ልዕሊ 620 ስድራ ስዋኣት አብ ዓበይቲ ትካላት ዑደት ኣሳሊጦም ፡፡

ብቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምራሕ ካብ መላእ ወረዳታት ትግራይ ዝመፁ ልዕሊ 620 ስድራ ስዋኣት “ስዋኣትና መሰረት ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም ፡፡

እቲ ኮንፈረንስ ካብ 7-9 ለካቲት 2011 ዓ.ም ካብ መላእ ወረዳታት ትግራይ ዝመፅኡ ልዕሊ 620 ስድራ ስውአት ክርከቡ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ጋዜጣዊ መግለፂ ምሃበን ይዝከር ፡፡
ብዙይ መሰረት ካብ መላእ ወረዳታት ትግራይ ዝመፅኡ ስድራ ስውአት ሎሚ ዕለት 07 ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንግነሪንግ፣ ፓወር ኢንጅን፣ ኢንዳስትርያል ፓርክን ዑደት ኣካይዶም፡፡

ስድራ ስውአት ኣብ ናይ ዓበይቲ ትካላት ዑደት ድሕሪ ምክያዶም ውፅኢት ናይ ስድረኦም ፍረ ኣፍርዩ ብምርኣዮም ታሕጓሶም ወሰን ከም ዘይብሉ ብምግላፅ ቃል ስውኣትና ንምዝካር ኩላትና ኣብ ልምዓትናን መንግስትናን ጎኒ ብምስላፍ ሓድነትና ብምጥንኻር ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፡፡

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons