ስልጠና ፅባሕ እውን ክቕፅል እዩ፡፡

 

 

 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons