ብዛዕባ ትግራይ

 መረዳእታታት ታሪኽን ኳዕቲ ኣርኪኦሎጅን ከምዝሕብርዎ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንቶም ፈላሞት 1100 ዓመታት ብደረጃ መሪሕነት  መበቆል ጥንታዊት ስልጣነ ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል እያ። ቐፂሉ ድማ ምስ ካልኦት ከባብታት በቢተራ ኣካል መሪሕነትን ተመራሓይነትን እናሓዘት ዝመፀት፤ ብሓፈሽኡ ንልዕሊ 3000 ዓመታት ዘየቋረፀ ሃፍቲ ታሪኽ፣ ቅርስን ጀግንነትን ዝወነነት ክልል እያ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘመነ መሪሕነት እንብሎ ካብ 8 ክሳብ 1 ክፍለ ዘመን (ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ስልጣነ ይሓ እንትኾን ዋና ማእኸሎም ይሓ ገይሮም ሰፊሕ ግዝኣት የመሓድሩ ከምዝነበሩ ብኳዕቲ ኣርኪኦሎጂ እናተረጋገፀ መፂኡ ኣሎ። ስዒቡ ዝመፀ ካብ 1 ክሳብ 8 ክፍለ ዘመን (ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ) ዝነበረ ስልጣነ ኣክሱም’ውን ንዝነበረ መንግስትነት ኣጠናኺሩ፣ ስልጣነ ኣማዕቢሉን ግዝኣቱ ባሕሪ ሰገር ኣጋፊሑን ከምዝቐፀለ ድርሳናት ታሪክ መዝጊቦምዎ ይርከቡ።

ካብ 8 ክሳብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስልጣነ ኣክሱም ማእኸሉ ኣበይ ከምዝነበረ ገና ኣብ መፅናዕቲ ይርከብ። ካብ ቅድሚ ኣክሱም ጀሚሩ ክሳብ ምድኻም ዘበነ ኣክሱም ኣብ ዝነበሩ እዋናት ዝነበሩ ነገስታትን ህዝብን ምስ መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም፣ ባህላዊ ፍፃመታቶምን እምነታቶምን ተኣሳሲሩ ካብ ኣብያተ መንግስቲ ክሳብ መካነ መቓብር፣ ይጥቀሙሎም ካብ ዝነበሩ ፊደላት ክሳብ ምስ ካልኦት ሃገራት ብንግዲ ይለዋወጥዎም ዝነበሩ ወይ ድማ ብውህብቶ ዝረኽብዎም ንዋት ገዲፎም’ዮም።

 ትግራይ መእተዊ በሪ ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት’ውን እያ። ኣብ ዓለምና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ዝነበርዎምን ዘለውዎምን ሃይማኖታት ኦሪት፣ ክርስትናን እስልምናን ብትግራይ ኣቢሎም እዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝተጋፍሑ። በዞም እምነታት ኣቢሉ ብዝማዕበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት፣ ንዕለታዊ ግልጋሎታቶም ይጥቀሙሎም ብዝነበሩ ሃይማኖታዊ ንዋት ኣቢሎም ንሃይማኖታዊ ስርዓቶም ዘዘኻኽሩ ሓድግታት ገዲፎም። ብኢድ ሰብ ተሰሪሖም ኢልካ ንምእማን ዘፀግሙን ግን ድማ ውፅኢት እደ-ጥበብ ዝኾኑን ስነ ህንፃታትን ካልኦትን ተጠቀስቲ ህያብ ቀዳሞት ወለዲ ተጋሩ እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ስልጣንኡን ምዕባልኡን ተኣሳሲሩ ሃፍታም ዝኾነ ባህሊ ከጥሪ ዝኸኣለ ህዝቢ’ዩ። ናይ ባዕሉ ፊደልን ፅሑፍን ኣማዕቢሉ ትውፊታቱ ብፅሑፍን ካልኦት ባህላዊ መግለፅታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከማሓላልፍ ዝኸኣለ ህዝቢ’ዩ። በዚ ድማ ኣብ ዓለምና ናይ ባዕልቶም ፊደልን ቁፅርን ካብዘለዎም ውሑዳት ህዝቢታት ሓደ ክኾን ኣኽኢሉዎ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ሃይማኖታዊን ህይወቱ ዝተኣሳሰሩን ውፅኢት ምዕቡል ስልጣነ ከምዝኾኑ ዝተመስከረሎምን፣ ዝንቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን፣ ቁሳውን መንፈሳውን ሃፍትታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናሰጋገረ መፂኡ እዩ።

መስሕብ ቱሪዝም

ታሪኻዊ መስሕባት፡ ኣብዚ ዘፈር እዚ ዝካተቱ መስሕባት ምስ ጥንታዊ ታሪኸና ዝተኣሳሰሩ፣ ዘመናት ዘቑፀረ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ መነባብሮን ምዕባለታትን ትግራይ ዝግለፀሎም ሓድግታት እዮም። ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፣ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበረን ብሳይንሳዊ ምርምር ብግቡእ እናተገሃደ ዝመፅእ ዘሎን ኣርጂኦሎጂካዊ ሃፍቲ ይርከብ። ምስ ጥንታዊ ስልጣነ ይሓ /ደኣማት/ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ከባብታት ዝርከቡ ከምኒ ቤተ ሙክራብ ይሓ በተ ሙክራብ ዓዲ ኣካውሕ፣ ምስ ስልጣነ ኣክሱም ዝታሳሰሩ ሓወልትታት፣ ኣብያተ መንግስትን መቓብራትን፣ ካብ መበል ራብዓይ ክሳብ መበል 15 ክፍለ  ዘበን ብዘገርም ጥበብ ዝተሃነፁ ልዕሊ 120 ውቅር ኣብያተ ክርስትያን፣ ንልዕሊ 1000 ዓመት ግልጋሎት ክህብ ዝፀንሑ ገዳማትን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ንዋየ-ቅዱሳትን ተጠቀስቲ ታሪካዊ መስሕባት ትግራይ እዮም።

ባህላዊ መስሕባት፡ ባህሊ መግለፂ መነባብሮ ደቂ ሰባት እዩ። ሰባት ኣብ መንጎኦምን ምስ ካልኦትን ብዝገብሩዎ መስተጋብር ንመንነቶም ዝገልፅን ናተይ ኢሎም ዝኾርዑሉን ባህሊ፣ ብኻልእ ገፅ ድማ ምስ ካልኦት ዘመሳስሎምን ዘወሃህዶምን ሓባራዊ ባህሊ እናማዕበሉ መፂኦም እዮም። ብምዃኑ’ውን ብኣከባብራ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ብኣከዳድናን ኣጋያይፃን፣ ብኣመጋግባን ምትሕግጋዝን ወዘተ ኣቢሎም ዝግለፁ ባህላዊ ሃፍትታት ብዙሓት እዮም። ካብዚኣቶም ውሽጢ ደሚቖም ዝኽበሩ በዓላት መስቀል፣ ጥምቀት፣ ሆሳእና፣ ኣሸንዳ ወዘተ ተጠቀስቲ ባህላዊ ሃብትታት እዮም። ኣከዳድናን ኣገያይፃን ወይዘራዝር ትግራይ፣ ከም ጥሕሎ፣ ሕብስቲ፣ ግዕዝም፣ ብርኩታ ወዘተ ዝበሃሉ ዓይነታት መግቢ ተጠቀስቲ ባህላዊ መስሕባትና እዮም።

ተፈጥራዊ መስሕባት፡ ትግራይ ዘለዋ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ኣግራባት፣ ሩባታትን ካልኦት ናይ ማይ ኣካላትን፣ አንስሳ ዘቤትን ዘገዳምን ከምኡ’ውን ኩነታት ኣየር ኣብ ትሕቲ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ዝካተቱ እንትኾን በብዓመቱ ንብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ኣለዎም። መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣኣ ካብ ሽንጥሮ ተከዘ(ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ልዕሊ 550 ሜትሮ) ክሳብ እምባ ክሳድ ጉዶ (ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ልዕሊ 3935 ሜትሮ) ዝበፅሕ እንትኾን ብዙሓት ሰሓብቲ ዓይኒ ዝኾኑ ሰንሰለታዊ እምባታት፣ ጎላጉል፣ ፀድፍታት፣ ጋምስትን ሽንጥሮታትን የካትት። ካብ ሞንጎ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ እቶም ኣብ ከባብታት ዓድዋ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሰለኽለኻ፣ ሽረ፣ ዶግዓ ተምቤንን ምዕራባዊ ማይፀብርን ዝርከቡ ብእሳተ ጎሞራ ዝተፈጠሩ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኣብ ቅድሚት ይስርሑ። ብተመሳሳሊ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባብታት መቐለ፣ ውቕሮ፣ ዓዲግራት፣ ሓውዜንን ገርዓልታን ካብ ተደራራቢ ከውሒ ዝተፈጠሩ ርኢኻዮም ዘይምነዉ ግድምታትን እምባታትን ይርከቡ። ኣብ ከባብታት ቆላ ተምቤንን ሽንጥሮ ተከዘን ድማ ሜታሞርፊክ ካብ ዝተባህለ ከውሒ ዝተፈጠሩ ሰሓብቲ ግድምታት ንረክብ።

መርክቦን ክፍፍል ምሕደራን ትግራይ

ትግራይ ብአንፈት ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ኮይና ካብ 9 ክልላት ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ። ብሄራዊ ክልል ትግራይ ብደቡብ ጫፍ ካብ 120 15’ ክሳብ ሰሜን ጫፍ 140 57’ ይበፅሕ፤ ከምኡ’ውን ብምዕራብ ጫፍ ካብ 360 27’ ክሳብ  390 59’ ምብራቕ ዝበፅሕ ኮይኑ ብኣንፈት ሰሜን ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ኤርትራ፣ ብምዕራብ ምስ ሃገረ ሱዳን፣ ብምብራቕ ምስ ክልል ዓፋር ከምኡ’ውን ብደቡብን ደቡብ ምዕራብን ምስ ክልል ኣምሓራ ትዋሰን። ትግራይ ኣብ 6 ምምሕዳራዊ ዞባታት፣ ሓደ ዞባ ከተማ ምምሕዳርን (ሜትሮፖሊታን) ብሓፈሻ ብ7 ዞባዊ ምምሕዳራት፣ 34 ወረዳታት ገፀር፣ 12 ወረዳ ከተማት ምምሕዳራዊ ብርክታት ዝተኸፋፈለት እንትትኾን ኣብ ውሽጣ 767 ጣብያታት ይርከባ።

በዝሒ ሕዝቢ

ኣብ 2002 ዓ.ም ብዝተገበረ ቖፀራ ህዝብን ኣብይትን ኢትዮጵያ መሰረት በዝሒ ህዝቢ ትግራይ 4,327,342 ከምዝነበረ ካብ ማእኸላይ ስታስቲክስ በዓል መዚ ዝወፀ ሕታም ይሕብር። ዕብየት ህዝቢ ድማ ኣብ ከተማ ብ4.6 ምኢታዊ፣ ገፀር 2.1 ምእታዊ እንትኾን ብሓፈሻ 2.4 ሚኢታዊ በቢዓመቱ ከምዝዓቢ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኩነታት ጠባይ ኣየር ክልል ትግራይ

ኹነታት መጠን ዝናብ እንትርአ ድማ እቲ ዝተሓተ መጠን ዝናብ /<500 ሚሜ/ ዝተመዝገበ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ክልልናን ኣብ ውሱናት ቦታታት አበርገለን ሳምረን እንትኾን እቲ ዝለዓለ መጠን ዝናብ /1200-1800 ሚ.ሜ/ ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ምዕራባዊ ዞባን ኣብ ከባቢ ሩባ ተከዘን ዝተመዝገበ እዩ። በዚ ረቑሓ መሰረት መሰረት አግሮ ኢኮሎጂ ትግራይ 66.8% ደረቅ፣ 24.2% ጠሊ፣ 9% ብጣዕሚ ጠሊ ተባሂሉ ይምደብ።

ኣብ ትሑት ብራኸ ዘለዎም ቦታታት ትግራይ ዝተመዝገበ ዓመታዊ ማእኸላይ ሙቐት ካብ 22-270C እንትኾን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ዘለዎም ቦታት ዝተመዝገበ ድማ ካብ 10-220C እዩ። ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ሙቐት ካብ 30-400C ኣብ ቖላታት ከምኡ’ውን ዝተሓተ ሙቐት ካብ 3-100C ኣብ ደጉዓታት ይምዝገብ እዩ። ጂኦሎጂያዊ ኣቀማምጣኣ ናይ ኩሉ ዓይነት በፃሓይ ድልየት ዘማልእን ንተመራመርቲ ዝምችውን ኮይኑ ብዓይነቱ ሽንጥሮታት፣ መይዳ፣ እንባታት ዓቐብን ቁልቁልን ዘማለአ ኮይኑ ንረኽቦ።

ምልከኣ ምድርን ቅርፀ መሬትን ትግራይ

ቅርፀ መሬት ትግራይ ኮንቱር ወሲድና ብኣግባብ ስነ-መሬታዊ ሓበሬታ ማለት’ውን ብመዳይ ትንተና ስሉስ ቅርፂ (3D) ዝርከቡ መብዛሕቲኦም ቦታታት (96%) ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ዘለዎም ብራኸ ካብ 501-2500 ሜ እንትኾን እቲ 3900 ሜ ብራኸ ዘለዎ ዝለዓለ ጎቦ ፅበት ኣብ ዞብ ደቡብ ከባቢ ከተማ ማይጨው ይርከብ። ብተወሳኺ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ትግራይ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝበረኹ ጎቦታት ሰሜን ጎንደርን እቲ ዝተሓተ ሽንጥሮ ዓፋርን ዝዓረፈ እዩ። ብምዃኑ ድማ ትግራይ ዝተፈላለዩ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሂወታዊያንን ዝሓቆፈት ክልል እያ።

ቋንቋ

ስራሕ ቋንቋ መንግስቲ ክልል ዝኾነን በቲ ሕብረተሰብ ብስፍሓት ዝዝረብን ቋንቋ ትግርኛ፣ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ትግራይ ብነበርቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝዝረብ ቋንቋ ሳሆን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክፋል ትግራይ ብነበርቲ ብሄረሰብ ኩናማ ዝዝረብ ቋንቋ ኩናማን ሓዊሱ ሰለስተ ቋንቋታት ኣለዉ። ቋንቋ እንግሊዝኛ መምሃሪ ቋንቋ ትምህርቲ ላዕለዎት ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኮይኑ የገልግል፡፡ ከምኡውን ከም ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛኝ ዓፋርኛን ዝበሉ ቋንቋታት ብውሱናት ነበርቲ እቲ ከባቢ ሐሓሊፉ እንትዝረቡ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ።

ግልጋሎት መጎዓዝያ

መዕርፎ ኣየር፡- ኣብ ትግራይ አርባዕተ ደረጅኦም ዝሓለዉ መዕርፎ ነፈርቲ (መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ሑመራን ሽረ እንዳስላሰን) ኣለዉ።

መጎዓዝያ ምድሪ፡- 14 ከተማታት ትግራይ መነሃሪያ/መዕርፎ አውቶብስ/ ሃኒፀን ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ።

Show Buttons
Hide Buttons