ብ ዶ.ር ክንፈ ኣብርሃ (መቐለ ዪኒቨርስቲ)

ኣብ ውሽጢ ሃገራት ይኹን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘጋጥም ወይ’ውን ከጋጥም ዝኽእል ጎንፂ እተን ሃገራት ንልምዓት ከውዕለኦ ዝነ በረን ፀጋታት ብሙሉኡ (ጊዜ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ንዋትን ካልኦት ጥሪትን) ካብ ምብላዕን ኣብ ዘይመዓሉኡ ምውዓልን ሓሊፉ እዚኣ እያ እትበሃል ዋላ ሓንቲ ጥቕሚን ረብሓን ነይሩዎ ኣይፈልጥን፣ ክህሉዎ እውን ኣይኽእልን። እቱ ሓቂ እዙይ ኮይኑ እናሃለወ፤ ሕዚ’ውን ሰባት እንትጓነፁ፣ እንትጋጨ’ዉን ኣብ ዕግር ግር ኣትዮም ንብረት እንትዓኑ፣ ኣካል ሰብ እንትጎድልን ሂወት ሰብ እንትጠፍእን ኢና ንዕዘብ። እዚ መስደመም ዝኾነ ጉዳይ እዙይ ምናልባሽ’ውን ደቂ ሰባት ብፍላይ ድሕሪ እዋን ምልስ ኢሎም ክሪኡዎ እንተለዉ “ሰኣን ቁሩብ ዕግስ ምባል፣ ሰኣን ቁሩብ ቁጥብ ምባልን ሰኣን ተረዳዲእኻ ምሕታሕን እኮ እዩ . . .” ኢሎም እንትሓቱን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም እንተስተንትኑን ጣዕሱኡ ዝወፀሎም ኣይመስለንን።

ኣሌክሳንደር ዝተባህለ ምሁር ብዛዕባ ጎንፂ እንትገልፅ፤  “ጎንፂ ካብ’ቶም ንልምዓት ዝኾነት ትኹን ሃገር ብኣሉታዊ መልኩዑ ዝፀልዉ እቱ ሓደን ቀንዲን እዩ። ጎንፂ ኣብ ልምዓት ክዉ ዕል ዝነበረ ፀጋታት ናብ ዘይተሓስበ ነገርን መዕነዋይ ዉራይን ስለዘዉዕለልና ተደላዪ ነገር ይኮነን” (ኣለክሳንደር 2005 ዓ.ም.ፈ)ክብል ይገልፆ። ኣብ’ዙ ሎሚ እዋን ኣፍሪቃ ካብ’ተን ብጎንፂ ዝሕመሳ ዘለዋ ኣህጉራት እታ ሓንቲን ቀዳመይቲን እያ። ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ጎንፂታት ድማ ብኣብዛሓ እንትረአዩ ሱሮም ኣብ ምዕራባዉያን ሃገራት ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። እዙ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋ ጥም ዘሎ ጎንፂታት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዘበናት እናተጋደደ ዝመፀ እንትኾን እቱ ሓደ መርኣዪ እቶም ከጋጥሙ ፀኒሖም ዝኒሀዉ ጎንፂታት እዉንብሰንኪ ወሰንን ድምበርን እተን ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ጎንፂ እዩ። እዙይ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽኒያት እዉን እቱ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ እንሪኦ ዳገት ወይ ድምበር ህዝቢታት እተን ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎሙሉ፣ ዘትዮምሉን ተመያይጦሙሉን ስለዘይተጠረረ እዩ።

ስለዝኾነ’ዉን ሓደ ብሄር ወይ ብሄረሰብ ኣብ ክልተን ሰለስተን ሃገራት ተገማሚዑ ንሪኦን ንረኽቦን። ከም ኣብነት ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ጥቓኣ ዘለዋ ሃገራትን እኳ እንትንርኢ እዙ ዝስዕብ ንዕዘብ፤

ብሄረ ዓፋር ከም ህዝቢ ብሓደ ክኾኑን ክነብ ሩን እናተገበኦም ገሊኦም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገሊ ኦም ኣብ ጅቡቲን ገሊኦም ድማ ኣብ ኤር ትራ ንረኽቦም፣

  • ብሄረ ሶማሊ ከም ሓደ ገሊኦም ኣብ ኢትዮ ጵያ ገሊኦም ድማ ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ንረኽቦም፣
  • ብሄረ ኣኝዋክ ከም መጠን ኣሓት ህዝቢ ብሓደ ክኾኑ እናተገበኦም ገሊኦም ኣብ ኢት ዮጵያ ገሊኦም ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን እኒሀዉ፣
  • ተጋሩን ኩናማን እዉን ብተመሳሳሊ መንገዲ ገሊኦም ኣብ ኢትዮጵያ ገሊኦም ኣብ ኤርትራ እንትነብሩ ንዕዘብ።

ባዕዳዉያን ወረርቲ ሓደ ዓይነት ህዝቢ ኣብ ክልተ ሰለስተ ዓዲታት ወይ ሃገራት መቓቒሎም እንተብቅዑ እተን ዝገዝኡወን ዝነበሩ ሃገራት ራሕሪሖመን እንትወፁ ድማ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሓዩ ቁስሊን በሰላን እዮም ገዲፎሙለን ከይዶም፤ ሓደ ዓይነት ህዝቢ፣ ሓደ ዓይነት ብሄር ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ቦታታት ዝመቐለ ጉዳይ ድምበር። ስለዙይ ጉዳይ ድምበር ኩሉ ሻዕ ብኣዉሮጳዉያን ዝተነበረ ወይ ዝተገደፈ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብፍላይ ድማ ጎረባብቲ ሃገ ራት ዘሎን ዝነብርን ኩርኳሕ እዩ።

ዋላ እኳ ምዕራባውያን ከምኡ ዓይነት ብቐሊሉ ዘይበሊ በሰላታት ገዲፎሙለን ይኺዱ እምበር እቶም ናብ ክልተን ሰለስተን ሃገራት ዝተመቓቐሉ ህዝብታት ግን እቱ ብም ዕራባዉያን ዝተገደፈ በሰላ ናብ ዘተኣማምን ዋሕስ ብምቕያር እቱ በቶም ባዕዳዉያን ወረርቲ ዝተሓንፀፀ ሰብ ስራሕ ድምበር ኣብ መሬት ይኹን ልቢ እቶም ሰባት ብዕሊ ስለዘይ ነበረን ብሓቂ እዉን ስለዘይቕበሉዎን፤ እቱ ድምበር ነተን ሃገራት ከፈላሊ ዝተጠረረ ጠረ ር እንተይኮነስ ነቶም ህዝቢታት ከራኽብ ዝተሓንፀፀ መራኸቢ ድልድል እዮም ገይረሞ ፀኒሖም።

ከም ኣብነት እንተወሲድና እኳ ኣብ ግዝ ኣት ጣልያን ብዓይኒ ባዕዳዉያን ወረርቲ ሩባ መረብ ከም ሓደ ጠረር ወሲዶም “መረብ ምላሽ” ተበሃሂሎም እንተተወዓዓሉ ኣብ ኤር ትራ ዝርከቡ ተጋሩን ኣብ ትግራይ ዘለና ተጋሩን ዋላ ኣብ እዋን ክረምቲ ሩባ መረብ ዉሕጅ እንተመልአ እዉን እቱ ማይ ከም ድልድል ሓሲብና እናሓመስና ካብ ምርኻብ ፍፁም ዓጊቱና ኣይፈልጥን፤ ንድሕሪ ሕዚ እዉን ኣይክዓግተናን። ኣብ ትግራይ ዘለና ኩናማን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኩናማን እቱ ሩባ መራኸቢና ቦታ እምበር መፈላለዪና ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ንድሕሪ ሕዚ እዉን ፍፁም ኣይክኸዉንን። ስለዙይ ሓደ ዓይነት ህዝቢ ናብ ክልተ ሃገራት ምምቃሉስ ለካ ፀገም እንተይኮነስ ፀጋ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ፤ እቶም ሓደ ዓይነት ህዝብታት ነተን ሃገራት ዱልዱል ድልድል ኮይኖም እናራኸቡ ስለዝፀንሑን ሕዚ እዉን ብጭቡጥ ከምኡ ኾይኖም ስለዝርከቡን።

እቱ ሓቂ ከምዙይ እንታብኮነ ደኣ እቱ ኣብ ሞንጎ ኢትጵያን ኤርትራን ቅድሚ 20 ዓመት ዘጋጠመ ጎንፂ እንታይ ኣምፀኦ? ንምንታይ እየን እተን ሃገራት ብዓሰርተታት ኣሻሓት መንእሰይ ክሳዕ ዝረግፍን ኣካሉ ዝጎድልን፣ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ክሳዕ ዝዓኑን ናብ ጎንፂ ኣትየንን ኣብ ኣፍሪቃ ብምኽኒያት ድምበር ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ኵናት ወሊዐንን? ኢልካ ምሕታት ንቡር እምበር ነውሪ ኣይኮነን። እቱ ሓቂ ድሕሪ እዋን ዝበለፀ እናተጋህደን ዝበለፀ እናተኾለዐን ዝኸድ እኳ እንተኾነ፤ ዋላ ኣብ’ዙ ሕዚ እዋን ኮይንካ ግን ክልተ ነገር ብጥሉል ምዝራብ ይከኣል’ዩ።

  1. እቱ ሽዑ ዘጋጠመ ባእሲ ክልቲአን ሃገራት ጉልባብ ድምበር ደኣ ሒዙ ተላዒሉ እምበር እቱ ሓቂ ንሱ ዘይምዃኑ፣
  2. እቱ ምኽኒያት ባእሲ ጉዳይ ድምበር ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ እቱ ባእሲ ኣብ ሞንጎ መንግ ስታት እምበር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘይምንባሩ እዩ።

እቶም መንግስታት እሞ ህዝቦም ኣይዉ ክሉን ድዮም? መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ተባኢሶም ማለት ህዝቢታት ክልቲአን ህዝቢ ታት ተባኢሶም ማለት ዶ ኣይኮነን እዩ? ዝብል ሕቶ እዉን መልሱ ፍሉጥ ስለዝኾነ ናብኡ ኣይኣቱን። ገሊኦም መንግስታት ሽዑ ብኽፋል ወይ ብሙሉእነት ንህዝቦም ዝዉክሉን ብህዝቢ ዝተመረፁን ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኦም መንግስታት ሓዲአን ሃገር ድማ ሽዑ ንህዝቦም ኣይዉክሉ፣ ሕዚ’ዉን ንህዝቦም ኣይዉክሉ። እቱ ዝገርም ግን ብህዝቢ ይመረፁ ኣይመረፁ ብዘየገድስ መንግስታት ስለዝተባእሱ ኢሉ ኣብ ክልቲኡ ገፅ ዝነበረ መንእሰይ ሆ! ኢሉ እዩ ብሙሉእነት ናብ ኵናት ከቲቱ። ናይ እዙይ ሳዕቤን ድማ ልዕሊ ስድሳ ሽሕ መንእሰይ ረጊፉ። ክልቲኦም መንግስታት ዝተጠቕሙሉ ስልቲ እዉን “መሬትካ ተወሪሩ፣ ሉኣላዊነትካ ተደፊሩ፣” ዝብል እዩ ነይሩ።

ስለዙይ እቱ ሕዚ’ዉን መሊኡ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት መንቀሊኡ ጉዳይ ድምበር ወይ መሬት ስለዘይነበረ፤ ሓደ ክፋል መሬት ቆሪስካ ብመሃብ ይትረፍ እሞ ሓደ ዞባ ሙሉእ ብመሃብ እዉን ክሃድእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። እቱ ባእሲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ስለዘይነበረ ክልቲኦም ህዝብታት ክተዓረቑ ብምግባር’ዉን ፍታሕ ኣይርከብን። ከም ኣብነት፤ሃይለን በሪሁን ዝተባህሉ ክልተ ጎረባብቲ ስለዝተባእሱ እቱ ባእሲ ምህዳእ ዝከኣል ክልቲኦም ተባኣስቲ “ሃይለን በሪሁን” ክዕረቑ ወይ ይቕረ ይቕረ ክበሃሃሉ (ካብ ልቦም) ብምግባር ጥራሕ እምበር ካልኦት ክልተ “ምሕረትን ለምለምን” ዝተባህላ ኣንስቶም ክዕረቓ ብምግባር እቱ ጎንፂ ኣይእለይን። ወይ ድማ በሪሁ ዓገበኛ እዩ ሕዚ እዉን ኣይለቀንን ዝኾን እሞ ኩሉ ሻዕ “ገበላ፣ ገበላ” ስለዝብል እታ ሓንቲ ገበላይ ደኣ ክህቦ እሞ እንተገደፈኒ ዝብል ኣታሕዛ ፈራሕ እዉን ነቱ ህዉከት ከግድዶ እንተዘይኮይኑ ወይከ ኣየህደኦን፤ እምበኣር ፈሪሑለይ ኣሎ  እዩ እሞ እታ ህድሞ እዉን እንተይወሰኸኒ ኣይዕረቕን ክብል እዩ። ፍርሒ እንተጀሚሩ እዉን መወዳእታ የብሉን እሞ በል ደሓን ጥራሕ ሰላም ይዉረድ እምበር እታ ህድሞን እታ ቤትን እዉን ተዘይወሲኽካኒ ኣይገድፍን ኢሉ እንተፈኪሩ እዉን እናሃብካ እዩ ክንበር።

ርግፅ’ዩ ምሕረትን ለምለምን ሰብ ሓዳር እቶም ተጓነፅቲ (ሃይለን በሪሁን) እንተኾይነን ኣብ ምህዳእ እቱ ጎንፂ ግደ የብለንን ኣይበሃልን፤ ግን እቱ ሓዳር እንታይ ዓይነት ሓዳር እዩ ዝብል ምርኣዩ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ በሪሁ ንምሕረት ብሱሩ ዘይሰምዓ እንተደኣ ኾይኑ ክልቲአን ኣንስቲ መኸራ ኣይመኸራ ትርጉም ስለዘይብሉ እቱ ፍታሕ ገበላኻ ምሃብ ኣይኮነ፣ ክልቲአን ክዕረቓ ምግባር ኣይኮነ (ብሱሩ’ዉን ንሳተን ስለዘይተባእሳ)። 

እቱ ካሊእ መስደመም ድማ እቱ ፀገም ካብ መንቀሊኡ ብባዕዳዉያን ወረርቲ ዝተ ወጠነ ኮይኑ እናሃለወ ናብኣቶም ኬድና ዳንዩና ምባልና እዩ። ምዕራባዉያን ኮነ ኢሎም ዘተኣታተዉዎ ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት እናታ ሃናኾቱ መሳርሒታቶም ክሸጡ እምበር ከተዓርቑ ተራእዩ ፍፁም ኣይፈልጥን። ከም ኣብነት፤ሓደ ነገረኛ እሞ ድማ ሓያል እየ በሃሊ ጭቃ ሹም ኣባኢሱካን ኣዳምዩካን እንተብቅዕስ ክልቴኻ ጎረባብቲ በይዛኻ ኣተዓርቐና ኢልካ ተምበርኪኽካ ምልማን እንታይ ይበሃል? ወየ ጭቃ ሹም ደኣ ሹንኳይዶ ምስ ጎረቤት ተባኢስካሉ ኬድካዮስ ኣብ ስድራኻ’ዉን እና ኣተወ ዶ ኣይኮነን እዩ ህዉከት ዝፈጥረልካ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓማዉቲ ኣብ ዉሽጥና ኣትዩ ህዉከት ከእትወልና ዝፀንሐ መን ድዩ? ምዕራባዉያን ደኣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘላቕነት ክህሉዎ እንተይኮነስ ጎንፂታትና ብዘተኣማምን መልክዑ ዘላቕነት ንክህሉዎ ዶ ኣይኮኑን ለይቲን ቀትሪን ድቃስ ስኢኖም ዝሰርሑ። እዙይ ድዩ እሞ ሕዚ ንዓና ምርኣይ ኣብዩናን ተኸዊሉናን?።

ስለዙይ ሕዚ’ዉን ገና ኣይመሰየን እሞ ናብ ዉኔና ደኣ ንመለስ። ኣብ’ዙ ከይዲ እዙይ’ዉን ምዕራባዉያን ዝኽተሉዎ ኣተኣላልያ ጎንፂ እንድዒ ንዓኣቶም እምበር ንዓና ፍፁም ስለዘ ይጠቕመና እዙ ሕዚ ኣጋጢሙ ዝኒሀ እዉን ብናይባዕልትና ኣገባብ ጌርና ጥራሕ ኢና ክንፈ ትሖ ዝግበኣና። ምዕራባዉያን ናትና ፅቡቕ ነገር ከምዘይምነዩን እዙይ ድማ ናይ ቀረባ እዋን እንተይኮነስ ዳርጋ ኣስታት ክልተ ዘበን ከቑፅር ዝተቓረበ ምዃኑ ምርኣይ ይከኣል እዩ። እዙ ዝስዕብ ፅሑፍ’ዉን ሓደ ምስክር እዩ፤ ሓደ ሎርድ ማኩላሪ ዝተባህለ ናብ ናይ ሃገረ እንግሊዝ ፓርላማ ዘቕረቦ ፅሑፍ።

Lord Macaulary in 1835 Presented to the British Parliament:

“I have travelled across the length and breadth of Africa and I have not seen one person who is a beggar, who is a thief.  Such wealth I have seen in this country, such high moral values, people of caliber, which I do not think would ever conquer this country unless we break the very backbone of this nation, which is her spiritual and cultural heritage, and therefore, I propose that we replace the old and ancient education system and her culture. For if the Africans think and all that is foreign and English is good and greater than her own they will lose their own self-esteem, their native, self-culture and they will become what we want them, a truly dominated nation”.

እዙ ሓሳብ ናብ ትግርኛ እንትምለስ እዙ ዝስዕብ ትርጉም ኣለዎ፤ሎርድ ማኩላሪ ብ1835 ዓ.ም.ፈ ናብ ናይ ብሪጣንያ ፓርላማ ዘቕረቦ ሓሳብ፤

“ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኸይደ እየ፣ ተጓዒዘ እየ፤ ኣብ ጉዕዞይ እዉን ሓደ ለማኒ ኣይረኣኹን፣ ሌባ ወይ ጉሒላ እዉን ኣይረኣኹን። እወ፤ ኣብ ጉዕዞይ ዝገርም ፀጋን ሃፍቲን፣ ዝገርም ሞራል፣ ሕልናዊ፣ እዱብ፤ ስነ-ስርዓት ዘለዎ፣ ንፁህ፣ ስሩዕ፣ ክፉእን ፅቡቕን ዝፈሊ፣ ዘኽፈአሉን ዘፀብቕሉን ዝፈልጥን በዓል ልዑል ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ ህዝቢ እየ ተዓዚበ። እዙ ህዝቢ ኸዓ ዓንዲ ሑቒኡ ማለት’ዉን ባህላዊ ሓድጊታቱን መንፈሳዊ ክብሪታቱን ብዘየላጢ ክሳዕ ዘይሰበርናዮ ስዒርና ክንቋፃፀሮ እንኽእል ኣይመስለንን። ስለዝኾነ’ዉን እንተኸማይ ኣፍሪ ቃዉያን እንግሊዝኛ ሓዊስካ ካብ ደገ ዝመፀ ኹሉ ፅቡቕን ካብ ናታቶም ዝበልፅን ገይሮም ክሓስቡ ብምግባር ጥንታዊ ትምህርታዊ ስር ዓቱን ባህሎምን ብናትና ክትካእ ክንገብሮ ኽንክእል ኣለና። ከምኡ ብምግባር’ዉን ዓርሰ እምነቶምን ንያቶምን ከትሕቱን ከዕብሩ፣ ካብ መበቁለኛን ናትና ዝብሉዎም ባህሊታት ክላቐቑ ብምግባር ጥራሕ ኢና ዝደለናዮም ክኾኑ፣ ዝበል ናዮም ዝገብሩን ናይ ብሓቂ ዕብሉላት ሃገር እንገ ብሮምን” ይብል።

እዙ ኣካይዳታት እዙይ ኣብ’ቶም ብቐጥታ ዝገዝኡዎምን ብኢቀጥታዊ ብምሁራቶምን ደቂ ሃገር ተለኣኣኽቲን ገይሮም እዉን እዙ ዝበሉዎ ተግቢረሞ እዮም። ዋላ እኳ ከም ሃገር ብርእዮ ኣብ ኢድ ባዕዳዉያን ወረርቲ ኣይትዉደቕ እምበር ሃገርና ኢትዮጵያ እዉን ካብ’ዙይ ነፃ እያ ክትበሃል ትኽእል ኣይኮነትን።

ቅድሚ 2000 ዓማዉቲ ኣብ ጫፍ ብልሒ ስልጣነ እቱ እዋን ዝነበረት ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 200 ዓማዉቲ ብዝተፈላለዩ ዉዲ ታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘይምዕሩይ ኣመ ራርሓን ኣብ’ቱ ናይመወዳእታን ጭራ ስልጣነ ዓለምናን ኮይና ፀኒሓ እያ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ትግራይ። ዋላ ከምኡ ኾይና’ዉን ግን ኣብ ኢድ ባዕዳዉያን ወረርቲ ዘይወደቐት ዳርጋ ብሕታዊት ሃገር ኣህጉርና ብምዃን ሓበን ኣፍሪቃዉያን ኮይና ፀኒሓ እያ። ኣብ’ዙ ሕዚ እዋን’ዉን ካብ’ተን ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘመዝግባ ዘለዋ ዉሑዳት ሃገራት ዓለምና እታ ሓንቲን ቅድሚት እትስራዕን ሃገር እያ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን፤ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓማዉቲ ብተነፃፃሪነት ካብ’ተን ሰላም ዝሰፈነለንን ኣዝየን ዝተረጋጋኣን ሃገራት ሓንቲ እያ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም ዝሓረመን ሃገራት እዉን እንታይነት ሰላም ብዕሊ ንከስተማቕራ ዉፅኢታዊ ስራሕ እትዉግን ዘላ ሃገር እያ።

እዙ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 16 ዓማዉቲ ዝተመዝገበ ዓወታት ክዉን ንምግባር እቱ ንልዕሊ 100 ዓማዉቲ ቀፂሉ ዝፀንሐ ኣድሉዎ፣ ጭቆናን ዘይፍትሓዊ ስርዓትን ካብ ሱሩ ተማሒዉ ክእለ ስለዝነበሮ እሞ ከምኡ ንምግባር ድማ ልዕሊ 60 ሽሕ ወገናት ሂወቶም እንተይሰስዑ ገቢሮም ልዕሊ 100 ሽሕ ደቂህዝቢ እዉን ከምኡ ኣካሎም ጎዲሎም እዮም። ብተመሳሳሊ መንገዲ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ንስደትን መከራን ተሳጢሖም። እቱ ስደት ገዲፍና እኳ እቱ ዝተኸፈለ መስዋእትነትን ምጕዳእ ኣካልን እንተወሲድና፤ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰብ እንትስዋእን ኣካሉ እንትጎድልን፣ ክልል ከም ክልል ኣብ ኣዝዩ ምእማኑ ዘፀግም ማሕበረ ቍጠባዊ ቅሉውላው ከምእትኣቱ ምግማቱ ኣየፅግምን። በዙ ከም’ዙይ ዝበለ ከይዲ ዘይተሃሰየ ስድራ ከምዘይርከብ እዉን ይፍለጥ። ብከምዙይ ዓይነት ልዑል መስዋእትነት ዝተረኽበ ዓወት ድማ ብዘተኣማምን መልኩዑ እንተዘይቀፂሉን ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተተኾሊፉን ናብ ፍፁም መዋፅእ ዘይብሉ ህዉከት ከምዝእቶ ግልፂ እዩ።

ይኹን ደኣ እምበር ምስ ኤርትራ ብዝተገበረ ጎንፂን ህዉከትን ድማ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ገቢርና፣ ንምጉዳል ኣካል ካልኦት ዓሰርተታት ኣሻሓት እዉን ምኽኒያት ኮይኑ እዩ። ስለዙይ እዙ ክነስተማቕሮ ጀሚርና ዘለና ሰላም፣ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሕዚ’ዉን ዋላ 0.005% እዉን ንድሕሪት ዝምለሰሉ ዕዱል ክህሉ የብሉን። እዙይ ክዉን ንምግባር ግን ኩሎም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ቀዳዳት ኣቐዲምና ብምእማት እንተተኸላኺልናዮም ጥራሕ እምበር ፀገም መምስኣጋጠመ ክፍታሕ ብምግባር ኣይኮነን። ርግፅ’ዩ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ (እንተይተናዕቐ) ዘጋጠመ ፀገማት ኵሉ ብዘይወዓል ሕደር ክፍታሕ ይግበኦ። ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ሰኒፍና ከጋጥም ዝኽ እል ህዉከት ግና መዘዙ ከቢድ ከምዝኾን ምእ ማት ኣየፅግምን።

እዙ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ሓቂታት ብዘይ ምስትዉዓል፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓማዉቲ ድሕሪ  ዝተኻየደ ኵናት ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሃቦ “ናይ መወዳ እታ ንቀያድን” ብይንቀይዱ ካብ ዝሕዘና ደጊም 16 ዓመታትኮይኑዎኣሎ። እቱ ሓቅነት ዝጎደሎን ሸፈጥ ዝተመልኦን ብይን፤ እቲ ባድ መን ኤርትራ ዝሃበ ብይን መንግስቲ ኢትዮ ጵያ፡ እቲ ብይንን ነበርቲ ሓያሎ ዓድታት ስለዘመዛብል ሰላም ኣይህብን እሞ “ቅድምኣብ ኣፈፃፅማታቱ ንዛተ” ዝብል ቅድመ ኵነት ብም ቕራቡ ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ እታ ቤት ፍርዲ ዝሃበና ውሳነ ኢና ነተግብር ብምባሉ ክሳዕ ሕዚ እንተይተተግበረ እዩ ፀኒሑ። ብምዃኑ’ዉን ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ዝኾነ እዋን ይንበር ኣሎ፤ ብክልቲኦም ህዝቢታት። እዙይ ንምፍታሕ ዓሊሙ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ’ዙ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓዱሽ ዉሳነ ወሲኑ፤ ነቱ ብይን ኣልጄርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኵነት ተቐቢሉ ንምትግባር ዝዓለመ ዉሳነ።

እዙ ዉሳነ እዙይ ግን ብኣካይዳታቱ ዝሰ ሓቶም ዓበይቲ ጉዳያት እኒሀዉ። ንሳቶም እዉን እቶም ቀንዲ ክብሪታት እቱ ምግዳል፣ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝጠሓሰ ምዃኑ እዩ። ሕዚ እዉን ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰሰን እዩ እሞ እዙ ጎንፂ እዙይ ዝፍተሐሎምን ክሰሓቱ ዘይግበኦምን ክንክተ ሎም ዝግባእን መትከላት ኣለዉ፤ ከም’ዙ ዝስዕብ ድማ ይቐርቡ።

1)    እዙ ጎንፂ እዙይ ሓቂ ሒዝካ ጥራሕ እዩ ዝፍታሕን ክፍታሕ ዝግበኦን።

እቱ ሓደን ቀንዲን ኣብ ድላዩ መፃብብን ሕማቕ ኩነታትን ኮይንና ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ። ከም ህዝቢ ንጣልያንን ካልኦት ባዕዳዉያን ወረርቲን ዝሰዓርና ፉሉይ ዕጥቂ ወይ ዝበለፀ ስንቂ ስለዝነበረና ኣይኮነን፤ ታይደኣስ ሓቂን ሓቂ ጥራሕን ስለዝሓዝና። ከመየ ጋሊልዮ ዝተባህለ ፈላስፋ ዝበሎ “ሓቂ እንተተረኺቡ ምርዱኡ ኣፀጋሚ ኣይኮነን፤ እቱ ቀንዲ ፀገም ግን ሓቂ ደሊኻ ንኽትረኽቦ ዘሎ ተዓብ እዩ”። ስለዙይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፈታኒ እዋን ዋላ ኾይንና ሓቂ ክንጥሕስ ፍፁም ኣይግበአናን። ኣብ’ዙ ምስ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዝፀንሐ ጎንፂ እንትንርኢ ኣየነኣ ግራት ናይመን ከምዝኾነት ብትኽክል ኣብ ትፍለጠሉን ሓቂ ኣብ ቦቱኡ ኣብ ዘለሉን እዋን ምዕራባዉያን ሃገራት ክፈትዉልና ኢልና እንገብሮ ቀጠፍጠፍ ትርጉም የብሉን። ከመየ ሑሰትን ለቖታ ጥሕኒን እናሓደሩ . . . ዝበሃል ሓቂ ሰጊርካ ዝግበር ነገር ኩሉ ዘይ ፉኽሰት ካሊእ ከስቢ የብሉን። ስለዙይ እዙ ዉጥጥ እዙይ ክፍታሕ ዘለዎን ዝግበኦን ሓቂን ሓቂ ጥራሕን ሒዝካ ምዃኑ ንፃት እዉን ክንርስዕ የብልናን።

2)    እዙ ምጥራር ድምበር ዝሳኻዕ ዑምቆት ዘለዎ ህዝባዉነት እንተሒዝና ጥራሕ’ዩ።

እዙ  ጉዳይ  ድምበር ወይ’ዉን ምስ ኤርትራ ዝነ በረ ዉጥጥ ንምፍታሕ ኣብ እንገብሮ ልዝብ ኩሉ ነገር ብዓይኒ ናይ ህዝቢ ንዘላቒ ጥቕሚ ህዝቢን ምርኣይ እንተኽኢልና ጥራሕ እዩ፤ ህዝቢ ማለት ህዝቢ  ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዘካ ተተ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ዝኾነ ይኹን እንገብሮ ዉሳነ ንህዝቢ ኤርትራ ይጎድእ እምበር ፍፁም ኣይጠቅምን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጎድእ ዝኾነ ይኹን መደምደምታ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይጎድእ እም በር ፍፁም ኣይጠቅምን። ስለዙይ ኣብ ከይዲ ምፍታሕ እዙ ዝተናወሐ ጎንፂ እቱ ብሱሩ ክን ርሰዖ ዘይብልናን ብሱሩ’ዉን ማእኸል ጌርና ክንነጥፈሉ ዘለናን ናይ ኣብዝሓ ህዝቢ ረብሓን ጥቕሚን ምርግጋፅ እዩ። እንካብ’ዚመሰረታዊ ኵርናዕ እዙይ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ነዙ ምእላይ ጎንፂ ዝሕግዝ ቅኑዕን መትከላዊ ሓሳባትን ብመን ይምፃእ ብመን ብዘየገድስ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ እንትግባእ፣ ካብ ’ዙይ ወፃኢ ንዝኾነ ወይ’ዉን ምስ እዙ ሓሳብ እዙይ ዝፃብኡ ሓሳባትን መትከላትን ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ይበገሱ ኣይበገሱ ብዘየገድስ ብፅንዓትን ብትረትንኣትሪርና ክንቃ ለሶም ይግበኣና።

3) ዑምቆት ዘለዎ ዴሞክራሲያዊነት የድሊ።

ኣብዝኾነ ይኹን ዉራያትና ዴሞክራሲያዊን ሰብኣውን መሰል ህዝብታትን ውልቀ ሰባትን ክሕሎ ይግባእ። ንሰባት ብምኽንያት ብሄራዊ መበቆሎም፣ ሃይማኖታዊ እምነቶም፣ ዘርኦም፣ ናይ ሃፍቲ ደረጀኦም፣ ፆታኦመን ዘለዎም ስልጣንን መዝነትን ፍልልይ ብዘይምግባር  ኣብ ኩሉ ጉዳያት ማዕረ ምዃኖም ኣሚና ክንቃለስን ክነቃልስን ይግበኣና፤ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ድማ ብዝዓበየ ይምልከቶም። ስለ ዙይ እዙ ጉዳይ ድምበር ኣመልኪትና ኣብ እንገብሮ ዘተ ይኹን ዉሳነ፤ ኤርትራዉያን ይኹኑ ኢትዮጵያዉያንከምህዝቢ ማዕረ ሪእና ክንኣልዮም ይግባእ። ኣብ ከምዙይ ዝበለ ከይዲ ካብ ክልቲኡ ወገን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጫፋት (ከም ዘርኣዉነት፣ ፀቢብነት ይኹን ትምክሕቲ) ብትረት ክንቃለሶ ኣለና። ምስ’ዙይ ጎኒ ንጎኒ ብፍላይ ኣብ ከባቢ እቱ ድምበር ይኹኑ ኣብ ካልኦት ቦታታት ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እቱ ከይዲ ምጥራር ዘለዎም ሓሳባት ብነፃክገልፁን ብዕሊ እዉን ብባዕልቶም ብቀጥታ ወይድማ ብተወከልቶም ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም።

 4) ኣብ’ዙ ከይዲ ምጥራር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኣፈላላያት ሓሳባት ብዘተን ዘተ ጥራሕን ክፍ ትሑ ምእማን የድሊ።

ኣብ’ዙ ከይዲ እዙይ ብዙሕ ዓይነት ሓሳባት ክንሸራሸሩ ከምዝ ኽእሉን ክንሸራሸሩ እዉን ከምዘለዎምን ምእ ማን ኣገዳሲ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ድማ ክንሸራሸር ዘለዎ ምእንተ ምዝራብ ጥራሕ፣ ወይ ክነፍሰሉ ምእንቲ እንተይኮነስ ብዙሕ ዓይነት ሓሳባት ንክመፁን ንክዉሕዙን እዉን እዩ። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ድማ ከከም ሰቡ ክፈላለዩ ከምዝኽእሉ ይግመት። እቱ ጎንፂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እቶም ኣፈላላያት ሓሳብ ብዘተን ብዘተ ጥራን እዮም ክፍትሑ ዝግበኦም።

5)    ምኽባር መሰላት ዉልቀ ሰብን ማሕበረሰባዊ ጉጅለን።

ኣብ’ዙ ከይዲ እዙይ ናይ ውልቀ ሰብን ሕብረተሰባዊ ጉጅለን መሰላት ከይተነፃፀሉን ከይተተኻኽኡን እናተመጋገቡን እቱ ሓደ ነቱ ካሊእ እናኣጎልበተ ንክኸዱ ዝግበኦም ጉዳያት ከምዝኾኑ ብፅኑዕ ምእማንን፣ ንተግባራዉነቶም እዉን ምንጣፍን የድሊ። ሓደ ሓደ እዋን ዘይ ሓደ ሰብ እዩ ኢልና መሰሉ እንተየኽበርናሉ እንትንተርፍ እዚኣቶም ድማ ተዋህሊሎም ካሊእ ዓብዪ ቅሉውላው ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ናይ ዉልቀ ሰባት መሰል ተኸቢሩ እዩ እሞ ህዝቢ ድማ ጥርቅም ወይ እካብ ዉልቀሰባት እዩ፤ ስለዙይ መሰል ጉጅለ ተኸቢሩ ኣሎ ማለት እዩ ኢልካ ምድምዳም እዉን ካሊእ ጌጋ እዩ። መሰል ሓዲኡ ተኸቢሩ ናይ’ቱ ሓደ መሰል እንተዘ ይተኸቢሩ ሙሉእ ሰላም ኣይንረክብን፤ ሙሉእ ሰላም ኣብዘይተረኽበሉ ድማ ድምበር ተጠረረ ኣይተጠረረ ለዉጢ ኣይክህሉዎን።

6)   ፅንዓት ዕላማን ተወፋይነትን ኣገዳሲ እዩ።

እዙ ድምበር እንጥርረሉ ቀንዲ ምኽኒያት ክልቲኦም ህዝቢታት ሉኣላዊነቶም ተኸቢሩሎም ሰላም ክረጋገፅን ልምዓት ክዉን ንምግባርን እዩ። ቀንዲ ዕላማና እዚኣ ካብ ኮነት እታ እንደልያ ቅንዕቲ ዕላማ ክሳዕ እነሳኽዕ ፅንዓት ዕላማ ግድን ክኾን እዩ። ስለዙይ ሰላምን ልምዓትን ንክረጋገፁ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ክዉገን ዘለዎ ብፅንዓትን ብተወፋይነትን ክትግበር ኣለዎ፤ እዙ ከይዲ ምእላይ ጎንፂ ክልቲአን ሃገራትን ክልቲኦም ህዝብታትን እዉን ኣብ’ዙ መሕሰቢ እዙይ ወይ ኣብ’ዙ ክወና እዙይ ኣእቲኻ እዩ ክረአ ዝግበኦ።

7)   ካብ ጉድለትካን ጉድለት ካልኦትን ቀፃልነት ብዘለዎ ከይዲ ምምሃር፤ ብሰንኪ ነቓፅ መርገፂ ክልቲኦም መንግስቲታት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓማ ዉቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት በፂሑ ዝኒሀ በደል ብዕሊ ምግንዛቡን ምግምጋሙን ኣገዳሲ እዩ፤ ምእንታን ክንመሃረሉ። ሕሉፍ 20 ዓማዉቲ ብዕቱብ ምስተገምገመ ካብ ጌጋታት ካልኦት ሃገራት’ዉን ትምህርቲ ምቕሳም ኣድላዪ እዩ። ስለዙይ ካብ ጉድለትናን ናይ ካልኦት ተሞክሮታትን ጉድለታትን ተማሂርካ ክንዲ ዝከኣል ፅፉፍ ስራሕ ምስራሕ ከድሊ እዩ።

እዘን ልዕል ክብላ ዝተዘርዘራ መትከላት ከም ቀንዲ ነገር ምስተወሰደ ደሓር ናብ ባይታ ክዉረድ እንተሎ ከምዙይ ዓይነት ጎንፂ ብዘላ ቕነትን ብዘተኣማምንን ንምፍታሕ ኣብ’ቱ ድም በር ዘሎ ህዝቢ ክሳተፍ ብምግባር ሕድሕድ ግራት ናይ መን ከምዝነበረትን ከምዝኾነትን እናመስከረ፣ ሰብ ሞያ ሕጊን ካልኦት ዝምልከቶም ሰብ ኣካላትን እግሪ እግሪ እናተኸታተሉ እቱ ዝተበፅሖ ስምምዕነት ዘለቔታነት ንክህሉዎ ምግባር ይግባእ። ብምዃኑ’ዉን እዘን ዝስዕባ ሽዱሽተ ሓሳባት ክትግበራ ይግባእ።

  1. ከም መልዐሊ ክልቲኡ ህዝቢ ናብ’ታ ቅድሚ ምጅማር ኵናት ዝነበረ ኵነታት ክምለስ ምግባር የድሊ። እዙይ ማለት ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ብምምላስ ኣብ’ቱ ንቡር ኮይንካ እዘን ልዕል ክብላ ዝተዘርዘራ 7 መትከላት ተሓሳቢ ዝገበረ ሓበራዊ ራእይ ምሓዝ።
  2. ካብ ኣብ’ቱ ወሰናወሰን ዝነብር ክል ቲኡ ህዝቢ ሓበራዊ ኮሚቴ ክጣየሽ ምግባር። እቶም ኣባላት ኮሚቴ እቱ ህዝቢ ተኣኪቡ፣ ሓሳቡ ገሊፁን ተኸራኺሮም ርግፅ ይዉክሉና እዮም ተባሂሉ ዝተኣምነሎም ክኾኑ ይግባእ።
  3. እዙ ዉራይ እዙይ ረዚን ዕዮ ምዃኑ ተረዲእና ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ግን ድማ ጊዜ እንተይወሰደ ዝዉገነሉ ጊዜ ኣቐሚጥካ ምዉስዋስ።
  4. እቶም ዝተመረፁ ኮሚቴታት ዝተሰ ማሙ ዑሉን ዝተረዳድኡሉን ኩሉ እግሪ እግሪ እናተ ኸታተልካ ብቪድዮ፣ ኦድዮ፣ ፅሑፍን ካሊእን ብዕሊ ምስናድ።
  5. እተን በቶም ብህዝቢ ዝተመረፁ ሰባት ዝበፅሑዎ መደምደምታታት ክልቲኦም ናብ’ቱ ኣብ ቀረበኦም ዝኒሀ ዝመረፆም ህዝቢ እናቕ ረቡ ምስ ኣፅደቑዎ ናይ መወዳእታ መልክዕ ይሕዝ። ምናልባሽ ዘይተረዳዱኡሉ ጉዳይ እንተጋጥም ተወሰኽቲ ጊዜታት እናሃብካ ናብ መደምደም ታታት ክብፃሕ ምፅዓር።
  6. ጊዜ ወሲዶም፣ ላዕሊን ታሕቲን ኢሎምን ብዘይ ምንም ሕርኽርኽ ዝወሰኑዎ ናይ ክልቲአን ሃገራት መንግስታት ቅቡል ገይሮም ዕላዊ ብምግ ባር ኣብ ተግባር የውዕሉዎ።

    ንምጥቕላል ዝኣክል፤ እዙ ኣብ ሞንጎ ክል ቲአን ሃገራትን ክልቲኦም ህዝቢታትን ኣጋጢሙ ዝፀንሐ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ዘጋጠመ ባእሲ ደኣ’ምበር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘጋጠመ ባእሲ ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ዉን እቶም ኣብ ድምበር ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ቁሸታት ባእሲ የብሎምን። እቶም መንግስታት ድማ ንባእሲ ዘለዓዓሎም ነናይባዕልቶም ምኽኒያት ከምዘለዎ እንተሎ ነቱ ህዝቢ ንምልዕዓል ዝተጠ ቐሙሉ ድምበርና ተወሪሩ፤ ዝብል እዩ። እቶም መንግስታት ነቱ ባእሲ ኮነ ኢሎም ንከይረዳዱኡ ወሲኖም ዝኣተዉዎ ስለዝነበረ ድላዩ ዓይነት ሽማግለ ከተዓርቖም ኣይከኣለን፣ ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵናት ተኣትዩ፣ ብዓሰርተታት ኣሻሓት መናእሰይ ረጊፎም፤ ብቢልዮናት ዝቑፀር ንብረት ዓንዩ፣ ክልቲአን ሃገራት ቁሩብ ሰገጥ ኣቢለነኦ ዝነበራ ጉዕዞ ድሕርሕሪት ከም ብሓዱሽ ጀሚ ረንኦ። እቱ ኵናት ብልዕልነት ኢትዮጵያ ዋላ ይዛዘም እምበር ብትርጉሙ እንትረአ ግና ክልቲአን ሃገራት እየን ተሳዒረን። ሕዚ’ዉን ክልቲአን ሃገራት ስዕረተን ተቐቢለን ክንድዝ ዕረቓ ናብ ዳይነት ምዕራባዉያን ድማ ከይደን፤ እዙይ’ዉን እቱ ጎንፂ ብዘላቕነት ንክቕፅል ገይሩዎ ፀኒሑ።

ቅድሚ ሕዚ ይኹን ድሕሪ ሕዚ እዙ ፀገም እዙይ ንምእላይ ሓገዝ ምዕራባዉያን ኣየድ ልየናን፣ ኣድልዩና እዉን ኣይፈልጥን። እቶም መንግስታት ከም ምኽኒት ዝተጠቐሙሉ ጉዳይ ድምበር ግና እቱ ኣብ’ቱ ድምበር ዝነብር ሰብ እቱ ዕዱል ብመሃብ ሕድሕድ ግራት፣ መሬትን ሽንጥሮን ናይ ኣየናይ ቁሸትን ናይ መን ዝተባህለ መራሒ ስድራን ከምዝነበረት ብዕሊ መስኪሩ ዘተኣማምን ሰላም ንምዉድ ኣየፅ ግመሉን።

እዙ ኣገባብ እዙይ ብዉሕድ ወፃኢ፣ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ክልቲኡ ህዝቢታት ተሓጓጕሱ ሕዉ ነቱ ኣጠናኺሩ ክነብርን እቱ ድምበር እዉን መፈላለዪ ቦታ እንተይኮነስ ዱልዱል መራኸቢ ድልድል ምግባር ይከኣል’ዩ።

ካብ’ዙይ ወፃኢ ዝግበር ምዉስዋሳትን ዓለም ክሕጎሰልካ ኢልካ ሓቅነትን ህዝባዉነትን ዝጎ ደሎ፣ ህዝቢ ዘየሳተፈን ኢዲሞክራሲያዊ ኣገባ ባት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ምትእንጋድ ኣፀጊሙሉ መሰል ህዝብታት፣ ጉጅለታትን ዉልቀሰባትን ካብ ምዕፋን ሓሊፉ ካሊእ ዝፍይዶ ነገር ኣይክ ህሉን።

ስለዝኾነ’ዉን እዙ ሕዚ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ፀገም ከም ልሙድ እተን ክብርታት ተጋዳላይ፣ ምግዳልን ህዝቢ ትግራይን ሒዝካ ምስ ክልቲኡ ህዝቢታት እሂን ምሂን ተበሃሂልካ ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ከምኡ ምስ እንገብር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዱልዱል ድልድል፣ ኣብ መሬት ዘይኮነስ ኣብ ልቦና ህዝቢ ዝተሃነፀ ድልድል፣ ብስሚንቶን ብረትን እንተይኮነስ በቱ ናይቶም ስዉኣት ደምን ዓፅሚን ዝተነድቀ ድልድል ብምህናፅ እቱ ሕሉፍ በሰላ ናብ ዘተኣማምን ዋሕስ ምቕያር ይከኣል’ዩ።

 

ሰላም እዋን ክራማት

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons