ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብ60 ሚልዮን ብር በጀት ዝተዓደጋ 62 ኣምቡላንሳት ንኸመሓድርን ክትትል ደገፍን ንክገብረለንን ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተረኪቡ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ ብመሰረት ኣብ ክልል ተበፃሕነት ሕክምና ለውጢ ዝኣተናዮ ዳርጋ ኩለን ጣብያታት ሕድሕደን ሓንቲ ኣምቡላንስ ዝረኽባሉ ኩነታት ዝተፈጠረ እንትኸውን፤ እተን መኻይን ኣዴታትን ህፃናትን ብሰንኪ ስእነት መጓዓዝያ ዘጋጥምዎም ፀገማት ብምቕራፍ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዓብይ ግደ ክህልወን እዩ ኢሎም፡፡

ድሕሪ ሐዚ ድማ ንግልጋሎት ንግልጋሎት ከሕክምና ዝመፃ መካይን ኣብ ወረዳ ዘይኮነስ ኣብ ጣብያ ወሪደን ስራሕተን ንክውግናን ንሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ንክህባን ብማሕበረ ቀይሕ መስቀል ንክመሓደራ ከምዝተወሰነን ዶ/ር ደብረፅዮን ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ብወገኖም፤ ኣብ ትግራይ ሐዚ 253 ከምዘለዋን ትግራይ ኣብ ምቕናስ ምትካኽ ሽጋራ ብዘመዝገበቶ ዓወት ካብ ፌደራል ዝተሸለመቶ ሓዊሱ 140 ተወሰኽቲ ኣምቡላንሳት ካብ መንግስቲ ፌደራል ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons