ኣብ ከይዲን ትግበራን 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ንጠርነፍት፣ ትምህርትን ምልዕዓል ኮሚቴን ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡

ብብርኪ ሃገር ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 20 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ን4ይ ግዘ ንዝሳለጥ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ ንብብርኪ ወረዳን ዞባን ጠርነፍትን ትምህርትን ምልዕዓል ኮሚቴ ኣብ ዙርያ 4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን እኹል ግንዛበ ንምትሓዝ ኣብ ከተማ ኣክሱም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ምስ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ብምትሕብባር እናተሳለጠ ይርከብ፡፡

እቲ ስልጠና ካብ 7 ዞባታትን 52 ወረዳታትን ኣብያተ ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይን ካብ 4 ላዕለወት ትካላት ትምህርቲን ዝተወፃፅኡ ተሳተፍቲ ዝተሳተፍሉ ዘለው ‘ዩ፡፡

እቲ ስልጠና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ርእሰ ጉዳይ ስልጠና ኣሰልጠንቲ ሰልጢኖም ብዝመፁ ክኢላታት ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲ ከምዝቕፅል ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡

4ይ ዙር ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ኢትዮጵያ “ስለ ዝተቖፀርኩ ተጠቃሚ እየ!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳለጥ እዩ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons